About the book

እዛ 263 ገጻት ዘለዋ ብማርቲን ፕላውት ኣብ 2016 ዝተጻሕፈት መጽሓፍ፡ ኣብ 2020 እያ ብቛንቛ ትግርኛ ተተርጉማ ናብ ሕትመት በቒዓ። ትሕዝቶ ናይታ መጽሓፍ፡ ምዕራፍ1. መእተዊ፡ ምዕራፍ 2 ዝተሓላለኸ ታሪኽ፡ ምዕራፍ 3 ኩርኳሕ ዝበዝሖ ምሕዝነት ምስ ኢትዮጵያ፡ ምዕራፍ 4 ጽልኢ ምስ ጎረባብቲ፡ ምዕራፍ 5 ምሕዝነት ምስ ናይ ወጻኢ ሃገራት፡ ምዕራፍ 6 ካብ ናጽነት ናብ እምባገነንነት፡ ምዕራፍ 7 ቁጠባዊ ምሕደራ ኤርትራ፡ ምዕራፍ 8 ስደት ካብ ኤርትራ፡ ምዕራፍ 9 ስደት፡ ሂወት ኣብ ወጻኢ ሃገር፡ ምዕራፍ 10 ተቓውሞ፡ ሞዕራፍ 11 መጻኢ ኤርትራ፡ ዝብላ ኮይነን፡ እታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ 12፡ ሓድሽ መድረኽ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ግን ኣብታ ብቋንቋ እንግሊሽ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ዘየላ፡ ነዛ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ኢሉ ማርቲን ፖላውት ኣዳልዩ ንተርጓሚ ዝሃቦ ሓዳስ ምዕራፍ እያ። ኣብ መጨረሽታ ከም መወከሲታት ዝተጠቕመሉ ምንጪ ቅድሚ ምዝርዛሩ ግን፡ ጸሓፋይ ከም ጥብቆ ዘስፈሮም ኣገደስቲ ሰነዳት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፡ ነቲ ካብ 1998-2000 ዝተኻየደ ውግእ መኸተምታ ዝገበረሉ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ምስ ኩሎም ዓንቀጻቱን ንኡሳት ዓንቀጻቱን፡ እቲ ብ 17 መስከረም 2018፡ ኣብ ሱዕድ ዓረብ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያ ምስ ኩሎም ዓንቀጻቱ፡ ኣምባሳደር ሮናልድ ማክሙለን ኣብ 5 ሚያዝያ 2009፡ ብዛዕባ ናይ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ስነ-ኣእምራዊ ጸገማትን ዘስካሕክሕ ውልቃዊ ባህርያትን ናብ መንግስቲ ሃገሩ ዝሰደዶ ጽሑፋት’ውን ሰኒዳ ትርከብ። እዞም ሰነዳት እዚኣቶም ጁልያን ኣሳንጅ ካብ 2010 ኣትሒዙ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሰደራትን ሰለይትን ናብ መንግስቲ ሃገሮም ዝልኣኽዎ ዝተፈላለዩ ሚስጢራዊ ሰነዳት ክወጽእ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ፡ ክቓላዕ ዝኽኣለ ዘስደምም ሓበሬታ እዩ። ተርጓሚ ነዛ ምጽሓፍ ንኽትርጉም ካብ ዝደረኽዎ ምኽንያታት ከምዚ ብምባል ኣብ መቕድም ናይዛ መጽሓፍ ኣስፊርዎ ኣሎ፡ “እዛ መጽሓፍ፡ ብዙሓት ዘይተነግሩ ወይ ብግልጺ ዘይዝረበሎም፡ ግን ከኣ ከም ነጥበ-መቐይሮ ክግለጹ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ታሪኻውያን ኣጋጣሚታት ምስ መወከሲታቶም እተቕርብ ኣገዳሲት መጽሓፍ እያ። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ፡ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ዝድህስሱ መጽሓፍቲ ኣብ ርእሲ ምውሓዶም፡ መብዛሕትኦም ክሳብ ግዜ ናጽነት (1991) ዘሎ ግዜ ጥራይ ዝሽፍኑ እዮም። ካብ 1991 ክሳብ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ዘሎ 30 ዓመታት ግን፡ ዓበይቲ ታሪኽውን ማሕበራውን ጽልዋታት ዝነበሮም ፍጻሜታት ተኸሲቶም ክንሶም፡ ኣብ ምስናዶምን ምትንታኖምን ዝተገብረ ጻዕሪ ግን ኣመና ውሑድ እዩ። ኣገዳስነትን ጽልዋን ናይዞም ታሪኻውያን ፍጻሜታት ካብዚ ዘለናዮ ግዜ ጀሚርካ ኣብ ዝመጽእ ወለዶታት ሃገርናን ሕብረተሰናን ዝንጸባረቕ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ብመልክዕ መጽሓፍ ተዳልዩ ናብ ህዝቢ ክበጽሕን፡ ኣንባቢ ድማ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ጠሚቱ፡ ክመሃረሉን ክካታዓሉን ዘኽእል ባይታ ምጥጣሕ ግቡእ ይምስለኒ።” እዛ መጽሓፍ፡ ብናይ ወጻኢ ሃገር ዜጋ ብኢንግሊዘኛ ዝተጻሕፈት እያ። ማርቲን ፕላውት፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ውሑዳት፡ ንፖለቲካዊ ጉዳያት ኤርትራ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ብቐረባ ዝተኸታተሉዎን ዘጽንዕዎን ዜጋታት ካልእ ሃገር እዩ። ከም ማርቲን ፕላውት ዝኣመስሉ ተመራመርቲ፡ ዘካየድዎም ዕሙቕ ዝበሉ መጽናዕትታት፡ ኣብ ርሑቕ ሃገር ኮይኖም ብትምህርትን ብክልሰ ሓሳባትን ካብ ዝረኸብዎ ፍልጠት ጥራይ ዝምንጩ ኣይኮነን። ማርቲን ፕላውት፡ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ብኣካል ናብ ኤርትራ ብምምጻእ፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ’ውን ከይተረፈ ናብ መዓስከራት ህዝባዊ ግንባር ብምብጻሕ ነቲ መሪሕነትን ነቲ ቃልስን ብቐረባ ዝተኸታተሉ ውልቀሰባት እዩ። ማርቲን ፕላውት፡ ከም ጋዜጤኛን ተመራማርን መጠን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ምስ ኢሳይያስን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባርን ሰፊሕ ቃለ መሕተት ዘካየደን’ውን እዩ። ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ብተመኩሮን ትምህርትን ዓሙቅ ፍልጠት ዘጥረዩ ጸሓፍቲ፡ ዝፈርዩ ምርምራዊ ስራሓት ካልእ ብልጫ’ውን ኣለዎም። ንሱ ድማ ንዝትንትንዎን ዘዳልውዎን ጽሑፋት ብሚዛናውን ዘይሻራውን ኣገባብ ንኸቕርብዎ ዝሓሸ ባይታ ስለዘለዎም እዩ። ኣብ ብዜጋታት ናይታ ታሪኻ ዝንገር ዘሎ ሃገር ዝዳለዉ ጽሑፋት፡ ኩሉ ግዜ እኳ እንተዘይተባህለ፡ መብዛሕትኡ እዋን ዝስተውዓሉ ጸገማት ኣለዉ። ገለ ገለ ደቂ ሃገር