About the book

አነ ከም ኤርትራውነተይ ሓደ ኤርትራዊ ተቐዲሑ ዘይውዳእ ትእንግርቲ ታሪኽ ስለ ዘለዎ ትርጉም፡ልበወለድ፡ፈጠራዊ ጽሑፍ ንኽጽሕፍ አየመልከዓሉን እዩ ዝብል አተሓሳስባ እዩ ዘሎኒ።እኹን ደአ’ምበር አብ ሽፋን እዛ መጽሓፍ “ቺንዋ አቸብ” ዝብሉ ቃላት ምስ ነበብኩ ካብ ስነጽሑፍ ርሑቅ ምብራቓውያን መሲሉኒ እንታይ ዘሀንጢ ስለ ዝረኸበ እዩ ክትርጎሞ ተሃንጥዩ ዝብል ሕቶ ተቐልቂሉንስ ተሃንጥየ ንኽነቦ ደአ ተሃንጠኹ።
ነአይ አብ ድሕሪ ባይታይ ዝመልሰኒ ድሕሪ ባይታ ተርጓሚ ነቢበ ዝተተርጎመ መጽሓፍ አፍሪቃዊ ስነ ጽሑፍ ምኳኑ ምስ ፈለጥኩ ግና ዕሽነተይ እዩ ጎሊሑለይ።ብዝበለጸ አብ ውሽጢ አትየ ዛንታ ሓደ ኦኮንክዎ ዝበሃል ህርኩትን ሓይያልን ሓረስታይ፡ትጽቢት ዝናብ አፍሪቃዊ ሓረስታይ፡ምቅርራብ ንግደት ድንሽን አዴታት ኡምኡፊያ፡ምቅርራባት ፍሉይ አዘራርአ ድንሽ አብ ኡምፍያ፡ባህልታትን አጸናብሎኦምን አብ አፍሪቃ ክነብብ ምስ ጀመርኩ ግና አብ ግዜ ንእስነተይን ንዓደ’ቦይን ሃጺጸ አነ ንገዛእ ርእሰይ እታ መጽሓፍ ኮይነ አብ’ታ መጽሓፍ ክዋሳእ ዝጀመርኩ።
እወ! ሰነ ማይ ጥብ እንተ ዘይበለት ክንደይ እሻቐል ከም ዝነበርኩ፡ንግደት ዓድቦይ ክቀራረብ እንከሎ አዴታተይ ከመይ ገዛአን እልቕልቃን እስልማን ከም ዝነበራ፡ካብ ኩሉ ግና ከም’ቲ አብ ኡምኡፊያ ድንሽ ንምዝራእ ፍሉይ ምቅርራብ ዝግበረሉ አብ ዓደ’ቦይን ኢለ ዝበሃል ፍሉይ ጣፍን ክዝራእ፡ክጸሀ፡ክዕጸድ፡ክኽየድ እንከሎ ከመይ ጥንቃቐ፡ውሕልነ፡ጽንብል ከም ዘድልዮን ከም ዝግበረሉን አዘኻኺሩ አብ ገርሁታት፡አብ ወቕትታት፡አብ ዓውድታት ወዘተ ዓደ’ቦይ ወሲዱ ደአ ሓሸውየ አበለኒ የቐንየለይ “ወልዳአብ አብርሃ።
ብኸም’ዚ በዛ መጽሓፍ አብ ንእስነተይን አብ ዓደ’ቦይን ተመሊሰ ተዘክሮታተይ ተሓዲሱ ተዘኩሮታተይ እናሓፈንኩ እንከሎ ግና ሓደ ኢከመፋና ዝበሃል ዕሸል መንእሰይ ሕነ ብዝበሃል ድሑር ባህሊ ብዘይፈጸሞን ካልኦት ብዝፈጸምዎን ሓጥያት ብሽም ዕዳ ደምን ካሕሳ ደምን ክሳዱ ብሴፍ ምስ እተቖርጸን ካብ ኩሉ ግና በቲ ከም አቦኡ ዝርእዮን ዘዕበዮን አብ ኡምኡፊያ ብጅግንነቱ ዝፍለጥ ብኦኮንክዎ ምስ እተፈጸመ ዝወረደኒ ስንባደን ዝተሰማዓኒ ሓዘንን አፍሪቃውነተይ አጽሊኡ ነዛ መጽሓፍ ክድርብያ ደአ ድንዕ ድንዕ በልኩ።
