About the book

መእተዊ ጆን ግሪሻም ብርክት ዝበላ ልቢ ወለዳትን ሓጸርቲ ዛንታታትን ብምብርካት፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዑል ህቡብነት ዘጥረየ ደራሲእዩ። ዛጊት ልዕሊ 300 ሚልዮን ቅዳሓት መጽሓፍቱ ተሸይጠን ኣለዋ። ብዙሓት ካብ ድርሰታቱ ብመልክዕ ፊልም ተዓዪየንጥራይ ዘይኰና፡ ሓያሎ ሽልማታት እውን ተዓዊተን እየን።   ልቢ ወለዳት ግሪሻም፡ ናብ 40 ቋንቋታት ተተርጕመን። ሓንቲ   ካብ ብሉጻት ልቢ ወለዳቱ፡ ‘A Painted House’ እያ። ኣነ ድማ፡ ‘ኵምራ ምስጢር’ ብዝብል ኣርእስቲ እንሆ ተርጕመያ ኣለኹ። እዛ ልቢ ወለድ ብመልክዕ ፊልም ተዓዪያ፡ ጽቡቕ ኣድናቘት ረኺባ እያ። ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ሃየስትን መራኸብቲ ብዙሓን ዓለምናን ንጆን ግሪሻም፡ ‘ካብ ብህይወት ዘለዉ፡ እቲ ዝበለጸ ደራሲ’  ብምባል ይገልጽዎ። ንሓንቲ ካብ መጽሓፍቱ እንተ ኣንቢብካ፡ ንኻልኦት ድርሰታቱ ከተንብብ ኣመና ኢኻ እትህንጠ። ንእሽቶ ንእትመስል ዛንታ፡ ብውሕልነት ኣጽሓሕፋኡ ካብ ኣእምሮኻ ከም ዘይትሕከኽ ናይ ምግባር ፍሉይ ብቕዓት ኣለዎ። ሰናይ ንባብ ወዮም ሰብ ኵርባን መክሲካውያንን ኣብ ሓደ መዓልቲ መጺኦም። ሎሚ ረቡዕ ባሕቲ መስከረም 1952 እዩ። ዝዘራእናዮ ጡጥ ንዓይ ልዕሊ ቁመተይ፡ ንባባ ኣብ ሽምጡ በጺሑ’ሎ። ቅድሚ ድራር ባባን ኣባሓጐይን ብሕሹኽታ ክዘራረቡ ሰሚዐዮም። ዘይተኣደነ ምህርቲ ክንሓፍስ ኢና ግዲ! ክልቲኦም ጻዕራማት ሓረስቶት እዮም። ተስፋ ምቑራጽ ዝንጸባረቖም፡ ብዛዕባ ክሊማን ኣዝርእትን ከዕልሉ እንከለዉ ጥራይ እዩ። ጸሓይ ምሒር ከይትመርር፡ ሓያል ዝናብ ከይዘንብ፡ ኣብ መታሕት ዕልቕልቕ ከይክሰት፡ ዋጋ ዘርእን ድዅዕን ከይከብር፡ … ገለ ካብቶም ዘሻቕልዎም እዮም። ማማ ክብርሃ እንከሎ፡ “ኣይትጨነቕ እዚ ወደይ። ኣቦኻን ኣባሓጐኻን ባዕላቶም ገለ ዘጨንቖም ኣሊሾም ክረኽቡ እዮም።” ትብለኒ። ንሰብ ኵርባ ክንደልዮም ክንከይድ እንከለና፡ ኣባሓጐይ ብዛዕባ ዋጋ ጕልበት ሸቃሎ ተጨኒቑ። ንሳቶም ንነፍሲ ወከፍ 50 ኪሎ ጡጥ ዝኣረይዎ ይኽፈሉ። ዓሚ ን50 ኪሎ ጡጥ ዝኣረይዎ፡ 1.50 ዶላር ተኸፊሎም። በዓል ሌክ ሲቲ ዝዀነ ሓረስታይ ግዳ፡ 1.60 ዶላር ከም ዝኸፍል ኣባሓጐይ ብጽንጽንታ ሰሚዑ’ሎ። ናብ ከተማ ብሓባር እናኸድና፡ በዚ ጕዳይ ኣባሓጐይ ምሒር ተጨኒቑ። ማኪና እናዘወረ፡ ፈጺሙ ኣይዛረብን’ዩ። ማማ ከም ዘዕለለትኒ፡ ስለ ዝፈርሕ’ዩ ዘይዛረብ። ንሱ ካብ 30 ኪ.