ጸሓፍቲ፡ ብወልቃዊ ረብሓን ባህጊ ስልጣንን ተደሪኾም ንገለ ክፋል ናይቲ ታሪኽ ኣመና ከጸልሙ ወይ ድማ ንኻልእ ክፋል ናይ ታሪኽ ካብ ዓቐኑ ንላዕሊ ከመላኽዑን ክውድሱን ይረኣዩ እዮም። ካልኦት ድማ ኣብ ልዕሊኦም፡ ቤተ ሰቦም ወይ ድማ ሕብረተ ሰቦም ዝኾነ በደል ምስ ዝፍጸም፡ ወይ ‘ተበዲልና ኢና’ ዝብል ስምዒት ምስ ዝህልዎም፡ ዘለዎም ውልቃዊ ጽልኢ ኣብቲ ዘቕርብዎ ጽሑፋት በጨቕ ከብልዎ ትዕዘብ። እዚ ድማ ነቲ ዓቢ ስእሊ ናይ ታሪኽ ዘይሚዛናዊ ዝኾነ ቅርጺ የትሕዞ። ብመንጽር’ዚ ክርአ እንከሎ እምበኣር፡ ፍልጠት ዘለዎም ዜጋታት ናይ ካልእ ሃገር ካብ ከምዚ ዓይነት ኣሉታዊ ጽልዋታት ብተዛማዲ ናጻ ኮይኖም፡ ካብ ሕሉፍ ጽልእን ፍርሕን ርሒቖም ዝጽሕፍዎ መጽሓፍቲ፡ ሚዛናዊ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ርድኢት ኣለኒ። ብርግጽ ድማ ማርቲን ፕላውት፡ ኣብ መብዛሕትኦም ክድህስሶም ዝፈተነ ኣርእስትታት ሚዛናውን ገለልተኛን ነይሩ ዝብል መደምደምታ እዩ ዘለኒ” ይብል ተርጓሚ በረኸት ዑቕበ። ኣብ ምዕራፍ 3፡ ኩርኳሕ ዘልዎ ምሕዝነት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ እቲ ውሳኔ ናይ ኮሚሽን ዶብ ከመይ ከምዝነበረን፡ ባድመ ብኸመይ መንገዲ ናብ ኤርትራ ከምዝተወሰነትን የዘንቱ። እቲ መስርሕ ከመይ ከምዝነበረ ብደቂቕ ዘዘንትዉ ብዙሓት ጽሑፋት ስለዘየለዉ፡ ኣብዛ መጽሓፍ ካብ ገጽ 43 ተበጊሰ ቅሩብ ንሎሚ ከንብበልኩም። “ኣብ ቤት ፍርዲ ሄግ ዝቆመት ኮሚሽን ዶብ፡ ዶብ ናይ ምምልካት ስራሕን ጎኒ ጎኒ እዚ ድማ ዝወረደ ዕንወትን ክትምርምር ሓላፍነት ተዋህባ። እዛ ናይ ዶብ ኮሚሽን ኣብ ሕጋዊ ናይ ዶብ ክርክራትን ምምልካትን ብዙሕ ኣፍልጦ ብዘለዎ ስሙይ ናይ ሕጊ በዓል ሞያ፡ ኤሊሁ ሎውተርፒክት(Sir Elihu Lauterpacht) ትምራሕ ነበረት። እዛ ሓሙሽተ ሰባት ዝኣባላታ ኮሚሽን፡ ብክልቲኦም ወገናት ንዝቐረበላ ጭብጥታት ድሕሪ ምቕባል፡ ነፍሲ ወከፍ ወገን በቲ ካልእ ወገን ንዝመጽእ ሕቶታት መልሲ ከምዝህብ ድሕሪ ምግባራ፡ ውጺኢት ናይቲ ዝትኻየደ ምርምርን ዳንነትን ብ13 ሚያዝያ 2002 ከምዝሕተም ገበረት። እቲ 125 ገጻትን ኣሰነይቲ ናይ ካርታ ስእልታትን ዝሓዘ ብይን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጥልያንን ኣብ 1900፡ 1902 ከምኡ ድማ 1908 ብዝተገብሩ ስምምዓት ዝተመርኮሰ እዩ ነይሩ። እቲ ብይን ድማ ቐያድን ይግባይ ዘይብሉን ከምዝኸውን ክልቲኦም ወገናት ኣቐዲሞም ተሰማሚዖም ነይሮም እዮም። እቶም ዝቐረቡ ናይ እጀታ መርትዖታት፡ ብዙሓትን ዝተጠናነጉን እኳ እንተነበሩ፡ እቶም ኣገደስቲ ነጥብታት ግን ኣብ ክልተ ሕቶታት ዘተኮሩ እዮም ነይሮም። ንሳቶም ድማ፡ እዞም መግዛእታዊ ስምምዓት ዘመልክትዎ እንታይ እዩ? እቲ ካልኣይ ድማ፡ ዝኾነ ወገን፡ ነዚ ናይ መግዛእታዊ ኣመለኻኽታ ክሓልፎን ከውድቖን ዝኽእል ሱር ዝሰደደ ሓያል ምምሕዳራዊ ባይታ ኣለዎ ድዩ የብሉን? ዝብላ እየን ነይረን። እቲ ናይ ዶብ ኮሚሽን ኣብ ዝሃቦ ብይን፡ እቲ 1902 ዝተገብረ ስምምዕ ነቲ ቀንዲ ኣከራኻሪ ዝነበረ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ናይቲ ዶብ (ባድመ እትርከበሉ ቦታታት) ክምልስ ከምዝኽእል እዩ። እቲ እንግሊዝ’ውን ዝተሳፈትሉ ውዕል 1902 (ንሱዳን ትገዝኣሉ ስለዝነበረት ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ድማ ክንጸር ስለዝነበሮ)፡ ሓንቲ ዓንቀጽ (ዓንቀጽ ቁ.3) ከምዚ ትብል ነበረት “ብሄረ ኩናማ ናይ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ መሬት ብሄረ ኩናማ ናብ ኤርትራ ብዘእቱ መንገዲ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይተሓንጽጽ።” ካብዛ ንጽል ዓንቀጽ ብምብጋስ እቲ ኮሚሽን ዶብ ባድመ ብሓቂ መሬት ኤርትራ ከምዝኾነ ወሰነ። ካብዚ ቀጺሉ እቲ ኮሚሽን ዶብ “ዋላ’ኳ ብመግዛእታዊ ውዕላት መሰረት ኣይትዋሃበኒ፡ ንነዊሕ እዋን ከመሓድራ ስለዝጸናሕኩ ብግብሪስ እጀታይ እያ” ዝብል ናይ ኢትዮጵያ ክርክር ኣብ ምምርማር እዩ ኣትዩ። ነዚ ምፍታሕ ንኽጥዕም ዝመርመርዎ ጭብጥታት ከም ምእካብ ግብሪ፡ ዝተደኮነት መባእታዊት ቤት ትምሀርቲ፡ ዝዓነወ ናይ ዕጣን ኣግራብ ካልኦት ብምምርማር “እቲ ብኢትዮጵያ ዝተባህለ ብምምሕዳራዊ ምኽንያት ኣብ ትሕተይ ስለዝጸንሐት ዝብል መርገጺ፡ ነቲ ንኤርትራ ብመግዛእታዊ ውዕላት ተዋሂቡ፡ ብ1935 ዘጸንዐ መሰል ክስዕሮ ዝኽእል ሓይሊ የብሉን” ዝብል እዩ ዝነበረ። እቲ ውሳኔ’ዚ ብሩህ እዩ ዝነበረ። ብርግጽ እታ ነዚ ዝስኣለት ናይ ሕጊ ጉጅለ’ውን እንተኾነት፡ እቲ ጉዳይ ከም ሓቒቕ ንጹር ከምዝነበረ እያ ትገልጽ። ሕማቅ ዕድል ኮይኑ ግን፡ እቲ ኮሚሽን ጎኒ ጎኒ ናይዚ ውሳነ ዝኸይድ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ናይ ባድመ ኣብ ካርታ ኣየንበረን። እቲ ኮሚሽን ዝገበሮ ነገር እንተደኣ ነይሩ፡ እቲ ናይ ዶብ መስመራት ዝስኣለሉ መማእዘኒ ነጥብታት ጥራይ ምቕማጥ እዩ። ባድመ ኣብቲ ካርታ ዘየተመልከተትሉ ምኽንያት ግን ብዙሕ ትንተናታት ከለዓዕል ዝኽእል ዘይንጹር ጉዳይ እዩ። ኣገዳስነት ናይታ ዓዲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዓቢ እዩ ነይሩ። ሓድሽ መስመራዊ ዶብ ኣበይ ይሕንጸጽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ባድመ ኣበይ ከምዝዓለበት ምፍላጥ’ውን ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ ባድመ ዝወሰደ ወገን፡ ኩናት ምስተወልዐ ንሕና ልኡላዊ መሬትና ንኸይውረር ኢና ንከላኸል ኔርና ናይ ምባል ሞራላዊ ብቕዓት ክህልዎ ስለዝኾነ። ምናልባት እቶም ደያኑ እዚ መሪር ሓቂ ብጥሪኡ ንኢትዮጵያ ከርድእዋ ኣይደለዩን ይኾኑ። ከምዚ ብምግባሮም ግን ከይተረድኦም ካልእ ዘይተፈትሐ ግድል እዮም ፈጢሮም። እቲ ብይን ክወሃብ ከሎ፡ ክልቲአን ሃገራት ነናተን ናይ ሕጊ ኣማኸርትን ወከልትን ኣብ ሄግ ነበርወን። ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ዝተላእኩ ተዓዘብቲ’ውን ነበሩ። ሓደ ላዕለዋይ ናይ ሕቡራት ሃገራት በዓል መዚ ከምዝበሎ፡ እቶም ተዓዘብቲ ነቲ ዝተዋህበ ኣመና ነዊሕ ፍርዳዊ ውሳኔታት ከጽንዕዎ ብዙሕ ግዜ ኣይነበሮምን። ካብቶም ናይ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣባላት ሓደ ተዓዛቢ፡ እቲ ውጽኢት ምስ ተዋህበ ብቕልጡፍ ምስ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ፡ ኦማራ ኤሲ፡ ተራኺቡ ብዛዕባ ዝርዝራት ንኽሕብሮ ተነጊርዎ ነበረ። ስለዚ’ዩ እምበኣር እቲ ብይን ንህዝቢ ምስ ተነግረ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ናብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ናይ ኢ-መይል መልእኽቲ ዝተላእከ። እቲ መልእኽቲ ድማ ብዛዕባ’ቲ ብይን እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ነበሮ፡ “ብዛዕባ ምዕራባዊ ሸነኽ ናይቲ ዶብ፡ እቲ ናይ ዶብ መመልከቲ መስመር፡ ከምቲ ኤርትራ ዝበለቶ እዩ ክኸውን። እዚ ድማ እቲ ነቲ ናይ ኤርትራን ሱዳንን ዶብ ተኸቲሉ፡ ብሩባ መረብ ጌሩ ናብ ሰቲት ቁ.6 ይወርድ ካብኡ ትኽ ኢሉ ናብ ማይ ኣምበሳ ቁ.9 ይኸይድ። እዚ ድማ ነቲ ዝነበረ መግዛእታዊ ዶባት ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ባድመ ድማ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ትቕጽል።” ውጽኢት ናይዚ ድማ ዓቢ ናይ ሓጎስ ፈንጠዝያ ነበረ። ናይ ኢትዮጵያ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር፡ ስዮም መስፈን፡ እዚ ዓቢ ብስራት ንኽነገር ጋዜጤኛታት ጸውዐ። ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝተጸውዐ ዋዕላ ናይ ጋዜጤኛትታ ዝውጽእዎ ወግዓዊ ጽሑፍ ከምዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ነበሮ፡ “ብጣቕዒት ዝተሰነየ ጋዜጣዊ መግለጺ ዳርጋ ሳሕቲ እዩ ዝርአ። ኣብቲ ስዩም መስፍን ብቐዳም መዓልቲ፡ ዝሃቦ መግለጺ ግን ጋዜጤኛታት ኣእዳዎም ዓሚኾም ናብ ኣየር እንዳሰደዱን እንዳኣጣቕዑን ናይ ዓወት መግለጺ ይቕበሉ ነበሩ። ስዩም መስፍን ድማ፡ መንግስቲ ዝሓተቶም ኩሎም ቦታታት፡ ናይ ኢትዮጵያ ልኡላዊ መሬት ኮይኖም ብቤት ፍርዲ ከም ዝተዋህቦም ነገረ። ወጅሃት ስዩም መስፍን ካብ ምርባሽን ጠቐናን ዝተገላገለ፡ ናጻ ምዃኑ ዘርኢ ስምዒት ይንበቦ ነበረ። ድሕሪ’ቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኩሎም ጋዜጤኛታት ናይ መግብን መስተን እንግዶት ተገብረሎም። ኣብ ከተማ ድማ ኩሉ ህዝቢ ናይ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት መግለጺ ክሰምዕ ምስ ተለቭዝንን ራድዮን ተጸጊዑ ነበረ።” ብዛዕባ ሕቶ ናይ ባድመ፡ እቲ ሚኒስተር ከምዚ ኢሉ ንጋዜጤኛታት ሓበሮም “ልዕልና ሕጊ፡ ንናይ ጫካ ሕጊ ስዒሩ ወጽዩ። እዚ ብይን’ዚ ኤርትራ ነቲ ብሓይሊ ክትወስዶ ሓሲባ ዝነበረት ቦታታት ከምዘይግብኣ ነጊሩና’ሎ። እቲ ውሳኔ ሕጋውን ርትዓውን እዩ ነይሩ። ከምቲ ኮሚሽን ወሲንዎ ዘሎ እቲ ኤርትራ ብግንቦት 1998፡ ብሓይላ ወሪራ ዝሓዘቶ ባድመን ከባቢኡን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣሎ።” እዚ ምስ ሰምዑ እቶም ጋዜጤኛታት ካብ ዝነበርዎ ብምትንሳእ፡ ብዕልልታን ጨብጨባን ሓጎሶም ገለጹ። ኤርትራ ነቲ ዜና ብህድእ ዝበለ መንፈስ እያ ተቐቢላቶ። ነቲ ብኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺታት “ዝተጋነን ዓዶኽዶኽ ዝበዝሖን” ኢላ ብምውጋዝ፡ ህዝቢ ኤርትራ ተዓዊቱ ከምዝወጸ ጥራይ ገለጸት። እሞ መን ድኣ እዩ ሓቀኛ ዝነበረ? ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት፡ ሓደ ኣብ ቤትጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሕ ሰብ ኢትዮጵያውያን ጌጋ ዝኾነ ኣተረጓጉማ ሒዞም ከምዘለው ሓበረኒ። ሕቡራት ሃገራት፡ ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህቡ መማእዘኒ (co-ordinates) ነጥብታት ጌራ ካርታ ምስ ተወከሰት፡ ባድመ ብዘየጠራጥር መገዲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዘላ ገለጸለይ። ነቲ ዝተዋህበ ብይን ብጥንቓቐ ምስ ተዓዘብክዎ፡ ስዮም መስፍን ሒዝዎ ዘሎ ርድኢት ጉጉይ ምዃኑ በርሃለይ። እቲ ዶብ ተበይንሉ ዘሎ ኣገባብ፡ ክልቲአን ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብቲ ይግብኣና እዩ ዝብልኦ ዝወሰድኦን ዝተወስደንን መሬት ኣሎ። ብዛዕባ እታ ከም መበገሲት ናይዚ ኹሉ ኩናት ዝኾነት ኣካታዒት ቁሸት ባድመ ግን ብንጹር ንኤርትራ እያ ተዋሂባ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ፈንጠዝያ መጀመርያ ናብ ዘይምእማን ድሓር ግን ናብ ሕርቓን ተቐየረ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንናይ ሓበሬታ ሚኒስተሩ ናብ ለንደን ብምልኣኽ፡ እቲ ኣነ ኣብ BBC ዝሃብክዎ ጸብጻብ ንኽሳሓብ ንላዕለዋይ ምምሕዳር BBC ሓተተ። BBC ነዚ ሕቶ ነጸግዎ፡ ብዙሓት ምህራት ድማ ነቲ ናተይ ኣተረጓጉማ ደገፍዎ። ዋላ’ኳ ካልኦት ኣብ ዶባት ዝርከባ ዓድታት ንኢትዮጵያ እንተተዋህባ፡ ባድመ ግን ብንጹርን ዘይካትዕን መገዲ ንኤርትራ ተዋህበት።