About the book
መቕድም፥
እዚ ታሪኽ ኤርትራ ቅጺ II ዚብል ጽሑፍ ኣዝዩ ሰፊሕን ገፊሕን ብምዃኑ ኣብ፡
ሀ/ ኤርትራ ኣብ ጊዜ ምምኅዳር እንግሊዝ፡ ለ/ ኤርትራ ኣብ ጊዜ ፈደረሽን ምስ
ኢትዮጵያ ሐ/ ሕዝቢ ኤርትራ ካብ ሰላማዊ ቃልሲ ናብ ብረታዊ ቃልሲ መ/ ነፃ
ኤርትራ ተባሂሉ ከፋፊልካ ኪርአ ይከኣል ።
ኣብ’ዛ ቅጺ II ግን ኣብ ሀ/ን ለ/ን ዜተኰረ እየ ኣቕሪበ ዘሎኹ። ኣብ ቀረባ
መጻኢ ግና ንሐ/ን መ/ን ዜጠቓለለ ኬቕርብ መደብ ኣሎኒ።
መንግሥቲ እንግሊዝ ኣብ ምውዳእ ካልኣይ ውግእ ዓለም (1941-42) ንናይ
ኅብረት ኪዳን ማለት በተን ቀንዲ መሻርኽቲ ዚነበራ ማለት ኅ.መ.ኣመሪካ፡
እንግሊዝን ሶቬት ኅብረትን ዚቖመ፡ ወኪሉ ንባዕዳዊ መንግስቲ ኢጣልያ ካብ
ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓግሒጉ ኬውጽኦ ተመረቐ። መንግሥቲ እንግሊዝ እዚ
ኪፍጽም ዚተመቕለለ፡ ንውጹዓት ሕዝቢ ኤርትራን ሕዝቢ ኢትዮጵያን ሓልዩ
ዘይኮነስ፡ ንዚነበሮ ፖሊቲካዊ ጥሙሑ ንምርዋይ ምንባሩ ኪፍለጥ ዚግብኦ እዩ።
ምኽንያቱ መንግሥቲ እንግሊዝ ብዛዕባ ስትራተጂካዊ ረብሓ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡
ብዛዕባ ምድረ-ባሕሪ ኤርትራ ናይ ሽዑ ድማ ብፍላይ፡ ዳህሳስ ይገብሩ ካብ ዚነበሩ
ሰባት ዚኣኻኸቦ ዚኣክል ኣፍልጦ ስለዚነበሮ በዚ ሓደ፡ ነታ መወዳድርቱ ዚነበረት
ሃገረ-ፈረንሳይ ካብ’ቲ ዞባ እንተክኢሉስ ኬልቅቓ፡ ብዚተረፈ ኬዳኽማ ድማ
በቲ ካልእ፡ ነታ ባዕሉ ሓባቢሉ ወደብ ምጽዋዕ ንኪትሕዝ ዚገበራ፡ ጸኒሑ ድማ
ብደማዊ ኲናት ካብ’ቲ ዞባ ከምትባረር ዚገበራ መንግሥቲ ኢጣልያ ተጠቒሙ፡
ከም’ቲ “እናኪውዕየካን ብማንካ፡ እናኪዝሕለጥካን ብኢድካ” ዚበሃል ጸወታ’ዩ እዩ
ተጻዊቱ።
መንግሥቲ እንግሊዝ ኣብ’ቲ ንመግዛእቲ ኢጣልያ ንምእላይ ዚገበሮም ውግኣት
ኪዕወት ዚኸኣለ ግና፡ ብዘይ ሓገዝ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብቐሊሉ
ኪገብሮ ኣይምኸኣለን ዚብል ርድኢት ናተይ ጥራሕ ኣይኮነን። እዚ ክብል
ዚኸኣልኩ፡ ሠራዊት እንግሊዝ ኣብ’ቲ ምስ ሥርዓት ኢጣልያ ይዋጋኣሉ ዚነበረ
ግዜ፡ ብፍላይ ንኤርትራውያን፡ ተበተንቲ ወረቓቕቲ ካብ ኣየር እናደርበየ
ኤርትራውያን ኪተሓባበሩዎን መግዛእቲ ኢጣልያ ተሳዒሩ ምስወጽአ ዚደለዩዎ
X
ነፃነት ኪረኽቡ ምኾኖም እናጠበረ’ዩ ይዋጋእ ዚነበረ። ምስተዓወተ ግን ኣብ
