About the book

ጦብላሕታ......
መጽሓፍ ”እዚ’ውን”፡ ሃሳስ ስም፡ ድሙቕ ወጥሪ
""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""""
እዚ ጽሑፍ እዚ ብመም ሴፈ ኣብርሃም ካብ ሽወደን ዝተጽሓፈ እዩ።መጽሓፍ "እዚ'ውን" ኣብ ኒውዝላንድ ብዝነብር ኤርትራዊ መርሃዊ ወልደሚካኤል ዝተደርሰት እያ።መም ሴፉ ድሮ ኣንቢቡ ወዲኡ፤ ምስትምቃር ንምጽሓፍ በቂዑ ኣሎ።ስለ'ቲ ናይ ወትሩ ስርሑ አመስግኖ።ብወገነይ'ውን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ገዚአ፤ ኣብ መንጎ እተን ኣብ ገዛና ዘለዎ መጽሓፍቲ ትግርኛ ሓዊሰያ ኣለኹ።ካልኦት ድማ ገዚእዂም ክተንብብዋን፤ ንደራሲ ርእይቶዂምን ሓሳብዂምን ክትጽሕፍሉ እላቦ።ንሕጂ ግን ንሰንበትና ክኸውን ዝሓረክዎ ናይ ንባብ ጦብላሕታ እዩ። ሰናይ ንባብ!
እዛ መጽሓፍ ካብ’ተን ብወጥርታትን ምንጥልጣላትን ዝተሰኽሰኻ ዛጊት ዘንበብክወን መጻሕፍቲ ሃገርና እያ። ጀሚራ ክሳዕ እትዛዝም፤ ዛዕባትታን ፍጻመታትን፡ እናራኸበትን እናዀላለፈትን እተዘንቱ መጽሓፍ’ያ።
”እዚ’ውን” ዝብል ሓላቕ ፊደላት ዘቘሞ ኣርእስታ፡ ርእይ እንከተብሎ፡ ዘይከም መብዛሕታኦም ኣስማት መጻሕፍቲ ዘሀንጢ ኣይኰነን። እንተዀነ፡ ”እንታይ’ሞ ’እዚ’ውን’፧” ኢሉ ንዝምርምር፡ ከም ሰፈር ኣናጹ፡ በበይኑ ዝመእተዊኡ፡ ሓደ ዝሸቶኡ ብዙሕ ትሕዝቶታት’ዩ ዝገጥሞ። እዛ መጽሓፍ፡ ብርክት ዝበሉ ዛንታታት፡ ብዘደንቕ መርበብ እተራኽብ፣ ጽብቕቲ ኣብነት ናይ ”ብገበር ኣይትፍረድ” እያ።
ወርሒ መስከረም 2020 ብመርሃዊ ወልደሚካኤል ተጻሒፋ። ኣብ ሓንቲ ክንዲ መንሱራ ኣብ ኤርትራ፡ እትግመት ሽወደናዊት ዓዲ ዝርከብ ትካል ሕትመት እምኵሉ፡ ብ2 ጥሪ 2021 ዘርጊሕዋ። ሓያሎ ዛንታታት፡ ብሓደ ስም፡ ኣብ 25 ምድባትን 347 ገጻትን ብመልክዕ ጽዋ፣ ቀሪቦም ኣሎዉ። ኣስመረት ዘርኣብሩኽ ድማ፡ ንድፊ ገበር ገይራትላ።
(እዚ ጦብላሕታ ንባብ፡ ከም’ቲ ዝተመገበ ንሰብ ውራይ ዘመስግን፣ ዘንበበ’ውን፡ ንጸሓፍቲ ሓሳባቱ እንተ’ውክአ፡ (መጽሓፍ ምድላው ንባዕሉ ውራይ’ዩ) ካብ ምዕብዓብ ይድሕን፣ ኣንበብቲ ክነቡን ዘይክነቡን ይምእዘኑ፣ ጸሓፍቲ፡ ግብረ-መልሲ ይረኽቡ፣ ስነ-ጽሑፍ ሃገርና ይተባባዕ፣ ብዝብል ሓሳብ ዝተዳለወ፡ ተራ ምስትምቓር (ነዊሕ ርእይቶ)፡ ንመጽሓፍ ”እዚ’ውን” እዩ።)
