About the book

መጽሓፍ ሓደ ጉብሳ ታሪኽ ሂወት  ቀሺ ጉብሳ "ትኳቦ እዩ። ቀሺ ጉብሳ ትኳቦ ብኣውሮጳውያን ኣቋጻጽራ ሓምለ 27/1880 ኣብ ጸዓዘጋ ተወልዱ። ግዚኡ ኤርትራ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ከም ግዝኣት ጣልያን ዝተኣወጀትሉን፡ ንመጨረሽታ ግዜ ርእሰ-ምሕደራ ዝተነፈግትሉ ነበረ። ጉብሳ ንወለዶም ሓደ ውሉድ ብምንባሮም “ሓደ ጉብሳ” ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ። ብኣተዓባብይኦም ካብቶም ፍሉጣት ቀሳውስቲ ቤተ-ሰብ ጸዓዘጋ ብምዃኖም፡ ንመንፈሳዊ ትምህርቲ ዝነበሮም ህርፋን ዕዙዝ ኢዩ ነይሩ። ወዲ ዓሰርተ ሹዱሽተ ዓመት ምስ ኰኑ፡ ካብ ስድራ ቤቶም ጾሊቆም ናብ ጎንደር ትምህርተ-ሃይማኖት (Center of Divinity School) ተማሂሮም። ኣብኡ ትምህርቲ ዲያቆን (Geez Liturgy) ተኸታቲሎም ናብ’ታ ዝተወልዱላ ዓዲ ተመልሱ። ኣብቲ ህንጡይን ርሱንን ህይወቶም፡ ክመራመሩን ክሓቱን ምስ ጀመሩ፡ ብግዚኡ ብቋንቋ ትግርኛ ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ወንጌል ማረኾም። ከነሹ ድማ። ብግዚኡ ካብ ዘይምፍላጥ ዝኣክል፡ እዚ ስም ብኣሉታ ኢዩ ዝርኤ ነይሩ። ትርጉሙ ምስ ትግሬ ዝቀራረብ ክኸውን ከሎ ከነሰ፡ ክስታን፡ ክስታናይ ወይ ብተሓድሶ ክርስትያናዊ (christened) ዀነ ማለት ኢዩ። በዚ ዝኣክል ዝወረዶም ተጻርሮ፡ ኣንባቢ ነቲ መጽሓፍ ብምንባብ ክድህስሶ ነተሓሳስብ። ጉብሳ ብመንፈሳዊ ምቅርራብን፡ ምሕዝነትን ዝኣክል፡ ደቆም ካብ ስግር ዝተወልድሉ ዓዲ ሓሊፎም ክሳብ ዶብ ኤርትራ ከዋስብዎም ክኢሎም። እዚ ኣብቲ ብእንዳ ዝኣምን ሕብረተ-ሰብና ሱር-ነቀል (radical) ዝዀነ ማሕበራዊ ለውጢ ከም ዘኸተለ ይእመን። ቐሺ ጉብሳ ክሳብ ሕልፈተ ህይወቶም ከም ዘማሪ፡ ሰባኺ፡ መምህር፡ ወጌሳ (Counselor) ኮይኖም ንህዝቦም ኣገልጊሎም ሓሊፎም።