እኹን ደአምበር ብዛዓባ’ዚ ነዛ መጽሓፍ ብገጸ ባህርያቱ ወኒኑዋ ዘሎ ኦኮንክዎ መፈጸምታአ ንኽርኢ ትሃንጥየ ምንባበይ ቀጸልኩ’ሞ ሕጂ’ውን ካልእ ዘሀንጢ ዛንታን ነዛ መጽሓፍ ንኽነባ ህልኽ ዘትሓዘኒ ማለት ቅድሚ ጸዓዱ ሕግታትን ጸዓዱ ሰበኻታትን መጺኦም ወልቀ መለኽቲ፡ሚኒስተር፡ፕረዚደንት፡ፖሊስ፡ጀነራል ወዘተ ሚሂዞም ዝሕሙሱና አብ አፍሪቃ ዝኾነ እኹን ሰብ ልዕሊ ሕጊ እንዳባ ክኸውን ከም ዘይክእል ደአ አዘንተወትለይ።ማለተይ እቲ አብ ሙሉእ ኡምኡፊያ ዝተኸብረ ጀግና ኦኮንክዎ ብሓደጋ ሰብ እቕትል’ሞ ከም ሕጊ ዓደ’ባ ኡምኡፊያ ካብ ዓዱ ንሸዋአተ ዓመት ተሰጒጉ አብ እንዳ አዲኡ ክዕቆብ ስለ ዝነበሮ አብ አኮታቱ ደአ ተዓቖበ።አብ’ዚ እየ ድማ ባህልታት አፍሪቃ ክንደይ ከም ዝቀራረብን ውሕሉል ከም ዝኾነ ዝበርሃለይ።ምኽንያቱ አብ ኤርትራ’ውን እንድሕሪ ደአ ሓደ ሰብ ነፍሲ አጥፊኡ አብ አኮታቱ እዩ ክዕቆብ ዘለዎ።
ብህንጡይነት ነዚ ክሳብ ሕጂ ዝበልኩዎ ምስ ነበብኩ አብ ምዕራፍ 16 በጻሕኩ’ሞ ምጽኦታት ዝብል አርእስቲ እዛ መጽሓፍ ደአ ተርደአንን ምስ ቆለይን ምስ ውቃበይን ደአ ተዋሰበት።እወ እዞም ጸዓዱ ሰበኻታት፡ጸዓዱ ፍልስፍናታት፡ጸዓዱ ቅዋማት፡ጸዓዱ አፋውስ፡ጸዓዱ ጠያይቲ፡ጸዓዱ ቦምባታት ወዘተ ምጽኦታት ንጸሊም ፍጡሩን ንጸሊም ባህርን ከም ዝኾኑ ደአ አርጋገጽኩን ፍጻመ እቲ ሓያልን ህርኩትን ኦኮንክዎ ብሰንኪ ጸዓዱ ሰበኻታት ክኸውንን ሓጥያታይ ጸሊም አፍሪቃ ጻዕዳ ሓጥያት ክኸውን ደአ ተዓዘብኩ።
እምበአር አብ’ዚ እየ እዚ ተርጓሚ እዛ መጽሓፍ ነዛ መጽሓፍ ንኽትርጉም እንታይ ከም ዘህንጠዮ መልሲ ዝረኸብኩ።
መሊሰ ተርጎምቲ’ኸ እንታዎት እዮም እብልሞ ዓንተራትን ህልኸኛታትን ነበብቲ ከም ዝኾኑ እዩ ዝበርሃለይ።ዝኾነ እኹን ካልእ ቋንቋ ብቋንቋኻ እናሓሰብካ ስለ እትነቦን እትጽሕፎን እዚ ተርጓሚ እዛ መጽሓፍ “ወልዳአብ’ውን ንቁንቋኡ ክንደይ ከም ዝመልኮን ክንደይ ከም ዘስተማቕሮን እዩ በሪሁለይ አግናዕ።
ነበብቲ ህንጡያት ኮይኖም ዘሀንጠዮም ጽሑፍ ወይ መጽሓፍ አብ ቋንቋኦም ተርጊሞም ንህዝቦም ዝገንዑ ድማ ክንደይ ለጋሳት ንምኳኖም እበርሃለይ’ሞ “ንወልደአብ አብርሃ” ነዚ ልግሲ እዚ ስለ ዘበርከተልና የቐንየልናን አግናዕን እናበልኩ ንነበብቲ ትግርኛ ድማ ነዚ አብ ዝዓአብኻሉን ዝተወልድካሉን ባህሊ አኾብሊሉ ተዘክሮታት ዝገንዓልካ ጽሑፍ ንኽትነብዎ እመክር።
