ሓጺር ታሪኽ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያን ኤርትራን

$29.99

4 in stock

About the book

“ኣቶ በየነ ሰሎሞን: ነዛ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት ዝሸፈነት፡ “ሓጺር ታሪኽ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያን ኤርትራን” ኢሉ ንንባብ ኣብቂዕዋ ዘሎ መጽሓፍ፡ ነቲ ካብ 1962 ክሳብ 1991 ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝካየድ ዝነበረ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ብብሩህ እትገልጽ ስለ ዝኾነት፡ ንታሪኽ ተመራመርትን ስለ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ንዚግደሱን ኣዝያ ኣገዳሲት ምንጪ እያ”። —ስዩም ገብረእግዚኣብሄር (ዶ/ር) ኒው ዮርክ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ “እዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ደራሲ ኣብ ኢሰኣማ ብመሪሕነት ዘሕለፍዎ ግዜን፡ ኣብኡ ቅድሚ ምብጽሖም ድማ ሰራሕተኛታት ብማሕበር ኣብ ምውዳብን ብማሕበር ኣብ ምጥርናፍን ዘበርከትዎ ትምልከት ዓብዪ ኣስተዋጽኦ ስለ ዘሎዋ፡ ናይ ሰራሕተኛ ጕዳይ ብዚምልከት፡ ተመራመርቲ ኣብ ዚገብርዎ መጽናዕቲ፡ ዓብዪ ጥቕምን መተካእታ ዘይርከቦ ናይ ሓበሬታ ምንጭን ብምዃና፡ ንዚመጽእ ትውልዲ ዝለገስዋ ዓባይ ገጸ በረኸት እያ”። —ኣምባሳደር፡ ተፈራ ሃይለስላሰ ምኒስተር፡ ምኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ጕዳይን፡ ኢትዮጵያ “ኣቶ በየነ ሰሎሞን ነዛ ብጽፈት ዝተሰነደት መጽሓፎም ኪምስገኑ ይግባእ። እዛ መጽሓፍ፡ ግደ ጀጋኑ ሰራሕተኛታትን መራሕቶም ንዘልኣለም ከተንጸባርቕ ክትነበር እያ። እዛ መጽሓፍ፡ ኣካል ናይ ታሪኽ ሃገር ስለትገልጽ ድማ ግቡእ ትዅረት ክውሃባ ይግባእ። ‘ሰባት ታሪኽ እንደገና ክጽሕፉን ክልውጡን ይፍትኑ ይኾኑ፡ እቲ ሓቂ ግና ሓንሳብ ጥራይ እዩ ዚግለጽ’”። —በርሀ ሃብተጊዮርጊስ (ፕሮፈሰር) ሮዋን ዩኒቨርሲቲ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ   ኣቶ በየነ ሰሎሞን፡ መብዛሕትኡ ናይ ህይወት ዕድሚኦም ኣብ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት እዮም ኣሕሊፎሞ። ደራሲ፡ ናይ ኮንፈደረሽን ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ፡ መስራቲ ኣባል ኣብ ልዕሊ ምዃኖም፡ ከም ዋና ጸሓፊ ንክልተ ዓመት፡ ከም ፕረሲደንት ድማ ንሰለስተ ናይ ኣርባዕተ ዓመት እብረ፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ እናተመርጹ፡ ደርግ ኣብ ቀይዲ ክሳዕ ዘእትዎም፡ ብእምነትን ቅንዕናን ኣገልጊሎም። Category: Biography, History/AFRICA Page count: 318 Trim size: 6 X 9" Publication date: 2020