ሜ ኣብ ሰዓት ንላዕሊ ኣይሕንበብን’ዩ። -1- 2 ብኣርካንሳስ ደልታ እናሓለፍና፡ ኵሉ እቲ ገርሁ ጡጥ ከም እተዘርአ ኣቕሊበ። እዋን ዓጺድ ኣኺሉ። ንዓይ’ዚ ወቕቲ ዘሐጕስ’ዩ። ከመይሲ፡ ቤት ትምህርቲ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ዝዕጸወሉ ግዜ ስለ ዝኣኸለ። ንኣባሓጐይ ግዳ፡ እዚ ወቕቲ ማእለያ ዘይብሉ ጭንቀት ዝስከመሉ’ዩ። * * * ጆርዳን ተባሂላ ኣብ እትፍለጥ ዓዲ ምስ በጻሕና፡ ብሸነኽ የማንና ኣብ ጥቓ እቲ ጽርግያ ተጐንቢሖም ጡጥ ዝኣርዩ መክሲካውያን ተዓዚብና። እህህታ ኣባሓጐይ ኣብ እዝነይ ዓሊቡ። ንጆርዳናውያን ኣይፈትዎምን’ዩ። ካብ ሕርሻና ክሳብ ከተማ ዘሎ ርሕቀት፡ ካብ 8 ኪ.ሜ ዝወሓደ’ዩ። የግዳስ፡ ኣባሓጐይ 30 ኪ.ሜ ኣብ ሰዓት ጥራይ ስለ ዝሕንበብ፡ እቲ ጕዕዞ ሓያሎ ደቓይቕ ይወስደሉ። ነተን ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሕኦ ጎሳሳት ማካይን ክሓልፈን ኣይሓስቦን’ዩ። ግደ ሓቂ፡ ንሱ’ዩ ብዝተሓተ ፍጥነት ዝጓዓዝ። ኣብ ጥቓ ሓውሲ ኸተማ ብላክ-አውክ በረድ ዝመስል ሓድሽ ዝተቐንጠበ ጡጥ፡ ኣብ ሓንቲ ሪሞርክዮ ተዀሚሩ ጸኒሑና። መሳቶይ ዝዀኑ መናቱ ደቂ ሞንትጎመሪ ኣብ ልዕሊ እቲ ጡጥ እናተናጠሩ ይጻወቱ ኣለዉ። ንዓና ምስ ርኣዩና፡ ጸወታኦም ኣቋሪጾም ንሰላምታ ኣእዳዎም ኣወናጪፎምልና። ዓጸፋ ሰላምታ መሊሰሎም። ኣባሓጐይ ግዳ ወይ’ከ! እናዘወረ ንዝዀነ ሰብ ሰላም ኣይብልን’ዩ። ከም ርድኢት ማማ፡ ካብ ስቴርሶ ኢዱ ምፍላይ ስለ ዝፈርሕ’ዩ። ሰባት ብጌጋ ከም ትዕቢተኛን ብድዐኛን ገይሮም ከም ዝሓምይዎ ነጊራትኒ። ንሱ ንሕሜታ እዝኒ ዝህብ ኣይመስለንን። እዛ ሓውሲ ኸተማ ዕዳጋኣ ቀዳም ስለ ዝዀነ፡ ኣብታ መዓልቲ ማእለያ ዘይብሉ ጻዕቂ ህዝብን ተሽከርከርትን የጋጥም። ሎሚ ረቡዕ ሳላ ዝዀነ፡ ኣስተርሒና ኣቲናያ። ማኪናና ኣብ ቅድሚ ግሮሰሪ እንዳ ፖፕን ፐርልን ዓሺግናያ። 3 ኣባሓጐይ፡ ኣነ ናብታ ግሮሰሪ ንኽኣቱ ብመንከሱ ሓቢሩኒ መንገዱ ቐጺሉ። ንሱ ድኻ’ዩ። የግዳስ ብዘይመጠን ሕቡን’ዩ። ብናጻ ዝዀነ መግቢ ይዅን ካልእ ነገር ካብ ዝቕበል፡ ሞት ይመርጽ። ፐርል ዋትሰን ምሒር እያ እትፈርሖ። ንዓይ ከረሜላ ብናጻ ክትህበኒ እንተ ዀይና፡ ኣቐዲማ ንኣባሓጐይ ከይነግሮ ተምሕለኒ። ናብቲ ግሮሰሪ ክኣቱ እንከለኹ፡ ፐርል ጣውላ ክትወላውል ጸኒሓትኒ። ምስ ርኣየትኒ ሓቝፋ ስዒማትኒ። ሓንቲ ማስቲካ ብልቓሕ ክገዝእ ተወኪሰያ። ዋጋ ሓንቲ ሳንቲም እያ። ኣብታ ናይ ልቓሕ ደብተር ስመይ ኣስፊረ። ንኢድ ጽሕፈተይ ብኣንክሮ ተዓዚባቶ። “ሉቃስ ጽሕፈትካ ኣመና ይመሓየሽ ኣሎ።” ኢላትኒ። “ገና ወዲ ሸውዓተ ዓመት ስለ ዘለኹ፡ እዚ ጽሕፈት ኣየኽፍእን’ዩ።” ብሓገዝ ኣደይ ንኽልተ ዓመታት ንኢድ ጽሕፈተይ ንምምሕያሽ ሃሊኸ እየ። “ፖፕ ኣበይ ኣሎ?” “ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣቝሑ የመዓራሪ’ሎ።” ብኢዳ ኣመልኪታትለይ። “ኣባሓጐኻ ኣበይ ኣሎ?” “መክሲካውያን ከናዲ፡ ናብ ኣብያተ ሻሂ ከይዱ። ኣነኸ ናብኡ ክኸይድ እኽእልዶ?” ብወገነይ’ውን ብሕቶ ከዋጥራ ደልየ። “እንተ ዘይከድካ እመርጽ። ንሰብ ኵርባኸ ከተሸቅልዎም ዲኹም?” “ወሸለ ተረኺቦም! ንኣባሓጐይ ከም ቀደም ተረከብቲ ኣይኰኑን ዝብል ርድኢት ኣለዎ። ዳርጋ ጽሉላት ምዃኖም’ውን ይገልጾም’ዩ።” ሓደ መክሲካዊ ናብቲ ግሮሰሪ ኣትዩ። ኣብ ገጹ ፍርሒ ኣንቢበ። መብዛሕትኦም መክሲካውያን ኣብ ፈለማ ከምኡ እዮም ዝመስሉ። ፐርል ነቲ ሓድሽ ዓሚል ርእሳ ብምንቕናቕ ብትሕትና ተቐቢላቶ። “ቦኖስ ድያስ ሲኞር!” ወጪጨ። “ቦኖስ ድያስ።” ብትሕትና መሊሱለይ ንውሽጢ ኣትዩ። “እዚኦም መሳኪን ህዝቢ እዮም።” ፐርል ብትሕቲ መልሓሳ ተዛሪባትኒ። 4 “ኣባሓጐይ ብዙሕ መሃያ ከም ዝኸፍሎም ስለ ዝሓስብ፡ ምሒር’ዩ ዝጭነቕ።” ንፍርቂ እታ ማስቲካ ሓይኸ፡ ነታ ተረፍ ብወረቐት ጠቕሊለ ኣብ ጁባይ ወቲፈያ። “ኵሉ’ዩ ዘጨንቖ።” “ሓረስታይ’ኮ እዩ።” “ሓረስታይ ዲኻ ክትከውን?” “ተጻዋታይ ቤዝቦል እምበር።” “ምስ ጋንታ ካርዲናላውያን?” “ብርግጽ!” ፐርል ክትደርፍ ጀሚራ። ኣነ’ሞ ነቲ መክሲካዊ ክረኽቦ ምሒር ተረቢጸ። እቲ ምንታይሲ፡ ነተን ዝፈልጠን ቁንጣሮ ቃ