ጽሑፍና ኪንርእዮ ከምዘሎና፡ መልሓሱ ሓይኹ መግዛእታዊ ሥርዓት ኣብ
ምትካል እዩ ኣድሂቡ። ብዚወከለን ናይ ኪዳን ሃገራት ካብ ኤርትራ ኮነ ካብ
ኢትዮጵያ ኪወጽእ ምስተገደደ ግን፡ ካብ ኢትዮጵያ’ኳ ነቶም ኣዕቊቡዎም
ዚነበረ ንጉሥ ኃ/ሥላሴ፡ ባዕሉ ናብ ሃገሮም ከምዚምለሱ ጌሩ ኬብቅዕ፡ ድኅሪ
ክንደይ ምምስማስን ምዕጥይጣይን እንተወጸ፡ ካብ ኤርትራ ቅድሚ ምውጻኡ
ግና ንኤርትራ ካብ ደረጃ ሃገር ሰሪዙ፡ ገለ ክፋል ኤርትራ ምስ ወደባታ ናብ
ኢትዮጵያ፣ ዚተረፈ ምዕራባዊ ኣካላ ናብ ሱዳን ኣጸጊዑን ገማሚዑን ኪገድፋ
ዘይመሃዞ ተንኮል ኣይነበረን።
ሓደ ካብ’ቲ ዚሓሰቦን ዚተግበሮን ሕማቕ ተግባር፡ “ኤርትራ ንበይና ኮይና ከም
ሃገር ናይ ምቕጻል ተኽእሎ የብላን” ንዚብል ሓሳብ ምኽኑይ ንምግባር፡ ኣብ
ርእሲ’ቶም መግዛእቲ ኢጣልያ ዚገደፎም ናይ ቊጠባ መሓውርን ጸጋታትን
ምውሳኽስ ይትረፎ፡ ነቶም ዚጸንሑዎ’ውን ነገለ ካብኣቶም መዝሒቑ፡ ንኣብነት
ንከም “ተለፈሪካ” ወይ ናይ ገመድ መጎዓዝያ ብኣየርን ካልኦትን፡ ናብ’ተን
ኣብ ግዝኣቱ ዚነበራ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዚሸጦም ዚተሰነዱ መርትዖታት
ከምዘሎዉ ኣብ ንባብና ብሰፊሑ ክንረኽቦ ኢና። ብሰንኪ ልምሰት ኣውታር
ቊጠባ፡ ዝቕባበ ተፈጢሩ ኤርትራውያን ሠሪሖም ዚድረሩሉ ስኢኖም ብድኽነት
ኪህሰዩ ተረኽቡ። “እንግሊዝ ነዃል ሰልዱ” ዚብል ብሂል ሕዝቢ’ውን ነዚ
ዜንጸባርቕ ከይኮነ ኣይተርፍን።
ካልእ መመኻነዪ ምምኅዳር መንግሥቲ እንግሊዝ “ኤርትራ ተፈልያ ሰላም
ዘሎዋ ሃገር ናይ ምዃን ብቕዓት የብላን” ንኪትበሃል ድማ፡ ናይ ኤርትራ ጸጥታ
ንምሕላው ኣብ ኢዱ እንከሎ፡ ዚተፈላለዩ ዓይነት ሸፋቱ ንኪፍልፍሉ ሸለል
ብምባል፡ መንግሥቲ ሓፀይ ኃ/ሥላሴ ዚመዎሎም ሸፋቱ ኣብ ማእከል ከተማ
ኣሥመራ ነቶም ‘ኤርትራ ንኤርትራውያን’ ብዚብል ዕላማ ዚንቀሳቐሱ ዚነበሩ
ሃገራውያን ኤርትራውያን ብግብረ-ሽበራ እናቀንጸሉዎም እንከሎዉ፡ ምምኅዳር
እንግሊዝ ግን ርእዩ ከምዘይረኣየ ሸለል ይብሎም ምንባሩ ታሪኽ ይነግረና።
ጸኒሑ ግን ንሕዝቢ ሓልዩ ዘይኮነስ፡ ናይ ሸፋቱ ህላዌ ንምምኅዳሩ ዜስግኡዎ
ምኻኖም ተረዲኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሸፋቱ ስጒምቲ ኪወስድ ተገደደ።
ኣብ’ቲ ንኤርትራ ፈደርሽን ይወሃባ ዚተባህለሉ ወቕቲ ድማ፡ መንግሥቲ እንግሊዝ
