About the book

ብናጽነት ዝተገርሐ ግሩህ ሓሳባት ነቲ ብዘልማድ እንኸዶ ጕዕዞ ህይወት ብዓይኒ ብዓይኒ ሕቶ ኽንርእዮ የኽእለና’ዩ። እቲ እንነብሮ ናብራ፡ እቲእንሓስቦ ሓሳብን እቲ ብገዛእ ልሳንና እነውክኦ ቓላትን፡ ብዘይርድኣና ስርዓት ተመስሪሑ ዝሰረጸና ኽነሱ ናትና ዀይኑ ይስምዓና። ባሮት ከሎና ጐይቶት ገዛእ-ርእስና ምዃንና ንኣምን። ተጣበቕቲ ዝወረስናዮ ስርዓታት ከኣ ንኸውን። ርእዮተ-ዓለምና ብገዛእ መርኣይና ዘይተሃንጸ ኽነሱ፡ ህይወትና ኽንብጅወሉ እኳ ድሕር ኣይንብልን። እቲ ናጽነት ዝመስለና ዘይናጽነት፡ ንናጽነት ካልኦት ደቂ-ሰብ እናደረተ እኳ ኣይነስተብህለሉን። ኣብዚ መጽሓፍ ሓደ ‘ጽሉል’ ኣሎ። እንተዀነ፡ ጽላለኡ ዝስቈሮ’ዩ እሞ ጽን ኢልና ኽንሰምዖ፡ ህድእ ኢልና ኽንስዕቦ ዘድሊ ዀይኑ ይስምዓኒ። እንተ ወሓደስ ምስ ነብስና ኸላዝበና ይኽእል’ዩ። ካልእ ይትረፍሲ ሓተትቲ ኽንከውን የኽእለና ይኸውን። ባህልና፡ ስርዓተ-ትምህርትና፡ ፖለቲካና፡ ሃይማኖትናን ካልእ ማልእናን ብንቕሓተ-ኣእምሮ ኽንምልከቶን ናብ ብራኸ ገጽና ኽንድይብን ጻውዒት ዘቕርብ ዘሎ ‘ጽሉል’ እዩ። ምስኡ ሒዙካ ዝዕዘር ወለላ ዘረባ፡ ሓንቢስካ ዘይትጸግቦ ባሕሪ ሓሳባት፡ ወትሩ ኽትምልሶ እትህቅን ግና ኸኣ መወዳእታ ዘይብሉ ጐርጓርን ኣዒንቲ ዝኸፍትን ሕቶታት ይርከብ። ክንስዕቦ ኸኣ መኽሰብ እምበር ቅንጣብ ክሳራ የብሉን።ብዓቕመይ፡ ነቲ ቛንቋን ኣሰንይዎ ዘሎ ጥበብ ኣዘናትዋን ንሓይሊ ቛንቋ ትግርኛ ዘርኣየ፡ እንተ ሰሪሕና ኻልእ ዘይተበጽሐ ተኽእሎታት ኣጸሓሕፋን ጥበብን ቋንቋ ገዛእ-ርእስና ኸም ዘሎና ዘርእይ መጽሓፍ ምዃኑ ኽምስክር እደሊ። ጥቕሲ ኻልኦት ደቂ ዓለም ዘይኰነስ ጥቕሲ ደቂ ሃገረይ ጸሓፍቲ ኽለቅም ንዘኽኣለኒ ደራሲ ብርሃነ ገብረህይወት ከም ቀደሙ ሕናነኡ ዓቂቡ ኽቕጽል ምስናይ ምስጋና ኽላበዎ እደሊ። ኣብ መድረኽ መተግበርያ ምብህሃል፡ ብናጽነት እሂን ምሂን ክንበሃለላ ኸኣ ንኣንበብቲ ምሕጽንታይ አቕርብ። *** ከዋኒ ኣብርሃም
  •     *     *
ቅድመ-ዛንታ
