About the book
ኣብዚ ህሉው እዋንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ እቶምናጽነት ኣምጺእና ዝብሉ ብፍላይ እቲ ንዓለም ዘደነቐ ጅግንነትን ተወፋይነትን ሃሲሱ ንዘይንቡር ከም ንቡር ሪዒሞም ይርከቡ። መብጽዓታት ክጥለሙ፡ ቅዋም ክጉሓፍ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ክግሃስ፡ ስርዓተ- ምልኪ ክትከል ብሒምዝብል ብርቂ ኮይኑ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብስቕታ ተዋሒጡ ክትርኢ ናይ ኤርትራስግንጢር ተርእዮ'ዩ። ኣብቲ ሰፊሕ ስቕታ ግን ብርድኢት ወይ ብግዳይነት፡ ኣንጻር'ቲ ዘይጽቡይ ተረክቦ ብዓውታ ወይ ብሰላሕታ ዝቃወሙን፡ ዘዕዘምዝሙን ደፋራት ኣይተሳእኑን። 'ካብ ዋልታ ናብ ስቕታ' ነቲ ቅሉዕን ስቱርን ዕላላት፡ ምዕዝምዛማትን፡ ተቓውሞታትን እርይ ቍጽር ኣቢላ፡ ብተዛመድቲ ግጥሚታት ኣመቂራ፡ በብኣርእስትታቱ ብልቢወለዳዊ ድርሰት ኣቕሪባቶ ኣላ።