በየነ ሃይለ
ዓዲ ጣልያን
ጦብላሕታተይ ብዛዕባ ``ምጾታት``   መንገሻ ሃብተ
ጸሓፊ፣ ችንዋ ኣቸበ
ዝተጻሕፈትሉ ዓመተ-ምህረት፣ 1958
መበቆላዊ ኣርእስቲ፣ Things fall Apart
ትርጉም፣ መምህር ወልደኣብ ኣብራሃ
ናይ ድሕሪ ትርጉም ኣርእስቲ፣ ምጾታት
መምህር ወልደኣብ ኣብራሃ ሓደ ባህ ዝበለኒ ስራሕ ሰሪሑ’ሎ። ነዛ በቲ ህቡብ ናይጀርያዊ ጸሓፊ ነፍስሄር ቺንዋ እቸበ ብ1958 ዓም ዝተጻሕፈት ኣዝያ ስምይቲ መጽሓፍ ተርጒሙ ንንባብ ብርንቶ ጌሩዋ። ኣቸበ መቸም ኣብ ዘመናዊ ስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ ዛጊት መዳርግቲ ዘይተረኽቦ ናይ ኩሉ ግዜ ኣርሓ ብርዒ ኣፍሪቃ`ዩ። እዛ መምህር ወልደኣብ መሪጹ ተርጒሙዋ ዘሎ መጽሓፍ ከኣ`ሞ እታ ቀንዲ ንስም ኣቸበ ሰማየ ሰማይ  ከም ዝዓርግ ዝገበረት ኣዝያ ኣባራባሪት መጽሓፍ`ያ። ሜላ ኣተራጓጉማ  መምህር ወልደኣብ  ኣብ ክንዲ ቃል ንቓሉ እናለቐምካ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ምቕያር፣ ብዘእምን ኣገባብን ቃናን  ጌርካ መልእኽቲ ከየጥፋእካን ብጥንቃቐ ሓሳባት ናይ ምርዓም ኣገባብ ዝተኸተለ`ዩ። ነቲ ዝመረጾ ሜላ መምህር ወልደኣብ ብልክዕ ተዋጺእዎ`ዩ። ንዓይ ልዕሊ መጠን አዕጊቡኒ። ቀዳማይ ነገር ነታ ኣብ ኣዝዮም ብዙሓት ቋንቋታት  ዝተተርጐመት`ሞ ኣብ ብዙሓት ኣብያተ-ትምህርቲ ዓለምና ከም መወከሲት እትውሰድ ኣዝያ ህብብቲ መጽሓፍ ‘’እዚኣስ አሕዋተይ`ውን ከንብቡዋ ኣለዎም`` ኢሉ ምውፋዩ ኣገናዕ ዘብል`ዩ። ልክዕ ከም`ዚ ጥዑም መግቢ ድሕሪ ምብላዕካ ‘’እዚኣስ ንፈታዊኻ`` ኢልካ ሰናይ ትምኒትካ ትገልጸሉ ሰናይ ተበግሶ ኣብ`ዛ መጽሓፍ ርእየ። በዚ ድማ  ነዛ መጽሓፍ ብመልሓስ መምህር ወልደኣብ ጌርና ንኸነስተማቕራ ዕድል ረኺብና ኣለና። በሊዑን ንኣቸበ ኣመስጊኑን ጥራይ ኣብ ክንዲ ምኻድ ``ንኣሕዋተይ ከ?’’ ምባሉን እንኩመ ብመልሓሰይ ጌርኩም ጥዓሙዋ ምባሉን መግለጺ ለውሃቱ`ዩ እሞ የቐንየልና እብሎ ኣለኹ።
