About the book

https://www.youtube.com/watch?v=SLG9EcxlTzo

*       *      *

መቕድም

ፍቑራን ኣንበብቲ፣ ስእሊ ገበር ንበይኑ ክንዲ ሓደ ምሉእ መጽሓፍ ስለ ዚዛረብ፡ ብቐንዱ እዚ ክተንብብዎ ጀሚርኩም ዘለኹም ድርሳን እምብር እዚ መቕድም ኣይመድለየን ነይሩ። ዝዀነ ኰይኑ ግን ኣሕጽር ኣቢለ ምስኡ እንተ ኣላለኹኹም ዜኽፍእ ኣይመስለንን።  ሰለስተ ነገር ዝሓዘ እዩ?

1. ትዕዝብቲ

1.1.  ኣብ ሃገርና ብርቱዕ ሽግር ከም ዘሎ ዘቃልዕ ጽሑፍ እዩ።  እዚ ሽግር እዚ እብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻእን ንዘለዉ ኤርትርትራውያን ብኽፉእ የሳቕዮም ከም ዘሎ ንዕዘብ ናይዚ ዅነታትዚ ዝኸበደ ሸኸም ተሰኪሞም ዘለዉ ግን ኣብ ዓዲ ዘለዉ ደቀባት እዮም። “ኣብታ ዘለታስ ተወሰኸታ” ከም ዝብሃል ከኣ እቲ ኩሉ ጸበባ ከይኣክል “ነገርኩም ንኻልእ ከይትነግሩ፣ ከይተፍልጡ፣ መረረኻ ንኻልኦት ምቅላዕ ክሕደት ሃገር እዩ ዝቑጸር” ይብሃሎም ኣሎ ነዞም ደቂ ኣባት። ብሓጺሩ ኣብ ኤርትራ ሓደ ሕሱም መንግስቲ ነጊሱ ከም ዘሎ ንዕዘብ እሎና። ከመይ ኣቢሉ እዩኸ ንደቂ ዓዲ ከም ዘይዛረቡ ዚገብሮም? ብኽልተ መንገዲ፣ 1.2. እናጥመዮ፣ ንመግቢ ዕለቱ  ዚቃለስ ሰብ ፡ ካብ ህይወቱ ዚዓብዮ ካልእ ቁምነገር ክህልዎ ስለ ዘይክእል፡ ኪቃወም ዘይሕሰብ እዩ። ከምዚ ምስ ኰነ ቀዳሞት ሮማውያን “ምንባር ቅድሚ ምትርዃዕ” ይብሉ ነበሩ። 1.3. እዚ ተረዲኡ እዩ ከኣ እዩ ጭቋኒ መንግስቲ ሕግደፍ ሰብ ክጠምየሉ ዚደሊ። “ንርእስኻ ምኻኣል ተጸበይቲ ረዲኤት ክንከውን ኣይንደልን!” ኪበሃል እንከሎ ኣብ ቅድሚ ዓይንና  ብጥሜት ዝመቱ ሰባት ተዓዚብና ኢና።[1] ኣብ ኢድ ትካል ገበርቲ ሰናይ ዝነበረ እኽሊ ረዲኤት ብሓደ ወገን “ከይትዕድልዎ!”  በቲ ሓደ ከኣ “ተበላሽዩ እዩ” ብምባል መንግስቲ ዝደርበዮ እኽሊ[2] ሰብ ከም ጓል-በረኻ ኪቀዳደመሉ ተዓዚብና ኢና።[3] እዚ ዓመት እዚ ውን ሰኑይ 29/01/2001 ካብ ዓድና ስልኪ ደዊሉ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ከም ዘረጋገጸለይ ኣብ ምድሪ ደንከል ህዝቢ (ብፍላይ ከኣ ህጻናት) ብጥሜት ከም ቈጽሊ ረገፈ። እወ እዚ ከኣ ኣብ ባጽዕ (ኣብ ስተድዮም) እኽሊ ረዲኤት ተደርዲሩ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ምዃኑ እዩ። እዚ ንዛረበሉ ዘሎና ህልቂት ሰብ ደንከል፡ ምስቲ ብ1973 ድሕሪኡ ውን 1980 ዓ.ም.ፈ ኣብ ክፍሊ ሃገር ዎሎ (ኢትዮጵያ) ዝተራእየ’ሞ ንዓለም ዘስካሕክሐ ህልቂት ዚመሳሰል እዩ ይብሉ ዝተዓዘብዎ ሰባት። ኣብ ኤርትራ ሓቂ ኣብ ምዕፋን [1] ኣቊርደት 31/7/1996። ዓዲ-ኢብርራሂም 25/09/1996. [2] 600 ኵንታል ጻዕዳ ሓርጭን 30 ኵንታል ብርስንን (ኣብ ኣቊርደት) [3] ኣቊርደት 24/01/1997  