መጽሓፍ ”ሕጂ’ውን”፡ ንውዕዉዕ ጾታዊ ፍቕርን ሓልዮትን ኣብ ከተማታት ባጽዕን ኣስመራን፣ ሰማይ ጠቐስ እልመት ተንኰልን ክፍኣትን ጕዕዞ ህይወት፣ ክልተ ጫፋት ሰብኣውነት ኣብ ኣጻምእ ሲናይ፣ እምነትን ፈተናን ሓዳር ኣብ ዓዲ-ጥልያን፣ ጽልዋ ስድራ-ቤት ንሰብ ሓዳር፣ ፍቕሪ ንዋይን ርህራሄን ኣብ መግሃር ሰሃራ፣ ወጥርን ኣሽካዕላልን ኣብ ሊብያ፣ ግርጭት ውሽጥን ደገን ብመንጽር ግላውን ጽምዳውን ድሌት፣ ከምኡ’ውን፡ ሸብዳዕዳዕን ፍርድን ኣብ ኤውሮጳ ዝተናኸፈት’ያ።
ዛንታታት’ዛ መጽሓፍ ኣዝዮም ተኣመንትን መሰጥትን’ዮም። ዳርጋ ኩላቶም ምሉኣት-ሓሳባት"፡ ቅጡባንትን ዕቱባትን ክብሃሉ ይኽእሉ። መንገዶም ከይስሕቱ ግቡእ ጥንቃቐ ዝተገብረሎም’ዮም። ካብ መጀመርታ፡ እወታውን ኣሉታውን ስምዒታት እናበራረዩ፡ ክትስዕቦም ዝደፋፍኡ’ውን እዮም። ክሳዕ መጨረሽታ፡ ብተመሳሳሊ ምቕጻሎም ድማ፡ መርኣያ ሓያልነቶም’ዩ። ዝተላዕሉ በበይኖም ዛንታታትን ቦታታትን፡ ብዘአምን ስርዓት ምቕራቦም፣ ኣፍልጦን ትዕዝብትን፡ ወይ’ውን ጻዕሪ ጸሓፊ ከንጸባርቑ ክኢሎም’ዮም።
እዛ መጽሓፍ ”...ናብ ሊብያ ድሕሪ ምብጻሑ ሃለዋቱ ንዘጥፍአ መተዓብይተይ...፣ ንኹሎም ኣብ... ስደት ግዳያት ንዝዀኑን ንስድራኦምን መዘከርታ ትኹን፡” ብምባል’ያ ትጅምር። ድሕሪ ቃል ጸሓፊ፡ ”ቁጻር” ብዝብል ንኡስ-ኣርእስቲ፡ ”በለት፣ ምስ በለኒ” ዝኣምሰሉ ክፋል ኣዘናትዋ ገዲፋ፡ ብቐዳማይ ኣካል ናብ ምዝንታው ትኣቱ። ቃንዛታት ሰባት ቃንዛ ፈጢሩላ፡ ብሕሉፍ ድንጋጸን ተወፋይነትን፡ ክሳዕ ልሙድ ንጥፈታታ ብዘወንዘፈት ተራኺት ድማ ትቕጽል። በዚ ይኸውን፡ ዳርጋ ብምልኡ’ቲ ዛንታ’ውን ኣቐንዛዊ እዩ። 25 ክፋላት ኣብ ማእከል ኣስፊራ ድማ፡ ”ኣደጎ” ብዝብል ኣመና ሓጺር ተዛማዲ ዛንታ ትዛዘም።
ዘይከም ተራ ስማ፡ ጥበብ ኣዘናትዋን ፍተሻ ኩርንዓትን ዝድነቕ’ዩ። ነዚ ጦብላሕታ ክጽሕፍ ዝደፋፍኣኒ ምኽንያት እውን’ዩ። ተደጋጊሙ ከም ዝጥቀስ፡ ኣውራ መምዘኒ ብቕዓት ዛንታ ምንጥልጣል እንተ ኰይኑ፣ ነዛ መጽሓፍ ምስ ቀዳሞት ተርታ ዘስርዓ፡ እትንየተሉ እዩ። ከም ትርኢት ተንቀሳቓሲ ሕብራዊ ኣሳእል፡ ብተመስጦ ክትስዕቦ የመኒ።
ኣብ ኤርትራ ዓዂኾም፡ ጫፍ ኣትሒዞም፡ ኣብ ኤውሮጳ ምስ ዝፈልሱ፡ ዘይግመቱ ዛንታታት፡ ከም ማግኔት ኰሊሎም-ኰሊሎም ክጣበቑ እዛ መጽሓፍ ኣካዊናቶ ትርከብ። ንብዙሕ ኣጋጣሚታት ህይወት፡ ከም መርመራ ፖሊስ፡ ሸለል ከይበለት ምትሕሓዛ ጸብለል ዝበለ ብልጫኣ’ዩ።
ንኣብነት፣-
•ኣብ ኣመሪካዊት ከተማ ኒውጀርሲ፡ ካብ ስራሕ ክሰናኸል ዝተገብረ ክኢላ መጥባሕቲ ውሽጣዊ ኣካላት፣ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን። ምስ’ቲ ኣብ ሲናይ ብሃንደበታዊ ሞት ሓዉ፡ ርሱን እምኒ ብርኩታ ከም ዝወሓጠ ዝነደረ በደዊን፡ ምትእስሳር ስለ ዘሎዎ ጥራይ’ዩ።
•ኣንፈት ተነፋሒት ፈውሲ ኣዝማ መምህር፡ ሳዕቤን’ቲ ንኽትነፍሕ’ኳ ዕድል ዘይህብ ህሞት፡ ንምንጽጻር ዝተገብረ ጥበብ’ዩ ዝነበረ።
•ወናኒት ብሉጽ ጠባይን መልክዕን ሪም፡ ጓል-ባጽዕ ምዃና ዝተነግረ፡ ኣጋጣሚ ኣይነበረን። ጻማ’ቲ ኩሉ ከርተታ ብተኣምር ሓንቢሳ ክትፍደ ስለ ዝተደልየ’ምበር።
•ብሃወኽ ”ሻሕ” ኢሉ ዝተደራቐመ ጠራሙስ ሺሻ’ውን፡ ተራ ኣጋጣሚ ኣይነበረን። ስሕለቱ ምስ ጐረሮ ዳዊት ክወሃሃድ ስለ ዝተደልየ’ዩ።
ኣቐዲሙ ከም ዝተጠቕሰ፡ እዛ መጽሓፍ ዝሸፈነቶም ዝተፈላለዩ ዛንታታት፡ እናዀላለፈትን ከይዘንግዐትን ምቕራባ ዝድነቕ’ዩ። በዚ ድማ ንምኲር ኣንባቢ ንጹር ስእሊ ክሕዝ ኣኽኢላቶ’ያ። ብኣንጻሩ ንኹላቶም ኣንበብታ ኣብ ግምት ዘእተወት ኣይትመስልን። ዝተጠቕመትሉ መላግቦ፡ ብፍላይ ንተራ ኣንባቢ ዕውንውን ከእቱ ይኽእል’ዩ። ኣብ መብዛሕታኡ’ኳ ብኽፋላት ተመቓቒሉ ናብ ካልእ ዛንታ ከም ዝስገረ እንተ ነጸረ፣ ሓሓሊፋ ግን፡ ብሓድሽ መስመር ጥራይ ዝተፈልየ ኣይተሳእነን። እዚ ድማ፡ ብፍላይ ኰላሊፎም ንዘንብቡ ግር ከብል ይኽእል’ዩ።
እዛ መጽሓፍ ብርክት ዝበሉ ስሓብቲ ኣብሃህላታት ኣሎዉዋ። ንኣብነት፣ ”... ልቡ’ምበር ኢዱ ሒዘ ከጽንዖ ከም ዘይክእል ርግጸኛ’የ...”፣ ”...ቁመቱ ጠገለ የብሉን። ኩሎም ክፋል ኣካላቱ ሕልፊ ናይ ተራ ሰብ’ዮም... ዘገርም ግን ተደሚሮም ካብ ቅጥኒ ከውጽእዎ ዘይምኽኣሎም’ዩ”፣ ”...ኣብ ኢዱ ዝነበረት ጥርሙዝ፣ ነቲ መስተ ካብ ጎሮሮኣ ናብ ጎሮሮኡ ኣንቈርቈሮ...”፣ ”...ብስሓቕ እዩ ተነኽኒኹ። ኣነ’ውን ስሓቑ ገሪሙኒ ሰሓቕ ኣስተንፈስኩ”፣ ”...ነቲ ኮርነፍ ኢሉ ዝነበረ ብዘይ ብኡ ሮጊድ ከንፈሩ፡ ብመመልከቲት ኣጻብዕተይ ከም ስልኪ ክራር ሃረምክዎ...”፣ እናበለ መሽጐራጉር ስምዒት ዝፍትሽ ኣገላልጻ ምጥቃስ ይክኣል።
ብዘይካ’ዚ፡ ዝተመርጸ ናይ ፈጠራ ኣስማት፡ ምስ ቦታን ኣጋጣምን ምውህሃዱ፡ ንወሰንቲ ጠባያት ግቡእ ምልላይ ምግባራ ምከናዊ ብልጫኣ’ዩ። ዳርጋ ናይ መብዛሕትኦም ቀንዲ ጠባያት፡ ነባቢ ንጹር ስእለ-ኣእምሮ ክህልዎ ሓጊዛ። ላህጃታት ዝተፈላለዩ ቋንቋታት መምስ ከባቢኡ’ውን፡ ዘይንዓቕ ኣስተዋጽኦ ኣበርኪቱ’ዩ። ካልእ ንመህብተሚ ዛንታ ዝተጠቕሱ ቁንጫል ግጥምታት ደረፍቲ፡ ሓቀኛ ኣስማቶም ምጥቃሳ ክብረት ዘውህብ ክብረት እዩ። ክልመድ’ውን ይግባእ።
ምስ ዝተጠቕሰ ኩሉ ብልጫታት’ዛ መጽሓፍ፡ ክስትብሃለሉ ዝነበሮ ዝዓበየ ነጥቢ፡ ጉዳይ ምከና እዩ። ዘይከም ልሙድ ጥብቖ መለለዪ መጽሓፍቲ፡ ”ሓቀኛ ወይ ልቢ-ወለድ” ዝብል መሪሕ የብላን። ኣምሳያኡ ”ጽዋ” ዝብል ቃል ኣሰንይዋ ይርከብ። ጽዋ፡ ንጽውጽዋይ ዝቐርብ ቃል እንተ ኰይኑ፡ ንዘይክዉን ከም ክዉን፡ ንቡርነት ብዘይብሉ ኣገባብ፡ እናጋነነ ብጥበብ ዝጸዊ’ዩ። ከምኡ ብምዃኑ ድማ፡ ኣብ’ዛ መጽሓፍ፡ ኣብ ዘይ እዋኑን ቦታኡን ክንጸባረቕ ተራእዩ።
ንኣብነት፡ ሰባት ዘሳፈረት መርከብ ተገምጢላ፣ ክልተ ትንፋስ ጥራይ ተሪፎም ከብቅዑ፣ ኣብ’ቲ መዓሙቕን ዛሕልን፡ ክሳዕ ክንዲ’ቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ዝኣክል ላግጺ፡ ፈኸራ፡ ለመና፡ ጭካነ፡ ኑዛዜ ... ክርአ ጭራሽ ካብ ክውንነት ዝርሓቐ’ዩ። ኣብ’ቲ ህሞት፡ ብዘይካ ጸሎትን ዋጭ-ዋጭታን፡ ካልኦት ኣይእዋኖም ኣይቦታኦም። እዛ መጽሓፍ፡ መጽሓፍ ”ጽዋ” ክሳዕ ዝዀነት ግን፡ ትቕበሎምን ትፈትዎምን። ዝብእን ወኻርያን እንክጥቀሱ፡ ሃርጐምጎምን ጕርሕን ዝቕረጸና’ውን ጽውጽዋይ ብምዃኑ ጥራይ’ዩ።
እንተዀነ ብዘይካ ስም፡ ዳርጋ ግሁድ ዝዀነ ሓያሎ ኣንፈታትን ኣጋጣሚታትን ቀሪቡ ኣሎ። ኣብ ቃል ደራሲ’ውን ”... እዚ ታሪኽን ፍጻመን ክስነድ ስለ ዘሎዎ’ዩ...” ከምኡ’ውን ”...ዛንታኣ ከይሓብአት ንዘካፈለትንን ኣብ’ዚ መጽሓፍ ከስፍሮ ቅርብቲ ንዝዀነትን...ሓውቲ አመስግና...” ምባሉ ንክውንነት ዘረጋግጽ እዩ። በዚ ምኽንያት፡ ንዝተጋህደ ክዉን ሓቂ ብኸምኡ ምቕራቡ፡ ኣመና-ኣመና ዝተጋነነን ተገራጫውን’ዩ። በዚ ድማ፡ ነቲ ዕዙዝ ተኣሳሳሪ ብቕዓት ኣዛናትዋ፡ ሚዛኑ ከየጕደሎ ኣይተረፈን። ካብ ሓደ ዕቱብን ረቂቕን ዛንታ፡ ናብ ስምዒታውን ፈኲስን ዝተቐየረ’ውን ኣምሲልዎ። ብገለ መልክዓቱ ታሪኻዊ ልቢ-ወልድ ዘምስል ኣንፈታት ይርከቦ። ደጊሙ ናብ ጽውጻዋይ ይዓዝዝ። ሰሊሱ ድማ፡ ውጹእ ልቢ-ወለድ ይኸውን። እዚ ዓይነት ምትሕውዋስ፡ ነዛ መጽሓፍ ጥሙርን ንጹርን መልእኽቲ ከይህልዋ ዝገበረ ይመስል።