ነቲ ንኤርትራ ናይ ምጒዛይ ሽርሑ ኃዲጉ፡ ንኤርትራ ሓደ ምስሉይ ፈደረሽን
XI
ንኪወሃባ ብዚተፈላለዩ ልኡኻቱ ተጠቒሙ፡ ስዉርን ግሁድን ተንኮል ካብ ምፍጻም
ዓዲ ኣይወዓለን።
እቲ ምምኅዳር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምትእትታው ናይ ጽሑፍን ቃልን
ዝርጋሔኡን፡ ውድባት ናይ ምቛም ነፃነት ምሃቡን፡ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ
ብዓይነትን ኣኃዝን ከም ዚስስንን ዚብርኽን ምግባሩ ግን ዋላ’ኳ ኣወዳድባን
ምክትታልን ዚጎደሎ ይንበር’ምበር፡ ኣብ ጊዜ ኢጣልያዊ መግዛእቲ ይትረፍዶ
ኪትግበርስ ኪሕሰብ’ውን ዘይከኣል ዚነበረ ሓደ ዓቢ ቁም-ነገር ምንባሩስ ኪርሳዕ
ዘይብሉ እወታዊ ጒዳይ እዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ እታ ንኤርትራ ንምጒባጥ መታን
ክትክእል ምስ መንግሥቲ ኣመሪካ ሕግብግብ እትብል ዚነበረት ኢትዮጵያ፡ ዚኾነ
ጩራ ናይ’ዚ ዚተባህለ ዕድል ኣይነበራን ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ’ቲ እትኽተሎ
ዚነበረት መስፍነ-ኢምበራጦርያዊ ሥርዓት’ውን ዚኸይድ ኣይነበረን። ኢትዮጵያ
ነቲ ካብ ምግዛእቲ እንግሊዝ ጀሚሩ ክሳብ ምፍራስ ፈድረሽን ኣብ ኤርትራ
ተቐላቒሉ ዚነበረ ጩራ ነፃነት ዘረባን ጽሑፍን፡ ሠረት ደሞክራስያዊ ተረዲኡዋ
እንተዚነብርስ፡ ክንዲ ተፍርሶስ፡ ክትክተሎን ኬተማዕብሎን ምተረኽበት ኔራ።
ምናልባት’ውን ከም’ቲ ናይ ክቡር ዘብዓኛ ኃላፊ ዚነበረ መንግሥቱ ንዋይን ኃዉ
ግርማሜ ንዋይን ኣብ 60’ታት ዘይዕዉት ዕልዋ መንግሥቲ ኪገብሩ ዚወጠኑ፡
ብመንፈስ ደሞክራሲ ተጸልዮም ኔሮም ኪኾኑ ይኽእሉ። ብዚኾነ፡ እቲ ዕልዋ
መንግሥቲ ግና በቲ በዓል መንግሥቱ ንዋይ ዚሓሰቡዎ ይኹን ኣይኹን ድኅሪ
14 ዓመት ማለት ብ1974 ዓ.ም.ፈ. ኪገሃድ ከኣለ።
ናብ እዋን ፈደረሽን እንተኃለፍና፡ ኤርትራ ከም’ተን ኲላተን ኣብ ትሕቲ
ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ዚነበራ ኣኃት ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ነፃነት ዕድል ኪትረክብ
ዚግብኣ ክንሱ፡ እተን ብስም ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዚጽውዓ ብዓብላልነት
