About the book

ሓዳስ መጽሓፍ፡ ቀሺ ዶር ተኽለኣብ

· ኣርእስቲ መጽሓፍ፡ "ቃል ኪዳን ኣብ ግብራዊ ናብራ"
· ሕትመት፡ 2025
· ብዝሒ ገጽ፡ ዋና ትሕዝቶ 343 (መቕድም፡ መእተዊ፡ . . . ወሲኽካ 353 ገጻት)
· ኣሕታሚ፡ ሰማያት መሸጣ መጻሕፍቲ
· ኣዳላዊት፡ ወ/ሮ ዉቤ ሰሎሞን

ቅድመ-መእተዊ

ቀሺ ዶክተር ተኽልኣብ መንግስትኣብ መጽሓፍ ጽሒፉ. . . መን’ዩ ንንባብ ዘይህወኽ! 
ኣብ በዅሪ ሕታም መጽሔት መገዲ ህይወት፡ ብዓልቲ ቤት ዶክተር ተኽለኣብ፡ ወ/ሮ ዉቤ ሰሎሞን፡ ንቐሺ ዶር ተኽልኣብ ክትገልጾ ከላ፡ ”ተንቀሳቓሲ መጽሓፍ ቅዱስ” ዝብል ቅጽላዊ መግለጺ እያ ተጠቂማ። ስብከታትን ጽሑፋትን ዶክተር ተኸለኣብ ድማ ነዚ ብዓልቲ ቤቱ ዝመስከረቶ ብህሎ እዮም ዝድርዑ።

መእተዊ

መጽሓፍ፡ ”ቃል-ኪዳን ኣብ ግብራዊ ናብራ” ሰለስተ ዓበይቲ ክፍልታት ዝጠመረት፡ መሃሪትን መወከሲትን መጽሓፍ ምዃና ምስክርነተይ ብምሃብ እጅምር ኣለኹ። ሰብ ሓዳር፡ ሕጹያት፡ መምህራን፡ ኮታ ቃል-ኣምላኻዊ ዝዀነ ቃል-ኪዳናዊ ናብራ ክነብር’የ ዝብል ክርስቲያን ዘበለ ኵሉ፡ ኣበየናይ ቤተ እምነት ኣሎ ብዘየገድስ፡ ብግዲ ክነባን ክመሃረላን ዘሎዎ መጽሓፍ ምዃና፡ ደጊመን ደጋጊመን እላቦ። ብርግጽ ክትከስቡ ኢኹም!

