About the book

ምዕራፍ -1 ድሕረ-ባይታ ብላታ ካሕሳይ ማሉ 9 ምዕራፍ - 1 ድሕረ-ባይታ ብላታ ካሕሳይ ማሉ ብላታ ካሕሳይ፡ ካብ ኣቦኦም ከንቲባ ማሉ ገብራትን ኣዲኦም ወይዘሮ ለተሃይማኖት መርሃይን ብ1899 ኣብ ዓዶም ደቂጽንዓይ ተወልዱ። ክሳዕ ዝዓብዩ ድማ፡ ከም ኵሉ ቈልዓ ገጠር፡ ብወለዶም እናተኣልዩ ዓበዩ። ዕዅኽ ምስ በሉ ከኣ፡ ስራሕ ጉስነት ጥሪት እናተለማመዱ ምስኡ’ውን ባህላዊ ትምህርቲ እናወሰዱ መዓርግ ድያቆን ከም ዝለበሱ ይንገር። ወዲ ንበይኖም ኮይኖም፡ ሓሙሽተ ኣሓት ጥራሕ ነበሮኦም። ንሳተን ድማ ኣስገዱ፡ ለተብርሃን፡ ብርኽቲ፡ ሃንሱን ሙሴን ይበሃላ። ወለዶ ብላታ ካሕሳይ ከንቲባ ማሉ - ደቂጽንዓይ እምኖይ ፍረሓንስ ምሕጹን ተኽላይ -ጎባይ ምሕጹን -ተወልደ ተኽልየስ - ሹም ዓንደጽዮን - ሹም ደሓን) ተኽሊት -ዑቕቢት ሓይሎም ምዕራፍ -1 ድሕረ-ባይታ ብላታ ካሕሳይ ማሉ 10 ጋይም ሰመረ - ሃብተጽዮን - ኣስራት ገብራት -ግደ - ወልዲት ከንቲባ ማሉ ብላታ ካሕሳይ ኣብርሀት፡ ሰለሙን፡ ኤፍረም፡ ሓረጉ፡ ኣማኑኤል፡ ዮሴፍ፡ ሮማን፡ ጽገወይኒ፡ ኣብርሃም፡ ኣርኣያ፡ ብላታ ካሕሳይ፡ ኣብ ሸዊት ዕድሚኦም ናብ ጸዓዘጋ ትምህርቲ ንኪምሃሩ ምስ ከዱ፡ ኣብኡ ዓብዮም፣ ምስኦም ትመሃር ንዝነበረት፡ ወይዘሪት ትበርህ ኣብርሃ እተባህለት ጓል ጸዓዘጋ ብ1917 ተመርዕዮም፡ ሓዳር መስረቱ። ብላታ ካሕሳይ ማሉን ወይዘሮ ትበርህ ኣብርሃን ሰሲኖም፡ ዓሰርተ ሓደ ደቂ ወለዱ። ንሳቶም ድማ ሸውዓተ ኣወዳትን ኣርባዕተ ኣዋልድን እዮም። ኣስማቶም ብተራ ዝተወልዱሉ እዚ ዚስዕብ እዩ። 1. ኣብርሀት 7. ዮሴፍ ምዕራፍ -1 ድሕረ-ባይታ ብላታ ካሕሳይ ማሉ 11 2. ሰለሙን 8. ሮማ 3. ኤፍረም 9. ጽገወይኒ 4. ሓረጉ 10. ኣብርሃም 5. ኣማኑኤል* 11. ኣርኣያ 6. ኣማኑኤል *እዚ ብኸኒሻ ዝተጠምቀ ብዕሸሉ ዝሞተ፡ ነቲ ቐጺሉ ዝተወልደ ወዲ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኺጥመቕ ከሎ፡ እታ ናይ መዋቲ ሓዉ ሽም እንደገና ተዋሂባቶ። ኣብርሀት ሰለሙን ኤፍረም ሓረጉ ምዕራፍ -1 ድሕረ-ባይታ ብላታ ካሕሳይ ማሉ 12 ኣማኑኤል ዮሴፍ ሮማ ጽገወይኒ ኣብርሃም ኣርኣያ ብላታ ካሕሳይ ማሉ ብህይወቶም ከለዉ ደቂ-ደቆም ክርእዩ በቒዖም እዮም። ዘርኢ ብላታ ካሕሳይ ሎሚ ካብ ክልተ ሚእቲ ዘይውሕድ ምዃኑ፡ ወይዘሮ ኣብርሀት ከፈላ ወልደመንቀርዮስ፡ ብዓልቲ ቤት ኣቶ ዮሴፍ ካሕሳይ፡ ግምት ኣለወን። ኣብ ሰለስተ ቀጻሊ ወለዶኦም ድማ ህይወቶም ንሃገሮም ዝወፈዩ ካብ ደቆም፡ ደቂ-ደቆምን፡ ደቂ-ደቂ-ደቆምን ይርከቡ። ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ኣብ ታሕቲ ተጻሒፉ ኣሎ።