ኣብ`ዛ መጽሓፍ ሓደ ኩላትና  ንፈልጦ ኰይኑ ዝስመዓናን ጸጸኒሑ ቅጅል ቅጅል ዝብለናን  ``ኦኮንኩዎ`` ዝተባህለ  ኣገዳሲ ገጸ-ባህሪ ኣሎ። ኦኮንክዎ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ናይ`ቲ ዛንታ ዓብላሊ ግደ`ዩ ዘለዎ።  ንሱ፣ ኣብ`ቲ እዚ ዛንታ ተቐሚጥሉ ዘሎ  `ኦሞፉያ` ዝተባህለ ከባቢ ኣዝዩ ጸላዊ ሰብ`ዩ። ወላዲኡ ሓደ ስራሕ ዘይፈቱን ኣብ`ቲ ዓዲ ድማ ኣዝዩ ሃሳስ ስም ዝነበሮን ዓዃይ`ዩ። ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻስ `ትሕቲ መዛንኡ` ወይ`ውን ካብ መማረቕስ ናብ መራገሚ ዝዘጥጥ ስም ዝነበሮ ልምሉም ሰብ`ዩ። ድኻም ወላዲኡ ግና ንኦኮንክዎ ኣየስነፎን። ብኣንጻሩ ደኣ ስሙን ስም ኣቦኡን ክልውጥ ካብ ምድላይ ናብ ሓርኰትኰት ኣእተዎ። ሳላ ጻዕሩን ዘይተጉላባነቱን  ድማ ዘይከም`ቲ ድኹም ወላዲኡ፣ ካብ ባዶ ተበጊሱ በዓል ጸጋ ክኸውን በቕዐ። ሃብታም ብዓዲ፣ ሃብታም ብባሕሪ። ኪኖ`ዚ ብምኻድ`ውን ካብ`ቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ዓበይቲ ዓድን ክቡራትን ክኸውን በቕዐ። መራሕ ኲናት፣ ኣባል ሽማግለ ዓዲ፣ ሃብታም ዝብላ ቅጽላት ብሓንሳብ ለገበኦ።
ምስ ምምጻእ ኤውሮጳውያንን ትምህርቲ ክርስትናን ግና ዝና ኦኮንክዎን ሓፈሻዊ ያታዊ ማሕበራዊ ስርርዕ ሕብረተ-ሰብ `ኦሞፉያ` ቶኽላ ከም ዝኣተወን ኣባጊዕ  ኣብ ሓጺር እዋን ብትንትን በለ። በቶም ምጻእተኛታት፣ ኣምላኽ ኣቦታቶም ተቖናጸበ። መግለጺታትን ምልክታትን  ቅድስናኦም`ውን እምብዛ ተራኸሰ። እቶም ኣብ`ቲ ዓዲ ንዑቛት፣ ዘይስሙያት፣ ጊላታት፣ ድኻታት፣ ዘይሰብ መሬትን ካልእ ጸጋታትን ኰይኖም ንዓመታት ዝነበሩ ጽቑጣት ኣካላት ፣ ምስ`ቶም መምህራን ክርስትና ኰይኖም ኣንጻር`ቲ ሕብረተ-ሰብ ተሰለፉ።  ዝተለምደ ቅርጺ ፒራሚድ ስርርዕ ሕብረተ-ሰብ ዓነውነው በለ`ሞ ኦኮንክዎን መሰልቱን ግና  እምቢታ ከርእዩ ጀመሩ። ዋጋኡ ግና ቀሊል ኣይነበረን። እቲ ኣብያ፣ ክሳብ ህይወት ናይ ኣዝዮም ኣገደስቲ ደቂ ዓዲ ወሰደ።