ሓፈሻዊ ሌላ እቶም ሰለስተ ክፍልታት እዛ መጽሓፍ

184 ገጻት ዝሸፈነ ቀዳማይ ክፋል እዛ መጽሓፍ፡ ”ዕላማታት ኣምላኽ ኣብ ስድራቤት” ብዝብል ኣርእስቲ’ዩ ተዳልዩ ዘሎ። ቀዳማይ ዕላማ፡ ንሕናን ናብራንን ንኣምላኽ ክንመስል ዝብል ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ዕላማ ድማ፡ መጻምድቲ ኣብ ሓድሕዶም፡ መጻምድቲ ምስ ውሉዶም፡ ከምኡ’ውን መጻምድቲ ምስ ካልኦት ዝዋስኡል ኣማእዘንቲ ጥበባት እዮም። ገለ ካብቲ ኣብዚ ክፍሊ’ዚ ዝርከቡ ብህሎታት እንሆ፦
  • ብቑዕ ደጋፊ ንምዃን እምበር፡ ብቑዕ ተደጋፊ ንምዃን ናብ መውስቦ ኣይእቶን’ዩ (ገጽ 23)
  • ንመሰልካ መስዋእቲ ምግባር፡ ክርስቶሳዊ ባህርይ ክኸውን ከሎ፡ ምእንቲ ረብሓኻ ኢልካ ንኺዳንካን መጻምድትኻን መስዋእቲ ምግባር ድማ፡ ሰይጣናዊ ባህርይ እዩ (ገጽ 37)
  • ድኻም መጻምድቶም ርእዮም ”ኣየደልዮን’የ” ዝብሉ፡ ማእለያ ዘይብሉ ድኻም ከም ዘሎዎም ዝረስዑ ዕዉራት ጥራይ እዮም (ገጽ 61)
ናብቲ 97 ብዝሒ ገጻት ዝሓዘን፡ ”ቅድስና፡ ቅዲ ህይወት መውስቦ” ብዝብል ኣርእስቲ እተሰምየን፡ ካልኣይ ክፋል ንስገር። ነዚ ክፍሊ እዚ፡ እስር ጥምር ኣቢሉ ከቕርበልና ዝኽእል ሓሳብ፡ ኣብ ገጽ 203 ከምዚ ዝብል ንረክብ ”ሓዳር ከምቲ ሓድነት እግዚኣብሄር ብምንጽብራቕ ከተገልግል ዝቘመት፡ ከምኡ ድማ ቅድስና እግዚኣብሄር ብምንጽብራቕ ከተገልግል ዝቖመት’ውን እያ።” ነዚ ሓሳብ እዚ ዝድርዕ ካልእ ብህሎ ድማ፡ ኣብ ገጽ 233 ”ንሓዳር ዝምጥነካ መጻምድቲ ንምርካብ ብዝብል ጕልባብ፡ ቅድሚ መርዓ ተኣኻኺብካ ብሓደ ምንባር ዝብል ርኹስ ጸወታ፡ ኣብ ሕብረተሰብና፡ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ እናገነነ ይኸይድ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። ነቲ ቕዱስ መውስቦ ብምንዝርናዊ ፈተና ኽትመዝኖ ኣይከኣልን’ዩ።”
ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል እዛ መጽሓፍ፡ ”ውሉድ፡ ውህበት እግዚኣብሄርን ገንዘብ ሕድርን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ 58 ገጻት ዘሎዎ ድማ እዩ። ገለ ብህሎታት ናይዚ ኽፍሊ ንምምልካት፦
  • ቃል እግዚኣብሄር ንደቅኻ ምምሃር፡ ምርጫ ዘይኰነስ ግዴታ እዩ (ገጽ 302)
  • ቤተ ክርስቲያን፡ እተን ንዓኣ ዘቖማ ስድራቤታት፡ ሳሙኤል እምበር ደቂ ብልያን የፍርያ ከም ዘየለዋ ከተረጋግጽ፡ ሓላፍነታ እዩ (ገጽ 317)
  • ቈልዓ ብዝበደለ መጠን እናደራዕካን እናጠፍጠፍካን፡ ከም ከልቢ እናነባሕካ ከም ነብሪ ዓይንኻ ኣፍጢጥካ እናተቘጣዕካ ክትእርሞ እንተፈተንካ፡ ከተዕንዎ ኢኻ (ገጽ 333)
ብዓልቲ ቤት ቀሺ ዶር ተኽለኣብ መንግስትኣን፡ ወ/ሮ ዉቤ ሰሎሞን፡ ኣብ መቕድም እዛ መጽሓፍ፡ ”እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣዝዩ ግብራዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብቲ ሓጺር ናይ ሓዳር ዓመታቱ’ውን ብግብሪ ዘመስከሮ ምዃኑ ባዕለይ ዝምስክሮ’ዩ” ብምባል፡ ንግብራውነቱ ኣውሒሳትልና’ላ።

ዝዓበየ ድኻም እዛ መጽሓፍ

ንጽሑፋት ቀሺ ዶር ተኽለኣብ ኣብ ሓንቲ ሼላ፡ ኣብ ሓንቲ ቤት፡ ኣብ ሓንቲ ከተማ ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ክትዕሽጎ ዝከኣል ኣይኰነን። ጽሑፋቱን ስብከታቱን፡ ቃል-ኣምላኻዊ ሓቂ ዝሰነቑ፡ ኣድማሳውያን እዮም። እዚ ቅዲ’ዚ ድማ፡ ኣብ ኵሉ ስብከታቱ ይኹን ኣብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝወጹ ኵሎም ጽሑፋቱ (መጽሓፍቲ፡ መጽሔታት ወዘተ) መለለዪኡ ኰይኖም ተወቂጦም’ዮም። እዚ ክትንከፍ ዘይነበሮ ሓርነት እዚ፡ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ተተንኪፉ’ሎ። ኣይደገም!!