ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት፤ 110 ሕሩይ ቅንየት

$24.99

6 in stock

About the book

ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት ብሃይለ ቢዘን ካልኣይቲ መጽሓፍ እኩባት ግጥምታት ሃይለ ቢዘን ዝዀነት ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት ነቲ ደራሲ ኣቐዲሙ ሰሪቱዎ ዝጸንሐ መስመር ተኸቲላ እትነድቕ’ያ። ሃይለ ቢዘን፡ ብቕርጣወ ቃላቱን ስጥመት ኣገጣጥማኡን፣ ነቲ ልሙድ ቅርጺ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ሓድሽ መሳዅትቲ ኣብ ምኽፋት ዝገብሮ ተበግሶ፣ ካልእ ድማ ነቲ መሪር ናጽነታዊ ገድሊ ብውሕሉል ጥበብን ዝዳረጎ ገለጻታትን ኣብ ምስናድ ዝገበሮ ተራ ይለለ። ኣብ በበይኖም ሕትመታት፡ ዝያዳ’ኳ ኣብ መጽሔት ሕውየት ዝወጹ ዝነበሩ ግጥምታት ሃይለ፡ ብጽባቐ ኣሰዃዅዓ ቃላቶምን ካብቲ ንጎንጺ ንምግላጽ ጥራይ ዝዝውተሩ ዝነበሩ ኣገላልጻታትን መለሳ ፈጢሮም’ዮም። ነቲ ኣብ ክሊ ስነ-ጽሑፍ (ጽንካረኡ ንምግላጽ) ምስ ሞትን ባሩድን ጥራይ ዝዛመድ ዝነበረ ቃልሲ ናብቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዝሰረቶም ወይ ድማ ቅዱሳዊ ባይታ ዝምንጻፎም ዓንኬል ገለጻታት ስሒቡ ኣካላዊን ስጋዊ ሞትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልዑል መንፈሳዊ ቃልሲን ድርኺትን ዝነበሮ ሰውራ ኣብ ምስጋር ዓቢ ተራ ተጻዊቱ። ነቲ ብቛንቋ ኲናት ጥራይ ዝግለጽ ዝነበረ ጅግንነት ድማ ርኡይ መለሳ ፈጢሩሉ። ሃይለ ቢዘን ኣብዛ ሓዳስ 110 ግጥምታት ሓቚፋ ዘላ መጽሓፉ ሓደ ዝፈትኖ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ኣለዎ። መለለዪ ደራሲ ዝዀኑ መረጻ ቃላትን ኣገላልጻታትን ኣብ ቦታኦም ኰይኖም፡ በብዓሰርተ ዝተኸፋፈሉ ቴማታት’ዩ ኣቐሚጡ ዘሎ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ኣርእስቲ ድማ ብዝተፈለላየ ኵርናዕን ጠመተን ዓሰርተ ግጥምታት ይገጥም። ንኣብነት፡ በታ ኣርእስቲ መጽሓፍ ዘላ “ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት” ብዝብላ ቴማን ኵርናዕን ዓሰርተ ግጥምታት ኣለዋ። ኣብ ሓንቲ ቴማ ዓሰርተ ዝኣክል ግጥምታት ምጽሓፍ፡ ደራሲ ምስ ነብሱ ዝገበሮ ውድድር ምግማት ኣየጸግምን። እቶም እንሓንሳብ ብዋዛዊ ዓይኒ፡ ካልእ ግዜ ድማ ብሕጫጨ ወይ ግሩህ ኣንደበት ዝተቐንዩ ግጥምታት በበይኖም ቴማታት ሓቚፎም ኣለዉ። ፍቕሪ፡ ደጕዓ ስደት፣ ክብሪ ንዝሓለፉ መራሕቲ ስነ-ጥበበኛታት (የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)፡ ኣባ ይስሓቕ ገብረየሱስ (ዶ/ር)፡ ኣብርሃም ሳህለ፡ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ፡ ትካቦ ወልደማርያም፡ ኣስረስ ተሰማ፡ ሃይለ ባህታ፡ ተኪአ በየነ፡ እሱራት ጋዜጠኛታት፡ መተዓብይቱን ኣዕሩኽቱን)፣ ቀዲሞም ብእንግሊዘኛ ዝተጻሕፉ ግጥምታት ደራሲ፣ ካብ ካልእ ቋንቋ ብገጣሚ ዝተተርጐሙ፣ ናብራ ፍርሒን ምጕስቓልን ኤርትራ ወዘተ. እቶም ቴማታት’ዮም። ነፍሲ-ወከፎም ግጥሚ ርእሱ ዝኸኣለ ጽባቐን ውሕልነት ደኣ ይሃልዎም እምበር፡ “ስርዓት-ነጥቢ ግፋ” ብዝብል ቴማ ዝተጻሕፋ 10 ግጥምታት ግን ብቕርጸንን ቅዲ ኣጸሓሕፋአንን ፍልይ ዝበላ’የን። ዝተመኰረሉ ሰብ ጥራይ ክገልጾ ዝኽእል፡ ብዅልንትናኡ ፍጹም ራዕዲ ንምእታው ዝዕላማኡ ወተሃደራዊ ግፋ ኤርትራ በቲ ንቡር ቋንቋ ምግላጹ ኣይከኣልን። እቶም ግዳያት ዓቢ ግፍዒ ዝዀኑ ወተሃደራት ዝጥቀሙሉ ቋንቋ፡ ተረፍ ፍርሖምን ዘይዕግበቶምን ናብቶም ከምኣቶም ዝመስሉ ግዳያት ክወጽኡዎ ክፍትኑ ከለዉ ዝርአ ናይ ርዑድ ኣርዓዲ ግርምቢጥነት፡ ሃዳኒን ሃዳሚን ዘይፍለጠሉ ክቢ ምጕያይ. ወዘተ. ንዕኡ ብዝዳረጎ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ግጥሚ ተቐሚጡ ኣሎ። Abrham Tesfaluel Zere     ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት፤ 110 ሕሩይ ቅንየት እኩብ ግጥምታት ብሃይለ ቢዘን ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት፤ 110 ሕሩይ ቅንየት ኣብ 12 ቴማታት ዝተመደቡ 110 ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፍ እያ። እቶም ቴማታት እዋናውያ ዝገብሮም ኣገደስቲ ኤርትራ-ጠቀስ ኵርናዓት ይድህስሱ። ገለ ካብ’ቶም ቴማታት ንምጥቃስ ዝኣክል፤ ፍቕሪ፡ ውልቃዊ ጦብላሕታታት፡ ስደት ኤርትራውያን (ሰሃራ፡ ኤውሮጳን ናይ ሕማመይን)፡ ወፈያ ንስሙያት ኤርትራውያን ከምኡ’ውን ትርጕማት ልሉያት ግጥምታት ኖርወይ ይርከቡዎም።