መግለጺ ስእሊ- ገበር

እዙ ኣብ ገበር እትርእይዎ መንእሰይ፡ ዓሊ መሓመድ ይብሃል። ካብ ደንከል ዝመበቆሉ ኰይኑ፡ ጥቓ ከተማ ዓሰብ ኣብ እትርከብ ቁሸት ተወልደ። 25 ዓመት ይኸውን ዕድመኡ። ብ1995- 1996 ኣብ ሳዋ ወተሃደራዊ ታዕሊም ፈጺመ። ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንከሎ፡ ብ1997 እዙ ትርእይዎ ሓደጋ ወረዶ። ኣብ ኣገልግሎት እንከሎ ምስ ወተሃደራዊ ሓላፊኡ ይኳረ። እቱ ሓለቓኡ ሽዑ፡ ከም መቕጻዕቲ ኢሉ፡ ጠገለ ብዘይብሉ ኣጋባብ ክልተ ኣእጋሩን ክልተ ኣእዳውን ኣእሲሩ፡ ኣብ ቤት ምሕቡስ ይዳጉኖ። ንምሉእ ሰሙን ከምኡ ኢሉ ኢዱን እግሩን ኣሲሩ ስለ ዝገደፎ ከኣ፡ ደሙ ይረግእ፣ ጸለሎ ይመስል፣ ጸኒሑ ድማ ይምሽምሽ። ናብ ሓኪም ይወስድዎ። ግዚኡ ሓሊፉ ስለ ዝነበረ ግን ይቖርጾ። ብዕድል ግን፣ ኣእጋሩ ይድሕና። እቱ ንመንእሰይ ዓሊ መሓመድ ከምኡ ገይሩ ኣእዳው ዘቑረጾ ገበነኛ ወተሃደራዊ ብዓል መዚ፡ ንሰሙን ዝኸውን ኣሲሮም ናጻ ገደፍዎ። እቲ ኣውራ ዘሕዝን ግን፣ ከም ዓሊ መሓመድ ብዘሓት ካልኦት ምህላዎም እዩ። ገሊኦም ድሮ ዝሞቱ፡ ገሊኦም ከኣ ገና ብህይወቶም ዘለዉ እዮም።   Explanation of the book-cover > The name of the young man whos photograph is one of the cover of this book, is Ali Mohammed the Denkalia region being his area of origin, He was actually born in a village near the city of Asseb. About 25 years old, Ali was deemed fit for the complosory military service at Sawa (Eritrea) between 1995 and 1996. In 1997, while doing his national service sort of camouflaged additional military service.” The misfortune being shown by the photograph be fill him at the hands of an orderly officer following an alternatve altercation between them. The accident acoured when the military officer tied both his arms and leds in an extremely senceless manner he threw him in prison and kept him tied up in that way for an entire week. As the result, his boold serculation stoped, coagulated and eventually gangrened. The doctor coud do nothing but to amputate both arms, while at least the legs were saved by a pure miracle. The officer responsible for this criminal act was put in to prison for just one week and then left free. But the most exeruciating aspect of the whole story is to know that there have been and there stiil are many other young people like Ali. Some of them are already dead as a result of similar punishment and some other are still alive.   Spiegazione della copertina > Il giovane, la cui foto appare sulla copartina, sichiama Ali Mohamed. Originario della Regione della Dencalia, nacque in un villaggio nei pressi della citta di Assab.    Di circa 25 anni, presto il sevizio militare oblaggio a SAWA (ERITREA) tra il 1995 e il 1996. Nel 1997, mentre e al “National service” (una sorta di servizio millitare camufato da servizio civile), glicapita la disgrazia che si vede fotografata. Disgrazia frutto di una pinuzione comnata da un uficiale di servizio in seguito ad un diverbio avuto col giovane. Legato bracia epiedi in modo estremente secriteriato, viene poi gettato in prigione e tenuto legato in quell modo  per una settimana intera. Fatto, questo, che provoca l’arresto della circolazione e conseguente coagulamento e incanrenimento ematico pelle parti interessate del corpo. Al medico non rest ache amputragli tutte e due le braccia. Ma per puro miracolo si salvano almeno I piedi. L’uffiale responsabile di tale crimine fu messo in prigione per una sola settimana e poi rilaciato libero. Ma la tragedia piu grande e sapere che ci siano setati e ci siano molti altri giovani come Ali. Alcuni di loro sono gia morti, altri sono ancora vivi