ምዕራፍ -1 ድሕረ-ባይታ ብላታ ካሕሳይ ማሉ 9 ምዕራፍ - 1 ድሕረ-ባይታ ብላታ ካሕሳይ ማሉ ብላታ ካሕሳይ፡ ካብ ኣቦኦም ከንቲባ ማሉ ገብራትን ኣዲኦም ወይዘሮ ለተሃይማኖት መርሃይን ብ1899 ኣብ ዓዶም ደቂጽንዓይ ተወልዱ። ክሳዕ ዝዓብዩ ድማ፡ ከም ኵሉ ቈልዓ ገጠር፡ ብወለዶም እናተኣልዩ ዓበዩ። ዕዅኽ ምስ በሉ ከኣ፡ ስራሕ ጉስነት ጥሪት እናተለማመዱ ምስኡ’ውን ባህላዊ ትምህርቲ እናወሰዱ መዓርግ ድያቆን ከም ዝለበሱ ይንገር። ወዲ ንበይኖም ኮይኖም፡ ሓሙሽተ ኣሓት ጥራሕ ነበሮኦም። ንሳተን ድማ ኣስገዱ፡ ለተብርሃን፡ ብርኽቲ፡ ሃንሱን ሙሴን ይበሃላ። ወለዶ ብላታ ካሕሳይ ከንቲባ ማሉ - ደቂጽንዓይ እምኖይ ፍረሓንስ ምሕጹን ተኽላይ -ጎባይ ምሕጹን -ተወልደ ተኽልየስ - ሹም ዓንደጽዮን - ሹም ደሓን) ተኽሊት -ዑቕቢት ሓይሎም ምዕራፍ -1 ድሕረ-ባይታ ብላታ ካሕሳይ ማሉ 10 ጋይም ሰመረ - ሃብተጽዮን - ኣስራት ገብራት -ግደ - ወልዲት ከንቲባ ማሉ ብላታ ካሕሳይ ኣብርሀት፡ ሰለሙን፡ ኤፍረም፡ ሓረጉ፡ ኣማኑኤል፡ ዮሴፍ፡ ሮማን፡ ጽገወይኒ፡ ኣብርሃም፡ ኣርኣያ፡ ብላታ ካሕሳይ፡ ኣብ ሸዊት ዕድሚኦም ናብ ጸዓዘጋ ትምህርቲ ንኪምሃሩ ምስ ከዱ፡ ኣብኡ ዓብዮም፣ ምስኦም ትመሃር ንዝነበረት፡ ወይዘሪት ትበርህ ኣብርሃ እተባህለት ጓል ጸዓዘጋ ብ1917 ተመርዕዮም፡ ሓዳር መስረቱ። ብላታ ካሕሳይ ማሉን ወይዘሮ ትበርህ ኣብርሃን ሰሲኖም፡ ዓሰርተ ሓደ ደቂ ወለዱ። ንሳቶም ድማ ሸውዓተ ኣወዳትን ኣርባዕተ ኣዋልድን እዮም። ኣስማቶም ብተራ ዝተወልዱሉ እዚ ዚስዕብ እዩ። 1. ኣብርሀት 7. ዮሴፍ ምዕራፍ -1 ድሕረ-ባይታ ብላታ ካሕሳይ ማሉ 11 2. ሰለሙን 8. ሮማ 3. ኤፍረም 9. ጽገወይኒ 4. ሓረጉ 10. ኣብርሃም 5. ኣማኑኤል* 11. ኣርኣያ 6. ኣማኑኤል *እዚ ብኸኒሻ ዝተጠምቀ ብዕሸሉ ዝሞተ፡ ነቲ ቐጺሉ ዝተወልደ ወዲ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኺጥመቕ ከሎ፡ እታ ናይ መዋቲ ሓዉ ሽም እንደገና ተዋሂባቶ። ኣብርሀት ሰለሙን ኤፍረም ሓረጉ ምዕራፍ -1 ድሕረ-ባይታ ብላታ ካሕሳይ ማሉ 12 ኣማኑኤል ዮሴፍ ሮማ ጽገወይኒ ኣብርሃም ኣርኣያ ብላታ ካሕሳይ ማሉ ብህይወቶም ከለዉ ደቂ-ደቆም ክርእዩ በቒዖም እዮም። ዘርኢ ብላታ ካሕሳይ ሎሚ ካብ ክልተ ሚእቲ ዘይውሕድ ምዃኑ፡ ወይዘሮ ኣብርሀት ከፈላ ወልደመንቀርዮስ፡ ብዓልቲ ቤት ኣቶ ዮሴፍ ካሕሳይ፡ ግምት ኣለወን። ኣብ ሰለስተ ቀጻሊ ወለዶኦም ድማ ህይወቶም ንሃገሮም ዝወፈዩ ካብ ደቆም፡ ደቂ-ደቆምን፡ ደቂ-ደቂ-ደቆምን ይርከቡ። ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ኣብ ታሕቲ ተጻሒፉ ኣሎ።