About the book

ባህጊ ልብ ወለድ ዛንታ ብተስፋጊዮርጊስ ሃብተ ባህጊ፡ ፍሉይ ተውህቦ ዘለዋ ጓል ኰይና፡ ኣቦኣ – ደራሲ ኣስመሮም – ባህግታታን ሕልምታታን ክዉን ንምግባሮም የተባብዓ። ልክዕ ከም ብዙሓት ነጻ ዝኣተሓሳስባኦም ሰባት ብዓይኒ ጥርጣረ ተራእዮም ንማእሰርቲ ዝቃልዑዎ፡ ንሱ’ውን ዕጫኦም ይገጥሞ። ኣስመሮም፡ ምስ ስድራኡ ርክብ ዝፈጥረሉ ኣገባት ብምፍጣር፡ ዛንታታት ኣጽሊቝ ንምውጻእ ድማ ይዕወት። ‘ሕልሚ ኣሎካ’ዶ፧’ ዝብል ሕቶ፡ ሕመረት ትረኻ’ዛ ልብ ወለድ…

ባህጊ ብተስፋጊዮርጊስ ሃብተ፣ ኣሕታሚ እምኩሉ፣ ዓመተ ሕትመት 2019፣

ብተስፋጊዮርጊስ ሃብተ ተደሪሳ ብኣሕታሚ እምኩሉ እትዝርጋሕ ዘላ ልብ-ወለዳዊት መጽሓፍ ባህጊ᎓ ኣንፈት ንሰናይትንሳኤ ነቲ ኣብ ምንቍልቋል ዝርከብ ሕትመት መጽሓፍቲ (ብቐንዱ ከኣ ናይ ኤርትራ)፣ ትስፉው ጠመተ ነቲ ኣብ ስደት እግሪ ብዘይተኸሉ ጸሓፍቲ ዝካይደ ዘሎ ምብርባር ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ፣ ብቐንዱ ከኣ ዓቢ ሰነድ ነቲ ብሰንኪ ሕሱም መድሃኽቲ ምልኪ ዝካይድ ዘሎ ኵሉንትናዊ ሕብረተሰባዊ ሃስያ’ያ። መጽሓፍ ባህጊ ኣብ ህሉዊ ግዜ᎓ ኣብ ኤርትራ ዝተደኰነት ዛንታ ሓንቲ ስድራ ኢያ። ብስም’ታ ብልሂ ቦኽሪ ጓል-ኣንስተይቲ’ቲ ስድራቤት ኣስመሮም ኣቢላ ከኣ ንሓያሎ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥሙ ተርእዮታት ትተናኽፍ። ኣብ ሕቝፎ ክልተ ወለዲ ሳባን ኣስመሮምን ማሚቛ ዝነበረት ስድራቤት ድማ ብሰንኪ ሃንደበታዊ ማእሰርቲ–ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዝግደስን ዝነጥፍን ኣስመሮም–ሰለሎ ክኣትዋ እዛ መጽሓፍ ኣጕሊሓ ተርኢ። ብበይኖም ፈትሊ ዛንታታት–ማለት ሓንሳብ ብመንጽር ኣስመሮ᎓ ካልእ ግዜ ብመንጽር’ታ ንምእላዮም ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ዝተደርበየት ሳባ᎓ ወይ ድማ ብዅርናዕ’ታ ኣብ ትምህርታ ርኡይ ምምዝባል ዘርኣየት ባህጊ–ኣቢላ ከኣ ተዘንቱ። እዛ መጽሓፍ “ሕጂ’ኸ እንታይ ክስዕብ’ዩ?” ንዝሕመረት ኣብ ምንጥልጣል ልቢ ኣንባቢ ዝምርኰስ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ጐስያ᎓ ብቐንዱ ኣብቲ በብእዋኑ ዘንቈልቍል ዘሎ ደቀቕቲ መሰል መላግቦ ፈትልታት ሕብረተሰብ’ያ እተድህብ። ስለዝዀነ ከኣ’ዩ ሓያሎ᎓ ብሰንኪ’ቲ ተደራራቢ ሕሰም ንቡርነት ክሕዙ ጀሚሮም ንዘለዉ ተርእዮታት ብሓድሽ ኵርናዕ ክትፍትሽ እትፍትን። ፍቕሪ ሞያ፣ ብሕልፊ ከኣ ምንቍልቋል’ቶም ኣብ ወሳኒ ቍልፊ ሕብረተሰብ ዝርከቡ መምሃራን᎓ ኣብዛ ዛንታ ካብቲ ኣዝዩ ጐሊሑ ዝርአ’ዩ። መምህራን ጥራይ ዘየኰኑስ ካልኦት ከምእኒ ኣስመሮም ንሞያኦም ብዕቱብ ዝርእዩን ንሕብረተሰብ ከማእዝኑ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ትጽቢት ዝገበሮም ሞያውያን ብሰንኪ ዘጓንፎም ተደጋጋሚ ተጻብኦታት ኣንፈቶም ክስሕቱ፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ እቲ ሕብረተሰብ ክቝንቍን ከኣ ብጽቡቕ ተንጸባርቕ። ክንድ’ቲ ክዀኖ ዝነበሮ ዓሚቝ ኣቓልቦን ዝርዝርን ዝረኸበ መሲሉ ደኣ ኣይተሰምዓንን እምበር᎓ ኣስመሮም ክግምቶ ብዘይክእል መገዲ᎓ ብወተሃደራት