About the book

መጽሓፍ ሰብ-ሰሉስ ካብ ቋንቋ እንግሊዝ ናብ ትግርኛ እተተርጎመት ኮይና ብዛዕባ ሓደ ብኽቢድ ሕማም ግዜ ሞቱ ዝቐረበ ፕሮፌሰር ምስ ናይ ቀደም ተመሃራዩ ዝገብሮ ዕላል እተዘንቱ እያ። ሰብ-ሰሉስ ኣብ ህይወትና ንጹር መብርሂታት ክህልዉና ብዛዕባ ንደልዮም ዛዕባታት ማለት- ነብሰ ድንጋጸ፡ እርጋን፡ጣዕሳ፡ስድራ፡ገንዘብ፡ፍቕሪን ይቅረ ምብህሃልን ትድህስስ። መንእሰያት ክንገብር ዘይንኽእለሉ እዋን ቅድሚ ምርካቡ ክንገብሮ ብዛዕባ ዝግባኣና ከሙኡውን ብዕድመ ዝዓበና በታ ተሪፋትና ዘላ ግዜ ብኸመይ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ክንመርሕ ከምንኽእል እናዛነየት ተረዳኣናን ተተባብዓናን መጽሓፍ እያ። ብዝሒ ገጽ  185 ዓቐን መጽሓፍ 11 ሰ.ሜ. ብ 16 ሰ.ሜ. ተርጓሚ ጋዜጠኛን ናይ ሕጊ ሙሁርን  ሞጎስ ዑቕባሚካኤል ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ ጸሓፋይ እዩ።