About the book

ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ ብጀራልድ ሀርበርት ፖርታል ትርጉም ብ ነጋሽ ኣስፍሃ መእተዊ መጽሓፍ ”ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ”: ሰለስተ ዓመት ድሕሪ እቲ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበረን ግዝኣት ሕጋዊ ንምግባሩ ኣብ በርሊን (15.11.1884 - 26.2.1885) ዘካየደኦ ኣኼባ ተጻሕፈት። ኣብ ኣኼባ በርሊን:እተን ኤውሮጳውያን ሃገራት ይግባኣኒ ኢዩ ዝብላኦ ግዝኣታት ኣፍሪቃ: ብሰራዊት:ልኡኻት ወንጌል ብምስዳድ: ብነጋዶ ክቆጻጸርኦ ወሰና።ብዘይካዚ ኣብተን ግዝኣታት መንገዲ ባቡር: ዕርድታትን ህንጻታትን ክተኽላ ተሰማምዓ። ኣብቲ እዋን እቲ ደራሲ ሀርበርት ፖርታል ነቲ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ንጉስ የውሃንስን ዘሰሓሕብ ዝነበረ ግዝኣታት ናይ ሎሚ ኤርትራ ንምፍታሕ ካብ ንግስቲ ቪክቶሪያ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ተላእከ። ኢጣልያ ድሮ ሰራዊታን ኣጽዋራን ኣብ ምጽዋዕ ኣራጊፋ: ናብ ከበሳታት ኤርትራ ትመጣጠር ነበረት። ብምዕራብ ድማ ሓይልታት ማህዲ ግዝኣቶምን ሃይማኖት ምስልምና ንምስፍሕፋሕን ደም ደም ዝሸትሉ ጊዘ ነበረ። ንጉስ የውሃንስ ብምብራቕ ብኢጣልያውያን: ብምዕራብ ብማህዳውያን ተቐርቂሩ ከይኣክል ኣብ ውሽጢ እውን እቶም መሳፍንቲ ዘቕስንዎ ኣይነበሩን። ስለዚ እምበኣር እንግሊዝ በቲ ሓደ ወገን ግዝኣት ኢጣልያ ዝረግኣሉ ባይታ ንምጥጣሕ: በቲ ሓደ ድማ ንጉስ የውሃንስ ነቶም ኣብ ሱዳን ብማህዳውያን ተኸቢቦም ዝነበሩ ወተሃደራታ ንምጽዋዕ ብሰላም ስለ ዘእተዎም ሞሳኡ ንምኽፋል ኣበርቲዓ ተንቀሳቐሰት። ፖርታል ነቲ ዝተዋህቦ ገዚፍ ተልእኾ ሽምግልና ንምፍጻም: ካብ ምጽዋዕ ብእግርን መጽዓኛን ንደብረ ታቦር በጺሑ ምስ ንጉስ የውሃንስ ተራኺቡ። ኣብቲ ኣጻድፍን ጎላጉልን ዘጋጠሞ ጽምኢን ድኻምን ብስእላዊ መልክዕ ሰኒዱ ኣቕሪብዎ። ንሱ ባህርያዊ ተጻብኦታት ጥራይ ዘይኮነ: ነቲ ብራእስታት ዘጋጥሞ ዝነበረ ዕንቅፋታት ማዕረ ሂወቱ ንምጥፋእ ዝተኣልመ ውዲት ብጥበብን ብጽንዓትን ሰጊርዎ። ሀርበርት ፖርታል ንባህልን ልምድን ኣቢሲንያ: ንትብዓት: ጭካነ: ክፍኣትን ቅንእን ገዛእቲ ብዓይኑ ካብ ዝረኣዮን ብእዝኑ ካብ ዝሰምዖን ኣስፊሩ። ደራሲ ናይዛ መጽሓፍ: ነቲ ኣብ መንጎ ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ዝነበረ ህልኽን ምውድዳርን በቲ ሓደ: በቲ ሓደ ድማ ገላዩ ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ዝነበሮምቦታን ኣተሓሕዛን መብርሂ ሂቡ። ሀርበርት ፖርታል በቲ ብሸፋቱን ብኣራዊትን እተጎብአ ዱር ክስንጥቕ ከሎ: መንፈሱ ኣርጊኡ ንባህርያዊ ትዕድልቲ እቲ ከባቢ: ሩባ: ገረብ: እንስሳ ዘገዳምን ኣዕዋፍን ዘሕደረሉ ስምዒት ላዛ ብዝመልኦ ኣገባብ ምቕራቡ: ንጽሑፉ ተነባቢ ኣብ ምግባር ብሉጽ ስርሓት ኣበርኪቱ። እዛ ”ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ” ዘርእስታ መጽሓፍ: መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ብወግዒ ቅድሚ ምእዋጁ ንዝነበረ ፖለቲካዊ:ቁጠባዊ:ማሕበራውን ባህላውን ኩነታት ስለ እትገልጽ: ንታሪኻዊ ኣመዓባብላ ሃገርነት ኤርትራን ዝምድናኣ ምስ ኢትዮጵያን መሰረት ከጨብጥ ዝኽእል ሓያሎይ ኣገደስቲ ነጥብታት ሒዛ ኣላ።