እቲ ዛንታ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ኣተሓሳስባታት ዝፍጠር ግርጭት`ዩ ዘርኢ። `ክርስትናን ኤውሮዓዊ ልዕልናን ተቐበሉ` በቲ ሓደ፣ በቲ ካልእ ድማ `ኣብ ዓድና ኢና ዘለና፣ ናይ ገዛእ-ርእስና ኣምላኽን ኣገባብ ኣመላልኻን ኣለና። ደቀባት ኢና።’ ዝብል`ዩ። እቲ ቁርቁስ ኣብ`ቲ ዛንታ ኣሎ። ዘንጠልጥል፣ ዘጉሂ፣ ዘስቈርቁር ገጻት ዘለዎ ዛንታ ድማ`ዩ።
ቅድሚ ነዛ መጽሓፍ ምንባበይ ` ኣሕቢሩ ዝገልጸናን ሓደ ዓይነትን ኣፍሪቃዊ ባህሊን ስነ-ኣእምሮን ዝበሃልሲ ኣሎ ዶ?’’ ዝብል ሕቶ ይመላለሰኒ ኔሩ`ዩ። እዛ መጽሓፍ ``እወ ኣሎ`` ኣቢላትኒ። ምኽንያቱ ኣብ`ዛ መጽሓፍ እቲ ኩሉ ኣብ ዓድና ዘሎ ማሪታዊ እምነታትን መሰልቱን ልክዕ ብልክዕ ኮፍ ኢሉ ኣሎ። ደቂ ሕድርትና፣ ወቕዒ፣ ሰይጣን በዓቲ፣ ጋኔን፣ ቡዳ፣ ዛንታ`ቲ ቅዱስ ገበልን ካልእን ብህየቶም ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። ንኣሞታትና፣ ሓትኖታትና፣ እኖሓጎታትና፣ ኣብሻታትና ዝመስላ ገጸ-ባህሪ ኣብ`ዛ መጽሓፍ ምልእ ኢለን ኣለዋ። ኣብ ርእሲ`ዚ እቶም `ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሳእኒ በሊ` ፣ `ሃቡኒ ህበይ ይገብር` ዝብሉን ካልኦት ምስላታትናን ቃላት ጥራይ ብቕያር ኮፍ ኢሎም ኢሎም ኢኻ ትረኽቦም።  `ኦሞፍያ ድየ ዘለኹ ወይስ ተኾምብያ`` እናበልካ ኢኻ ትግረም።
እሞ ደጊመ አመስግነካ ኣለኹ መምህር ወልደኣብ። ኣብ`ዛ ስራሕ ብቑዕ ኣምበሳደር ናይ ኣንበብቲ ቋንቋ ትግርኛ ኰንካ ጸኒሕካኒ። ከም`ቲ ቻይናውያን ንሓደ መርፍእ`ውን ትኸውን ዝመሃዘ  ወዲ ሃገሮም ``ንስኻ ፍሉይ ተውህቦ ኣለካ፣ ከይተቋርጽ። ቀጽል`` እናበሉ ዘትብዕዎ ንስኻ ድማ ክትተባባዕ ይግባኣካ። ንስኻ  ደቃቕ መርፍእ ኣይኰንካን ሰሪሕካ፣ ንሕብረተ-ሰብና ኣዝያ እተገድስ፣ መቋሕቋሕታ እትህብ ኣማእዛኒት መጽሓፍ ኢኻ ኣበርኪትካልና። ሓደራ ከይተቋርጽ።
ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ናይ ታይፒንግ ጌጋታት ኣለዋ። ግና ተጸወርቲ`ዮም። እቲ ምንጥልጣል ስለ ዝዓቢ፣ ነቲ ሓደ ሓደ ናይ ስዋስው ጌጋታት ኣየቕለብኩሉን። ከንብብ ከለኹ`ውን ኣይዓርዓረንን።
መዘኻኸሪ፣
ኣብ`ዛ መጽሓፍ ስነ-ጽሑፋዊ ገምጋም ኣይኰንኩን ጌረ። ኣንቢበ ድሕሪ ምውደአይ ንዝተሰማዓኒ ግሩህ ርእይቶ`የ ዝህብ ዘለኹ።