ተዓፊኑ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ተኣስረ ዘሎ ዛንታን ባህሪ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራን’ውን ብጽቡቕ ሰኒዳ ኣላ። ካብቲ ኣብ ኤርትራ ንቡር ኰይኑ ዘሎ ዘይንቡር፤ መንነትካን ከየርኣኻ ገዛ ሰባት ምፍታሽን እንኮላይ ብተፈታሺ ዝዀነ ሕቶ ዘይምቕራብን፣ “ገለ እንተ ዘይረኽቡሉ’ዶ ምተኣስረ” ዝብል በቶም እሱራት’ውን ከይተረፈ ከም ቅቡል ዝውሰድ ዘሎ ልምዲ፣ “እንታይ ጌርካ ኢኻ ተኣሲርካ?” ዝብል ስግንጢር ሕቶታት መርመርቲ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ፣ እሱራት ንብረቶም ክጥርንፉ ምስ ዝሕተቱ ኣብ መንጐ “ናጻ” ክልቀቑን ናብ ዝገደደ ማእሰርቲ (እንኮላይ ምቕታል) ክፈልዩሉ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ፣ ኣብ ጸልማት ዓፊንካ ምእሳርን ምፍታሕን ወዘተ. ገለ ካብቶም ዝመሰጡኒ ወገናት’ዮም። ሳባ በዓልቤት ሃንደበት ምስ ተኣስረ᎓ ደቃ ንምእላይ ኣብ እትገብሮ ሓርኰትኰት᎓ ሕማቕ ንዘጓነፎም ወገን ክሕግዙ ዝጓይዩ የዕሩኽን ኣስራሕቲን በቲ ሓደ ወገን᎓ ንዅነታት መዝሚዞም ኣብ ጾታዊ ዓመጽ ዝደፍኡ ድማ በቲ ካልእ ከኣ ጽቡቕ ኣርእያ ኣላ። መጽሓፍ ባህጊ እንተስ ብጽሑፋት ካብ ማእሰርቲ ዝስደዱ ዝነበሩ ወይ ድማ ካልእ ኣጋጣሚታት ኣቢላ’ውን ነቲ ብዘመናውነት ዝጸሎ ልምድታት ኣብ ምልላያን ምዕቃብን ጽቡቕ ግደ ኣለዋ። ብኻልእ ጠመተ-ኵርናዕ ክትንተን ከሎ᎓ እቲ ብተርታን ውህሉል ነጥቢን ጥራይ ዝመዝምን ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ደጊመ ንኽፍትሾ’ውን ሓጊዛትኒ። ብቐንዱ ከኣ ነቲ ኵሉ ኣደራዕ ተሰኪመን ክምህ’ውን ከይበላን ደቀን ከይጃጅዉ’ሞ ካብ መሳቱኦም ከምተርፉ ሕጕስ ገጽ ንምርኣይ ዝቃለሳ ዘለዋ ኣደታት ኤርትራ ዓባይ ህያብ’ያ። ነቲ ዛንታ የንብበሉ ኣብ ዝነበርኩ እዋን ንዋሕዚ ንባበይ ሰግ ዘበለኒ በበይኖም ፍንጫላት ግን ኣይተሳእኑን። እቲ ዛንታ ብኣዝዩ ትኽ ዝብለ መስርዕን ሕጕስ መዛዘሚ ዝውዳእ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ምኽታሉ ምናልባት’ዶ ኾን ምስ’ዚ ዘሎ ቅዲ ኣዘናትዋ ዘመናውያን ጸሓፍቲ ንምኻድ ብመጠኑስ ገለ ለውጢ’ዶ መድለዮ ኣቢሉኒ። ካብ ኣስመሮም ናብ ደቁ ዝጸሓፍ ኣዝዩ ነዊሕ ዛንታታት ከምእኒ “ዛንታ ኣዮ”ን “ሓድጊ ኣቦይ ሓድጉ”ን’ውን ነቲ ዋሕዚ ኣብ ምሽማውን ፈትሊ ዛንታ ኣብ ምእላይን ኣሉታዊ ተራ ዝተጻወት ይመስል። እዚ ኰይኑ ግን ኣብ ምልከት ቋንቋ᎓ ቅጥዒ መጽሓፍን ባህጊ ተነባብነት ዝደፍእ’ዩ። እዛ መጽሓፍ ኣንጻር’ቲ ኵሉ ተጻብኦታት ማለት ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ሕጂ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ኰይኑ ታሪኹ ክጸዊን ክጽሕፍን ዕድል ዝረኸበ ደራሲ ተስፋጊዮርጊስ ሃብተ፣ ንሱ’ውን ኣብ ስደት ዝርከብ ገበር ስእሊ ዝገበረ ስነ-ጥበበኛ ኤርሚያስ ዑቝበ፣ ከምኡ’ውን እግሩ ኣብ ዘይተኸለሉ ነዚ ኣሕታሚ ትካል እምኩሉ ዝምስርት ዘሎ ቴድሮስ ኣብርሃም ህያው ምስክር ናይቲ ዝካይድ ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ዓመጽ’ያ። Abraham Tesfaluel