ኣመሪካን እንግሊዝን ሶቬት ኅብረትን ዚዝወራ ዚነበራ ብኅቡራት መንግሥታት
ዚፍለጣ ዚነበራ መንግሥታት፡ ናይ ሶቬት ኅብረት ተቐያያሪ ምንባሩ ኃዲግካ
ንኢትዮጵያ ንምጒናዕ ዚዓለመ ውዲት ብዘይ ናይ ሕዝቢ ኤርትራ ድልየት
ንኤርትራ ብጒልባብ “ፈደረሽን” ጠቢረን ጸመድኣ። ንኬምስላ ግን ብውክልና
ኣንዘ ማቴንዞ ዚተባህለ ላቲን ኣመሪካዊ (ቦሊቪያ)፡ ቅዋም ኤርትራ ተነዲፉ፡
ብሓፀይ ኃ/ሥላሴ ተኸቲሙ ንመንግሥቲ ኤርትራ ተዋህበ። ዘይከም’ቲ መንፈስ
ፈደረሽን ግን ሃገራውያን ኤርትራውያን የቕርቡዎ ዚነበሩ ተቓውሞን ጥርዓንን
ሰማዒ እዝኒ ስኢኑ፡ ንጉሥ ኃ/ሥላሴ ንከም ኣቡነ-ማርቆስን፡ ቀሺ ዲሞጥሮስን
XII
ፊተ.ኣሥፍሓ ወልደሚካአልን ካልኦትን ተጠቒሞም፡ ብዓብላልነት ሰብኣይ
ጓሎም እንደራሴ ኣንዳርጋቸው መሳይ ዚጀመረ ብዘገምታ ንፈደረሽን ኣፍሪሶም
ንኤርትራ ሓንቲ መበል 14 ክ/ሃገር ኢትዮጵያ ኪገበሩዋ እናተሸባሸቡ’ውን
እንተኾነ፡ እተን “ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ” ዚሓንጸጻ ኣባላት ኅቡራት
መንግሥታት ‘ዓገብ’ ክብላ ኣይተረኽባን። ዕንወት ፈደረሽን፡ ግን ዓቢዪ ጠንቂ
ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብምዃኑ፡ ሳዕቤናቱ ድማ ከበድትን ዓመቚትን ኪኾኑ ኣብ
ታሪኽ ኤርትራ ተራእዩ እዩ።
ድኅሪ’ዚ ሕዝቢ ኤርትራ ንቕድም ብሰላማዊ ሰልፍታት ተማሃሮን ሸቃሎን
ተቓውሞኡ ኬስምዕ ተገደደ፣ እዚ ፍረ-ኣልቦ ምዃኑ ምስተረድአ ድማ፡ ፈትዩ
ከይፈተወ ናብ’ቲ ሕይወት ኣሽሓት ደቁን ኢትዮጵያውን ዚወሰደ፡ ንጥሙያትን
ዕሩቓትን ሕዝቢ’ዘን ክልተ ሃገራት ኪዕንግልን ኬልብስን ዚነበሮ ክሳብ ሎሚ እቲ
ሰብኣውን ንዋታውን ግምቱ’ኳ ዘይተጸብጸበ ዋጋ ሚልዮናት ዚኾነ ጸጋ ዜጥፍአ
ናይ ሠላሳ ዓመት ደማዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኪኣቱ ተገዲዱ እዩ።
ድኅሪ ናይ 30 ዓመት ደማዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ሕዝቢ ኤርትራ
እቲ ገዝሚ ሕይወት ብሉጻት ደቁ ዚኾነ ንዓለም ዜገረመ ነፃነቱ’ኳ እንተተጎናጸፈ፡
ንዚረኸቦ ዓወት፡ ዓለም ለኻዊ ሕጊ መታን ኬልብሶ፡ ብ ‘ረፈረንደም’ ወይ
ብሕዝበ-ውሳኔ ኣብ ቅድሚ ወኪል ኅቡራት ሃገራት ምስዛዘሞ፡ ኤርትራ መበል
189 ኣባል ኅቡራት ሃገራት ዓለም ኪትከውን ኪኢላ እያ።