እቲ ምኽንያት፡ ምናልባት ካብ ኣመና ምድብላቕ ዛንታታትን ስፍሓቶምን ክኸውን ይኽእል እዩ። ከም መለሳ ግን፡ ነቲ ኣብ 347 ገጻት፡ ዝተጠቓለለ ዛንታታት፡ ብተናጸል ሓጸርቲ ዛንታታት ክዝንቶ ምተኻእለ ነይሩ። ነፍሲ-ወከፍ ዛንታ ከኣ፡ ነናብ ዝምእምኣ ጠባይ ጽውጽዋይ፡ ውጹእ ልቢ- ወለድ፡ ታሪኻዊ ዛንታ ወዘተ ተወጊና፣ ስጡም ቅጥዒ ክትሕዝ ምሓገዛ ነይሩ።
ካልእ ጽቡቕ ገጽ መጽሓፍ ”ሕጂ’ውን”፡ ዘልዓለቶም ኩላቶም ጠባያት ነናብ መዕረፊኦም ምብጽሓ’ያ። ኣንባቢ ’ዝሓለፈ ወጥርን ሰንፈላላትን ይእኸሎ’ ግዲ’ላ፡ ብዘይካ ማዕልቦ’ቶም ኣብ ሲናይ ዝተበተኑ ጉጅለ እሱራት፡ ንኣንባቢ ዝተገድፈ ተረፍ ዛንታ የብላን። እኳ ድኣ ኣብ ኣእምሮ ዝተርፍ፡ ግሩም ዝዀነ ጥቕሳዊ ማዕዳ ሳዕቤናት ምፍዳይ ሕነ’ያ፡ ከም ሞቑሹሽ መጥያቶ።
ከምኡ’ውን፡
”ኮምፕዩተር = ቀማሪት፡ ኣላርም = ሸታቲት ሓውን ትክን፡ ፍላሽ = መዐቀቢት መዛግብ፡ መሕነኒ = መንስዒ ነዳዲ፡ ማይክሮፎን = ቀዳሒት፡ ሞዴስ = ዓለባ ንጽህና ... ዝኣምሰሉ ዘበናውያን ቃላት፣ ብዝሰማማዕን ዝቐረበን ትግርኛ ምትርጓማ፡ ክስዓብ ዘሎዎ ኣብነታዊ ስራሕ’ዩ። እዚ ድማ፡ መርኣያ ምልከትን ብሉጽነትን ቋንቋ’ዛ መጽሓፍ እዩ።
እንተዀነ፡ አብ ርእሲ’ቲ ኣብ ዝርዝር ገበታ ፊደላት ትግርኛ ዘየሎ ፊደል ”ቧ” ምዝውታራ፡ ከም ፕሪሞ፡ ሴኮንዶን ሳምሶናይትን ምሉቕ ዝበልዋ ቃላት’ውን ኣይተሳእኑን።
ኣቐዲሙ ምህሳሱ ዝተጠቕሰ ስም መጽሓፍ (እዚ’ውን)፡ ሃሲሱ ኣይተረፈን። ኣብ መጨረሽታ ገጻት ዛንታ፡ ከም ዝቐደሙ ክፋላት፡ ኣንባቢ ብዘይተጸበዮ ኩርናዕ ደበኽ’ዩ ዝበለ። ምኽንያት ኣሰያይማኡ ሒዙ ምቕራቡ፡ ከም’ዚ ምፍናወይ፡ ኣንባቢ ገለ ሓድሽ ተረኽቦ ሒዙ፡ ብኣስተንትኖ ክፋኖ ሓጊዙ’ዩ።
*    *    *
ሃገራዊ ኣግልግሎትን መስገዳላቱ፡ ስደት፡ ጕዕዞ ምድረ-በዳ ሰሃራን ሲናይን፡ ጕዕዞ ባሕሪ፡ ዝእመሰሉ ፍጻሜታት ትሕዝቶ’ዛ ጽዋ ኰይኖም፡ ናይ ሕጂ መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ ብኸመይ ዝበሉ ፈተንቲ ተመኵሮታት ይሓልፍ ምህላዉ ብስእላዊ መንግደኢ እትትርኽ መጽሓፍ እያ።