ብወዝቢ ኸም ዝተራኸብናን ዝተላለናን እዝክሮ። ንኣእምሮይ ተቘጻጺሩ ነዊሕ ግዜ ሒዙኒ። ካብ ኣዕሩኸይ፡ ካብ ስድራ-ቤተይ፡ ካብ ፈተውተይ፡ ካብ ሕብረተ-ሰበይ ንነዊሕ እዋን ፈልዩኒ። ኣብ ድቃሰይ ይኹን ማሕበራዊ ርክባተይ ረቢሹኒ። ምስኡ ዝተገራጨኹሉ ውሑድ ዘይኰነ እዋናት ሓሊፉ። ብሰንኩ ምስ ሰብን ሕብረተ-ሰብን እናተገራጨኹ ነዊሕ ተጓዒዘ። ሒዙኒ ይሽፍት፡ ፈንጺገዮ  ኻብ ዓለመ ሽፍትነቱ እሃድም። ተመሊሰ ባዕለይ እኸዶ። ምርብ’ራብ ዝዓብለሎ ግዜ ኣሕሊፍና። ሓንሳእ ባእስና፣ ሓንሳእ ድማ ፍቕርና ንቕጽል። ገድሊ ኽልተ ዓለም፡ ረጽሚ ፍጹምነትን ክውንነትን ንሓጺር ዘይበሃል ግዜ ብሓባር ተኻፊልናዮ።
ከይተሓጓጐስናን ከይተጐሃሃናን ከኣ እንሆ ሓደ ዛንታ ፈጢርና። ዛንታ እቲ ብዓል-ዛንታን ኣዘናትዋኡን።
‘ካብ ሰብ ዝደሊ ኸም ሳእኒ ይበልይ፡’ እንከይበለ፡ ከም ዝጥዕሞን ኣብ ዝጥዕሞን እናተዓጻጸፈ፡ ዛንታኡን ትምኒቱን ከጽሕፈኒ በቒዑስ ተዓዊቱ። ዛንታኡ፡ ብተልመዴን ጸሓፊ ተጻሒፉ፡ ብማሕተም ኣቢሉ ከም መጽሓፍ ምስ ኣፍቀርቲ ንባብ ክራኸብ ክኢሉ ኣሎ። ኣበየናይ ምድብ ስነ-ጽሑፍ ይምደብ ንኽኢላታት ዓውዲ ስነ-ጽሑፍ ይግደፍ።
እቲ ከም ብዓል-ዛንታ፡ ኣዘንታዊ፣ ከም ዓርኪ፡ ቀራቢ፣
ከም በጻሒ፡ ተደናጋጺ፣ ከም ኣዛዚ፡ ኣገዳዲ፣ ከም ብዓል ዋኒን፡ ተቘጻጻሪ ብምዃን ኣብ ኵሉ ዘየጸመወኒ፡ ሎሚ ንብዙሓት ኣይከጸምውን እየ ብምባል፡ ኣቃይሑ ወይ
ኣጻዕድዩ፡ ምሳይ ተባቲኹ፡ ዓርከ-መሓዛ ኸብዝሕ መሪጹ ኣሎ። ከዕልለኒ ዝመጽእ ኣይመስለንን። ብዝኸዶ ሰናይ ከሰንዮ እምነየሉ። ድሕሪ ሎሚ፡ ክእዝዘኒ፡ ከገድደኒ፡ ክካትዓኒ፡ ድቃስ ክኸልኣኒ እዩ ዝብል ስግኣት የብለይን። ሓርነተይ እእውጅ ኣለኹ። ደጊም፡ ብፍቕሩ ይኹን ብህልኹ ድቃስ ዝስእን ኣይመስለንን። ብዛዕባኡ ምሕሳብ ብወግዒ ኣቋሪጸዮ ኣለኹ።
ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ወላ ኣይኹን፡ ዛንታኡ፡ እምነቱ፡ ኣረኣእያኡን ርድኢቱን፡ ተጻሒፉን ተጻፊፉን ተዛዚሙስ ንማሕተም በቒዑ። ርክብና ኸኣ በዚ ሎሚ ዕለት ኣብቂዑ ኣሎ። ምሳይ ዘሕለፎ ህይወትን ዛንታኡን ብመልክዕ መጽሓፍ ሒዙ ካባይ ተፋንዩ ኣሎ። እንሆ ቅኒት ሕልና ኣብ ዝብል ጤሳ፡ ጐጆኡ ፈልዩን ሓዳሩ ወጺኡን። ብኣፉ ዝምልኦ ኣይስኣንን ይኸውን። ካብ መጽሓፍ ወጻኢ፡ ኣብ ህይወት ጐፍ ክብል ዘይክእለሉ ምኽንያት የልቦን። ክግገ ኸም ዘይክእል እምነት ኣሎኒ።
ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘሎ ብዓል-ዛንታ፡ ኣብ ጐደና ህይወት ዓንዘር ክብል ስለ ዝውዕል፡ ሰላምታ ኸይንፈጎ ሓደራ እብል፡፡