እቲ ናይ ሠላሳ ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ ኤርትራ ግና ርእሱ ዚኸኣለ ሓርጎጽጎጽን
ውረድ ደይብን ዚመልኦ ምንባሩ ርዱእ ኮይኑ፡ ብዚከኣል መጠን ብገለ ኣብ’ቲ ወፍሪ
ዚወዓሉ ውሑዳት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ወፃእተኛታትን ኤርትራውያንን ከምኡ’ውን
ብመጽናዕቲ ኪረኽቡዎ ዚኸኣሉ ወፃእተኛታት ከይተረፈ ዚጸሓፉዎም መጻሕፍቲ
ብምውካስ ብመጠኑ ከም መዘኻኸሪ’ኳ እንተጠቐመ፡ ብዚብል ሓሳብ፡ ካብ’ዚን
ካብ’ቲን ኣኻኺበ ኣብ’ዛ መጽሓፍ ኬስፍሮ ተበጊሠ ኣሎኹ። ብርግጽ ኣይኮነን ዶ
ኣብ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ዘይወዓለስ፡ እቶም ኣብ ቃልሲ ዚወዓሉ’ውን እንተኾኑ፡
እንተስ ዓቕሚ ስኢኖም፡ እንተስ ብኻልእ ምኽንያታት ብዛዕባ ቃልሲ ኤርትራ
ዚጸሓፉ ክሳብ ሎሚ ኣዚዮም ውሑዳት ብምዃኖም፡ እዚ ኣነ ዜቕርቦ ዘሎኹ፡ ካብ
ባሕሪ ብጭልፋ ምዃኑ ኣሚነ፡ ኤርትራውያን ኣኅዋት ሃየ እቲ መስተንክራዊ ዚኾነ
ቃልሲ ኤርትራ ጊዜ ወሲዱ ከይሃሰሰ፡ ብዛዕባኡ ክትጽሕፉ ኃደራ እብል።
XIII
ድኅሪ ነፃነት ኤርትራ ኣብ’ዛ ሃገር’ዚኣ ዚተፈጸሙ ንፖሊቲካውን ማኅበረ-
ቊጠባውን ባህላውን ዚምልከቱ ለውጥታት፣ ኣሉታዊ ይኹኑ እወታዊ፣ ምጽሓፍ
ድማ ካብ ኲሉ ዚጸንክረ ኲይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ምኽንያቱ ኪጽሕፍ ዚደሊ ሰብ
መጽናዕታዊ ዳህሳስ ኬካይድ ኣሎዎ፣ ነዚ ኪገብር ዚብገሥ ድማ ኣብ ውሽጢ
ሃገር ዚነብር ወይ ድማ እንተወሓደ እናተመላለሰ መጽናዕቲ ናይ ምክያድ ዕድል
ዘሎዎ ኪኸውን የድሊ፣ ብማዕዶ ኮይንካ ግን ኪግበር ዚከኣል ኣይኮነን።
ምእንቲ’ዚ ዜቕርቦ ጽሑፋተይ፡ ኣብ’ዚ ቅጺ II ካብ ዕጫ ኤርትራ ድኅሪ
ካልኣይ ውግእ ዓለም ክሳብ ምፍራስ ፍደረሽን ኮይኑ፡ ካብ’ታ ትቕጽል ቅጺ
III ድማ፡ ካብ ምፍራስ ፈደረሽን ማለት ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ክሳብ
ነፃነት ኤርትራ ዚብል ኣዚዩ ዓሚቚን ሰፊሕን ምዃኑ ተገንዚበ፡ ብውሱን ዓቕሚ
ኣብ ዚጀመርኩሉ ጊዜ፡ ካብ ኣምላኽ ጸጋ ጥዕና ረኺበ፡ ‘ንዚጎደለኒ መልኡለይ፡
እንተተጋጊየ ከኣ ብትዕግሥቲ ኣርሙለይ’ ክብል ምዃነይ ብተስፋ ብምጽባይ፡
ሕጂ ግን ናብ ምዕራፋት መጽሓፈይ አሰጋግረኩም።




