About the book

“ሕልፈት”፤ ቍስልኻ ቀሊዓ እተርኢ ስራሕ ሕልፈት በየነ ሰመረ፡ መልበርን፡ ኣውስትራልያ፤ 2018 124 ገጻት።  Tedros Abraham “ሕልፈት”፡ 12 ሓጸርቲ-ዛንታት ዝሓቘፈት መጽሓፍ ብ2018 ብበየነ ሰመረ ንሕትመት በቒዓ። በየነ፡ ኣብ መእተዊ መጽሓፉ ንዝተፈላለዩ ቀጽላታት ትርጕም ሕልፈት እትብል ቃል ኣዀምሲዑ ይትንትን። ኣብ’ታ መጽሓፍ ቀሪበን ዝርከባ ዛንታታት፡ ደቂ ሃገሩ ይሓልፉዎ ንዘለዉ ብዙሕ ዝዓይነቱ ህይወት ዘንጸባርቓ ብምዃነን ድማ፡ እታ ቃል፡ ኣርእስቲ መጽሓፉ ንኽትከውን ከም ዝመረጻ ይእምት።እዘን ዛንታታት ዘትኵራሉ ዛዕባ ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ክንመቕሎም ንኽእል፤ ስደትን መንገዲ ስደትን ሓደ ኰይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ፍትሒ ኣልቦ ምሕደራ እዩ። እዞም ክልተ ምድባት ዛዕባ’ዘን ዛንታታት ግን፡ ብዙሓት ንኡሳን ዛዕባታት ዝሓዙ እዮም። ኣብ ኣእምሮ ንጉሰ ናይ “ድጕል ሓዊ” ከምኡ’ውን ወይኒ ናይ “ዝውሕጥ ታኼላ” ኣቲና ስነ-ልቦናዊ ነውጾም ክስመዓናን ምንቅስቓሳቶም ክንዕዘብን ዘኽእል ስእልዊ ትረኻ፡ በየነ ኣብ “ህይወት ብሚልዮን” ዘርኣዮ ብቕዓት እንተ ዘይወሲኹሉ ኣይጕደሎን። ምስ እዘን ክልተ ዝተጠቕሳ፡ “ዛህራ”፡ “ጕዕዞ ሞትን ህይወትን”፡ “ውርሻ”፡ “ገርመንጃ” ከምኡ’ውን “ጽንብል 18 ዓመት” ዝብላ ወሲኽካ፡ ኣብ ስደት ንዘጋጥም ባህላዊ ግርጭትን ግዳይ ዘይተጸበኻዮ ኵነታት ምዃንን ተዓዚብካ፡ ኣዝዩ ዘጕሂ ተመኵሮ ንባብ ተሕልፍ። እቲ ንህዝቢ ተወፍየ ኢሉ ህዝቢ ከጐሳቝል ዝውዕል ድማ፡ ኣብ “ርብዒት ጣፍ”፡ “ዘይተ መሸላ”፡ “መርዓ ሄለን”፡ “ፍትወት ነብሲ”ን “እቲ ካልእ ዜጋ”ን ተወኪሉ ንረኽቦ’ሞ፡ ዋላ’ኳ እትፈልጦ ተመኵሮ እንተዀነ፡ ከም ስእሊ ተገቲሩ ኣፍጢጡ ጠሚቱ ኣዒንትኻ ንኽነብዓ ይቕስበን። እቲ ስምዒት፡ ከምቲ ጸሓፊ ዶማንዳ በደልካ ሕጊ ጠቒሱ ምስ ነገረካ፡ ክብደት ዝተበደልካዮ ጐሊሑ ዝረኣየካን ምእማኑ ዘጸግመካን እዩ። ዝተላዕሉ ዛዕባታት፡ ምስ ነፍሲ-ወከፍ ሓጻር ዛንታ ዕምቈቶምን ተኣማንነቶምን ዝፈላለ ብምዃኑ፡ ን12 ዛንታታት ኣሕፊሽካ ዝወሃብ ገምጋም ኣደናጋሪ እዩ። እንተዀነ፡ ዳርጋ ኣብ ኵለን ዛንታታት፡ ደራሲ፡ ንስነ-ልቦናዊ ግርጭት ከም ቀንዲ ኣገባብ ትረኻ ገይሩ ብምጥቃም፡ ነዘን ዛንታታት ተኣመንቲ ጠባያት ሃኒጹለን ይርከብ። ነዚ ኣገባብ ትረኻ ምምራጹ ምኽንያታዊ ዝገብሮ ድማ፡ ትዅረት ዘልዓሎም ዛዕባታት ብምዃኑ፡ ዝበቕዖም ኣገባብ እዩ። “ውርሻ”፡ “ዛህራ”፡ “እቲ ካልእ ዜጋ”ን “ዝውሕጥ ታኼላ”ን ዝብላ ዛንታታት፡ ሓደ ካብ ዘመናዊ ኣገባባት ትረኻ ዝዀነ ኢን ሜድያ ረስ (ብቐጥታ ኣብ ማእከል ዛንታ ምጅማር) ተጠቒመን ብምጅማር ንድሕሪትን ቅድሚትን እናበላ ዝዝንተዋ እየን። እዚ ኣገባብ ብቕልጡፍ ትዅረት ኣንባቢ ብምሓዝ ንዝቕጽል ጕዕዞ ከም ዝሳለ ዝገብር ብምዃኑ ብዝግባእ ኣብ ጥቅሚ ውዒሉ ኣሎ። ካብ ጃምላዊ መደምደምታ ሓራ ንምውጻ ግን፡ ኣብ ሰለስተ ካብ’ተን ሓጸርቲ ዛንታታት – “ዛህራ”፡ “ዘይተ መሸላ”ን “ርብዒት ጣፍ”ን– ብምትኳር ኣዝዩ ሓጺር ገምጋም ከቕርብ እየ። ዛህራ ቀንዲ ጠባይ ናይታ “ዛህራ” ዝኣርእስታ ሓጻር ዛንታ ኰይና፡ ካብ ቤታ ናብ ኣብ ውሽጢ ከተማ መልበርን ኣውስትራልያ ዝርከብ ካልእ ቦታ ብባቡር እናተጓዕዘት ንዘጋጥማን ዝስመዓን እትትርኽ ዛንታ እያ። ንዛህራ ዘጋጥሙዋ ውሑዳት ፍጻሜታት’ኳ እንተዀኑ፡ ጽኑሕ ተመኵሮኣን ክዉንነት ስደተኛን ተደማሚሮም ግን፡ ኣብ ኣእምሮኣ ብዙሓት ነገራት ይፍጸሙ። ዛህራ፡ ጸላም ጥራይ ዘይኰነት፡ ሕጃብ እተዘውትር ኣብ ትምህርታ ዕውቲ ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ እያ። ሕብሪ ቈርበት፡ ሃይማኖትን ጾታን ኣብዚ ምዕቡል ዝበሃል ምዕራባዊ ዓለም፡ እቶም ቀንዲ ጠንቂ ኣድልዎ እዮም። ዛህራ ድማ፡ ሓደ ጥራሕ ከይከውን ንሰለስተኦም ተሰኪማ’ያ ኣብ ህዝባዊ ቦታ እትርከብ እሞ፡ ነቲ ዝፈጥረላ ጸቕጢ ሳእና ወዲኻ ክትፍትኖ ዘድፍር ሓሞት ዝርከብ ኣይመስለንን። ንዝውርወረላ ዘየዕርፍ ጠመተ፡ ቈላሕታ ከሊኣ፣ ንምስታፋን ንምሽሓጣን መሲሉ ዝብገስ ዕላል፡ ብርግኣት መልሲ ሂባ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊኣ ብዝፍጸም ኣካላዊ ጐነጽ ንዝስመዓ ሕርቃን ውሒጣ፡ ኣእምሮኣ ናብቲ ዝዓለመቶ መዓልቦ ገይራ’ያ ትጓዓዝ። ጕዕዞ ዛህራ፡ ስንቂ ከይሓዝካ ዝተጀመረ ዘይኰነስ፡ ምስ ዓመታት ዝወሰደ ምድላዋት’ዩ ዝጅምር። ምብልሓት’ውን ተወሲኹዎ፡ ዘድብየሉ ነቓዕ ኣለልዩ’ዩ ዝፍጸም። እዚ ጕዕዞ፡ ጕዕዞ ዛህራ ጥራሕ’ዩ ኢልካ ኣቕሊልካ ዝረአ ኣይኰነን። ዛህራ፡ ተምሳሌት ዝዀነ ስደተኛ ኰይና፡ እዚ ናይ ሒደት ደቓይቕ ጕዕዞኣ ድማ፡ ዝዀነ ስደተኛ ናብ ዓወት ገጹ ኣብ ዝምርሸሉ እዋን ዘጓንፉዎ ብድሆታት ክውክል ይኽእል። ብልሓት ዛህራ፡ ኣብ መወዳእታ ንሰማዕታ ምስ ሓበረት ዝፍጠር ጓል መንገዲ ዘረባ ድማ፡ ጕዕዞ ስደተኛ ዘይውዳእን ወትሩ ቀጻሊ ምዃኑን ከመልክት ይኽእል። ደራሲ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ትረኻ ውልቀ-ዝርርብ (ሞኖሎግ) ዝዓብለሎ ብምዃኑ፡ ናብ ፍኑው-ዋሕዚ-ሓሳባት (ስትሪም ኦፍ ኮንሸስነስ) ዝቀራረብ እዩ። ኣብዚ ልጓም ደራሲ ዘዝሃሞም ስምዒታት፡ ምስልሳላት፡ ጦብላሕታታት፡ ከምኡ’ውን ተግባራትን መልሰ-ተግባራትን ክህልዉ ምኸኣሉ ኢልካ ክግመት ይከኣል። ብፍላይ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ተመሳሳሊት ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሶማላዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ጕዕዞ ባቡር ዘጋጠመ ኣካላዊ ጐነጽ ኣብ ማዕከናት ዜና ምስ ሰማዕካ፡ እዚ ደራሲ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ትራኻ ልጓሙ ቍሩብ ፍትሕ እንተ ዝብል ነይሩ’ስ… ዘብል እዩ። እዚ ማለት ግን፡ እታ ዛንታ ከይበሰለት ወጺኣ ከስምዕ ይብሉን። ከም ዘላቶ፡ ምስ ዛህራ ከም እንደናገጽን ዝስመዓ ከም ዝስመዓና ኰይናን እነንብቦ ተመኵሮ ብዘይ ጥርጥር እትልግስ እያ። “ዘይተ መሸላ”፡ ኣብ ሰራዊት ዝርከብ ፍትዊ ናብ ብዓልቲ ቤቱ ዮዲት ብዝጽሕፈላ ደብዳበ እትትረኽ ዛንታ እያ። ፍትዊ፡ ካብ ስድራኡ ካብ ዝፍለ ነዊሕ’ኳ እንተ ገበረ፡ ዕረፍቲ ተፈቒዱዎ ስድራኡ ንምብጻሕ ግን ድፍረት ይስእን፣ ምኽንያቱ፡ መእተዊ ገዛ ዝኸውን ነገር ሒዙ ክኸይድ ዘይክእል ብምዃኑ’ዩ እቲ ጸገም። ብምትሕብባር ኣዕሩኹ ንዝተረኽቦ ቍሩብ-ቍራቦ’ውን እንተዀነ፡ ኣብ ዝደልዮ ከይበጸሐ ይስእኖ። ስለዚ’ዩ ደብድቤ ናብ ብዓልቲ ቤቱ ዝጽሕፍ። እቲ ስምዒት፡ ንብዙሓት ብኣገልግሎት ዝሓለፉ ኤርትራውያን ዝምልከት እዩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣብ ስደት’ውን ብሰንኪ “እንታይ ሰዲደ እፈልጥ ኰይነ’የ፡ ስልኪ ደዊለ ሰላም ዝብል ስድራይ፡” ብዝብል ስምዒት፡ ደሃይ ካብ ምግባር ንዝቝጠብ ብዙሕ ሰብ ይምልከት። ምስ እዚኣ ብተመሳሳሊ፡ “ርብዒት ጣፍ”፡ ኣደይ ለታይ ኣብ ክልተ ናይ ነዊሕ ግዜ ፍልልይ ዘለዎም ኣጋጣሚታት ርብዒት ጣፍ ሒዛ ንኣስመራ ክትጓዓዝ እንከላ ዘጓንፉዋ ነጥበ-መቐይሮ ህይወት ዝዀኑ ፍጻሜታት ተዘንቱ። እዛ ዛንታ ዝቐረበቶም ፍጻሜታት ዘጽምሙ ደውል ስቓይ ኰይኖም፡ ንቓንዛ ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ ክፍንጅሩ ተኽእሎ ዝነበሮም ናይ ወትሩ ክውንነታውያን ፍጻሜታት እዮም። ክንደይ ርብዒታት ጣፍ – እሞ ድማ ንዘርኢ ተባሂሉ ዝተዓቀበን ክፈርዮ ዝኽእል ኣብ ግመት ኣእቲኻን – ኣብ ሑጻ ተዘርዮም ብምትራፎም፡ ህዝቢ እንታይ ዓይነት ማህሰይቲን ክሳራን ከም ዝኸሰረ ንምግማቱ ኣየጸግምን። ጣፍ፡ ኣብ’ዚ ከም ተምሳሌት እንተ ወሲዳና፡ እቲ ዓይነት ክሳራ ካብ’ቲ ንቡር ንላዕሊ ምዃኑ ንግንዘብ፣ ካልእይ ግዜ ክፍጸም ክትርኢ እነከለኻ ድማ እቲ ክሳራ ዝተዓጻጸፈ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ ዝፈጥሮ ስቓይ ድማ፡ እብ ልዕሊ ሓደ ውልቀ-ሰብ ጥራሕ ወሪዱ ዘይተፍ ምዃን’ዩ፣ ኣብቲ ዛንታ’ውን ከም ዝረአ፡ ንመላኣ ሕብረተ-ሰብ ዝጸሉን ዝጐድእን እዩ። ኣብ’ዚኤን ክልተ ዛንታታት፡ ደራሲ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ትረኻ ውድዓዊ ከብሉ ይከኣል። ናይ ፍትዊ ደብዳበ፡ ካብ’ቲ ኣብ “ዛህራ” ዝተጠቕመሉ ወልቀ-ዝርርብ ዘይፍለ እዩ። ኵሉ ፍትዊ ዝስመዖን ሰባት ብዛዕባኡ ዝሓስቡዎን፡ ደራሲ ብማዕዶ ኰይኑ ካብ ማህጸን ኣእምሮ ፍትዊ ኣዋሊዱ (ኣሕሪሱ) ጥራሕ እዩ። ኣብ “ርብዒት ጣፍ”፡ ሕልምልም ኣደይ ለታይ ከምኡ’ውን ኣብ ግዜ ጕዕዞኣ ንኣስመራን እተርእዮ ነግፈረግን ዘጋጥማ ዕውለትን ብስእሊ እምበር ብቓላት ዝተነግሩ’ዮም ክትብሎም የጠራጥረካ። እዘን “ሕልፈት” ዝቐረበተን ዓሰርተውክልተ ሓጻርቲ ዛንታታት፡ ቅድሚ ምጅማረን፡ ነፍሲ-ወከፈን ገለ ነግሕታት ግጥሚ ኣሰንዮመን ኣለዉ። እቲ ምምልላእ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስነ-ጽሑፍ ዝምስገንን ነተን ዛንታታት’ውን ዕምቈት ዝህበንን እዩ። ብኣንጻሩ፡ ክውገዱ ዝነበሮም ኣበራት ገለ ንምጥቃስ፡ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ኢን ሜድያ ረስ ኣብ ኣጀማምራ ካልኦት ዛንታታት ብዘይ ምንባሩ፡ ቅልጥፍ ኢሉ ኣትኵሮ ነባቢ ዘይስሕብ ኣጀማምራታት ገለ ዛንታት ንረክብ። ኣብ ብዙሓት ምልሰተ-ድሕሪት’ኳ እንተ ሃለወ፡ ንዛንታ ካብ ሱሩ ንምጅማር ወይ’ውን መግልጺታት ምከና ተጠቒምካ ምኽፋት ወይ ድማ ምስልሳላት ኣዘንታዊ ብምቕዳም ዝጀመራ ዛንታታት፡ ናብ ሕመረት ዛንታ ብቐጥታ ስለ ዘይኣትዋ፡ ሓደ ካብ ድኻም ምዃን ክጥቀስ ይከኣል። ኣብ ምስጋና ዝተወደሰ ስራሕ ኣርትዖት ብግብሪ ዘይምንባሩ ድማ ካልእ ክጥቀስ ዝግባኦ ድኻም እዩ። ካብ ዝዀነ ቅድሚ ሕጂ ብትግርኛ ዝተሓትሙ ብዙሓት ስራሓት ብዘይፍለ፡ ብርክት ዝበሉ ግድፈት ፊደላት ዘለዋ ስራሕ እያ። ብተወሳኺ፡ ቅርጺ መጽሓፍ ሞያዊ ብዘይኰነ ኣከናውና ብምክያዱ፡ ንንባብ ዝርብሹ ዘየድልዩ ሕንጻጻት ዝመልኡዎ ገጻትን ይርከባ። source PEN ERITREA