About the book

መእተዊ ኤርትራ፡ ከም ሃገር ካብ ትቐውም፡ ልዕሊ 130 ዓመታት ኣቚጺራ ኣላ። ኣብዚ ናይ ልዕሊ ሓደ ዘመን ዕድመኣ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታትን መዳያት ህይወትን ዓቢ ኣበርክቶን ቁምነገርን ዝገበሩ፡ ካብ ፍረ-ማህጸና ዝፈረዩ ብዙሓት ጀጋኑ ኣለውዋ። እቶም ቅድሚ ከም ሃገር ምቛማ ዝነበሩ ጀጋኑኣ ምስ እንውስኸሎም ድማ፡ እቲ ቊጽሪ ኣዝዩ ከም ዝበዝሕ ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ቅያን ጅግንነትን ደቃ፡ ከምቲ ብዝሑን ዓይነቱን፡ ዳርጋ ብኣፈ ታሪኽ እንተ ዘይኮይኑ፡ ብኸምቲ ዝድለ መጠን፡ ብጽሑፍን ካልእ ውሑስ መንገድን ይስነድ የለን። ህሉዋትን መጻእትን ወለዶታት ድማ፡ ብቐሊሉ ከም ዝረኽብዎ ንምግባር ዝኻየድ ዘሎ ጻዕርታት ዘዕግብ ኣይኮነን። እዚ፡ ከም ሓደ ዜጋ ከተሓሳስበኒ ካብ ዝጅምር፡ ልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ኣቚጺሩ ኣሎ። እዚ ሻቕሎት’ዚ፡ ኣብ በይነይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ዘሎ ሻቕሎት ምዃኑ፡ ጥርጣረ የብለይን። እዚ ዕማም ምስናድ፡ ሓላፍነት ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ምዃኑ ስለ ዝኣምን ድማ፡ ካብ ናብ ካልኦት “ከምዚ ዘይገብሩ” ኢለ ኢደይ ዘወጣውጥ፡ ቅድም፡ እቲ ብዓቕመይ ክገብሮ ዝኽእል ንኽገብር ተበግሶታት ክወስድ ጸኒሐ። ኣብ 2015፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ስነ-ጥበብ፡ ትምህርቲ፡ ሃይማኖት . . . ወዘተ ዝኣመሰሉ ዓውድታት፡ ዓበይቲ ኣበርክቶታት ገይሮም ናይ ዝሓለፉ ጀጋኑ ኤርትራውያን ታሪኽ ዝስነደሉ፡ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ከፊተ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ መርበብ’ዚ፡ ኤርትራውያን ምስ ጀጋኑኦም ንኽላለዩን፡ ብዛዕባ ቅያታቶም ብነጻ ዘንብብሉ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣርን እዩ። ኣብዚ ብ www.emnetu.com ዝፍለጥ መርበብ ሓበሬታ፡ ናይ ልዕሊ ሰላሳ ኤርትራውያን ሰብ-ቅያ፡ ታሪኽ ህይወት ክምዝግብ ክኢለ ኣለኹ። ብዙሓት ድማ፡ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣትዮም ከንብቡ በቒዖም ኣለዉ። እንተኾነ፡ ገለ ሰባት፡ ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ሰነዳት ብሰንኪ ሕጽረት ቋንቋ እንግሊዝ ይኹን፡ ካልእ ቴክኒካዊ ጸገማት፡ ብኣድማዕነት ክጥቀምሉ ከም ዝጽገሙ፡ መልሰ-ዕንጋሎ ክመጽኣኒ ጸኒሑ ። ነዚ ሕጽረታትን ሃጓፋትን ንምምላእ፡ ከም ተወሳኺ፡ ብመልክዕ መጽሓፍ፡ ታሪኽ ህይወት ጀጋኑ ከሕትም ጀሚረ ኣለኹ። ከም መቐጸልታኡ ድማ፡ እዛ “ታሪኽ ህይወት ዶ/ር እምባየ ወልደማርያም” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብቛንቋታት ትግርኛን እንግሊዝን አሕትማ ኣለኹ። ናይ ዶ/ር እምባየ ወልደማርያም ታሪኽ ፍሉይ እዩ። እዚ ሰብ’ዚ፡ ኣብ መወዳእታ ዕስራታት፡ ሕብረተሰብና ብዛዕባ ትምህርቲ ኣዝዩ ትሑት ንቕሓት ኣብ ዝነበሮ ግዜ፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ፡ ብማዕረግ ዶክቶር ዝተመረቐ’ዩ ነይሩ። በዚ ሞያኡ ድማ፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ኢትዮጵያ፡ መሰረት ዘመናዊ ቅዋምን ሕጊን ዘንጸፈላ፡ ኣባል’ተን ዓበይቲ ኣህጉራውያን ውድባት (ውሕሃ፡ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ. . .) ንኽትከውን ዘኽኣላ ዜጋና እዩ። እንተኾነ፡ ኢትዮጵያውያን ገዛእቲ፡ ኤርትራዊ ብምዃኑ ጥራይ፡ ታሪኹ ምስኡ ከም ዝቕበርን ፈጺሙ ከምዝስወርን’ዮም ገይሮሞ ጸኒሖም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ብዘይካ ናይ ቀረባ ፈለጥቱን ስድራቤቱን፡ ዝበዝሕ ሰብ፡ ብዛዕባ ሞያን መንፍዓትን ዶ/ር እምባየ ኣይፈልጥን እዩ። ነዚ ጥልመትን ክፋእን ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንምኽሻሕን፡ ታሪኹ ደጊሙ ከም ዝደምቕን ንምግባር ድማ፡ ብዛዕብኡ ሓበሬታ ካብ ዝረኸብክሉ እዋን፡ ታሪኹ ብመልክዕ መጽሓፍ ንምሕታሙ ተንቀሳቂሰ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ታሪኽ ህይወት ናይ ዝሓለፉ ጀጋኑ ምጽሓፍ ቀሊል ኣይኮነን። ብፍላይ ናይቶም ቀዳሞት፡ መወከሲ ጽሑፋት ምርካብ ከቢድ እዩ። እቶም ከዘንትዉ ዝኽእሉ ቀዳሞት፡ ዝበዝሑ ሓሊፎም እዮም። እቶም ዝርካቦም ብህይወት ዘለዉ’ውን፡ ናይ ምዝካር ዓቕሞም ተዳኺሙ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ዕለታዊ-መዝገብ (diary) ናይ ምጽሓፍን ምዕቃብን ልምድና ድኹም ብምዃኑ፡ ነቲ ዕማም መሊሱ የካብዶ። ልዕሊ ኹሉ ከኣ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምን ሰነዳትን ዶ/ር እምባየ፡ ኮነ ኢሉ ብምስዋሩ፡ ታሪኹ ብምሉእነት ንምርካብ ኣጸጋሚ ገይርዎ። ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ ግን፡ ካብ ብሎጋት ኢንተርነት፡ ካብ ስድራቤቱን ናይ ቀረባ ፈለጥቱን፡ መበገሲ ሓበሬታ ብምርካበይ፡ ነዛ መጽሓፍ ከሕትማ በቒዐ ኣለኹ። እዛ መጽሓፍ፡ ብቐንዱ ናብቲ መንእሰይን መጻኢ ወለዶን ዝዓለመት እያ። ብፍላይ፡ እቶም ኣብ ደገ ዝዓብዩ ዘለዉ ደቅና፡ ነቲ ብዛዕባ ሃገሮም ዘለዎም ድሩት ኣፍልጦ ንምስፋሕ ዝዓለመ ትሕዝቶታት ኣትዩዋ ኣሎ። ሓደ ካብኡ፡ ነታ ዶ/ር እምባየ ዝዓበየላ ከተማ ከረን ዘላሊ፡ ጽሑፋትን ስእልታትን ዝሓዘ ምዕራፋት ከም እተካትት ተገይሩ ኣሎ። እቲ ኣብ ቤቱ ዝነበረ ሰነዳት፡ ድሕሪ ሕልፈቱ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ እተወሰደ፡ እቲ ክርከብ ዝተኻእለ ጥራሕ’ዩ፡ ኣብዚ መጽሓፍ ኣትዩ ዘሎ። ካልእ’ውን፡ እቲ ንሱ ኣብ ምንዳፉን ምጽዳቑን ዝተሳተፈሉ ሃገራውን ኣህጉራዊ ሰነዳት (ቅዋም ኢትዮጵያ 1931፡ ቻርተር ውሕሃ፡ ሰነድ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ) ከም ጥብቆ ተታሓሒዙ ቀሪቡ ኣሎ። ካልእ ሽማሙንቲ ኢትዮጵያ ንዶ/ር እምባየ ዝምልከት ብምስጢር ዝሓዝዎ ሰነዳት፡ ግዜኡ ኣኺሉ ንህዝቢ ቅሉዕ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ እዛ መጽሓፍ፡ ዳግማይ ክትሕተምን ክትሰፍሕን ከም እትኽእል ምሉእ እምነት ኣሎኒ። ካብ ታሪኽ ዶ/ር እምባየ ወልደማርያም ክልተ ዓበይቲ ቁም ነገራት ክንመሃር ንኽእል። ሓደ፡ ኤርትራ ገና ዘይተዘመረሎም ዓበይቲ ቅያታት ዝሰርሑ ጀጋኑ ከም ዘለውዋን፡ ነዚ ንም’ብርባር ሰፊሕ መጽናዕታዊ ስራሓት ይጽበየና ከም ዘሎ። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ድሕረት ናብ ዘመናውነት ንኽትምርሽ፡ መሰረት ኣብ ምትሓዛ ዕዙዝ እጃም ዘበርከቱን ዘገልገሉን ምሁራትን ሞያውያንን ኤርትራውያን፡ ከም ዝተጠልሙን ታሪኾም ከም ዝተሓከን፡ ብጋህዲ ንምርኣይን ንኽንመሃርን ይሕግዘና። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብዛ፡ ምስዚ ኣብ ሰዊት ዕድመኡ (46ዓመት) ዝተዀልፈን፡ ንኽርሳዕ ዝተፈርደን ዓቢ ኤርትራዊ ምሁር እተላሊ መጽሓፈይ፡ ንዘለኩም/ክን ሃናጺ ርእይቶን ነቐፌታን፡ ብኽፉት ልቢ ከምዝቕበል ብትሕትና ከረጋግጸልኩም እፈቱ። ምኽንያቱ ታሪኽ ተመላሊእካ ብምዃኑ። ልዕሊ ኹሉ ከኣ፡ እዚ ዝገብሮ ዘለኹ ዕማም፡ ጭልፋ ካብ ባሕሪ ዘይኮነ፡ ጭልፋ ካብ ውቕያኖስ ጥራይ እዩ። እዚ ዕማም ምስናድ ኣዝዩ ገዚፍን ከቢድን ብምዃኑ፡ በብዓቕምና ክንሳተፍን፡ ተበግሶታት ንዝወስዱ ከነተባብዕን ከም ዝግብኣና፡ ብትሕትና ከዘኻኽር እፈቱ። ሰናይ ንባብ!