ኢትዮጵያውያን ብቓላቶም

Book details

Category:

Description

መቕድም

ኣብ ፈላማይ መጽሓፍ ብናይ ውልቅኻ ውዕሎ ምጅማር ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል። ታሪኽ
ገድሊ ግን ሓባራዊ ጉዕዞ ኢዩ። ናይ ኩሎም`ቶም ዝተሰውኡ፡ ዝሰንከሉን ዘይሰንከሉን፡
ናይ ኩሎም ተጋደልትን መራሕትን፡ ህዝብን ሓፋሽ ውድባትን እኩብ ታሪኽ ኢዩ። ኩሉ
ከም ሓደ ሓባራዊ ስራሕ እምበር፡ ብፍጹም ዝነጻጸል ኣይኮነን። ውልቀ-ሰብ ከኣ ሓደ
ካብቲ እኩብ እምበር፡ ፍሉይ ናይ ውልቂ ታሪኽ የለን። እዚ ግን እጃም ውልቀ-ሰብ
ኣብቲ ናይ ሓባር ታሪኽ ንምንእኣስ ኣይኮነን። ውልቀ-ሰባት ምስ ዘጋጥሞም ብድሆታት
ዝወስድዎ ተባዕ ወይ ፈራሕ ውልቃዊ ውሳኔ፡ ነቲ ናይ ሓባር ዝድርዕ፡ ዘዐውት ወይ
ዝዕንቅፍ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ ናይ ሓባር ናይ ገድሊ ታሪኽና፡ በቶም ናይ ሓባር
ጸላእትና፡ ዝተዋግኡና፡ ዝቐተሉናን ዝቐተልናዮምን፡ ንሳቶም ጨሪሾም ከጥፍኡና፡ ንሕና
ግን ካብ ሃገርና ከነውጽኦም ጥራይ ኩሉ ዝገበርናን ዝገበሩን፡ ኣብ መወዳእታ ብስዕረት
ካብ ሃገርና ተባሪሮም ዓዶም ምስ ተመልሱ ብመንጽር ዝነበሮም ዕላማ ንውዕሎኦም
ከጸባብቑ እናኣስቆርቆሩ ካብ ዝጸሓፍዎ መጻሕፍቲ፡ ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቓትን
መደረታትን፡ ኣብ ኤርትራ ከለዉ ዝወጠንዎምን ዘጋጠሞምን ጽቡቖም ኮነ ሕማቖም
ብቃላቶም ቀሪቡ ኣሎ። ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ብከፊል ውዕሎ ጸላኣትና`ውን ስለ
ዝኾነ። ንስለ`ቲ እኩይ ዕላምኦም ዝነበሮም ውዕሎታት፡ ንስለ ዕላማና ዝነበረና መኸተን፡
ርእይታቶም ብመንጽር ናትና ውዕሎን ዕላማን ኣብዚ መጽሓፍ ተሰኒዱ ቀሪቡ ኣሎ።
ነዚ መጽሓፍ`ዚ ንምጽሓፍ ካብ ዝደረኹኒ ቀንዲ ምኽንያታት እምበኣር: –
1. ደጋጊምና ከም እንሰምዖ፡ ገለ ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ኣፍ ደገ ባሕሪ ከም ዘድልያ
ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀይሕ ባሕሪ ሕጋዊ፡ ታሪኻውን ባህርያውን ዋንነት ኢትዮጵያ ምዃኑ
ከረድኡን ክደጋግምዎን ይስምዑ ኣለዉ። መጎተኦም ብቐንዱ ናብቲ ንገለ እዋን ነይርናዮ
ዝብልዎ፡ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ዝማእከሉ ባሕሪ ኤርትራ ምዃኑ`ውን ይዛረቡ። ንኤርትራ
ከይጎበጡን ንህዝባ ከየንበርከኹን ነቲ ገማግም ክውንኑ ስለ ዘይክእሉ፡ መጎተኦም ዘይሩ
ዘይሩ ንዳግማይ ጎበጣ ኢዮም ዝሕንሕኑ ዘለዉ። ንፈኸረኦም ምስ ዘለዎም ብዝሕን
ጸጋታትን ኣሰንዮም ስለ ዘቕርብዎ፡ ኣብ ህዝብና ስኽፍታ ንዳግማይ ኲናት ክፈጥር
ባህርያዊ ኢዩ። ቀዳማይ ዕላማ ናይዚ መጽሓፍ`ዚ እምበኣር፡ ነቲ ምስ ሕግን ታሪኽን
ኣተኣሳሲሮም ዘቕርብዎ ምጉት፡ ብቃላት ናይቶም ባሕሪ ክውንኑ ሰራዊት መሪሖም፡
ንዓበይቲ ሃገራት ሰጊዶም ዝመጹ ኣቦታቶምን ኣባሓጎታቶምን መልሲ ንምሃብ ኢዩ።
2. ገለ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣባላት ሓይሊ ባሕርን ኣየርን ከይተረፈ፡
“ኣይተሰዓርናን” ክብሉ ይስምዑ። ናይ ሎሚ መራሒ`ታ ሃገር (ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ)
ከይተረፈ “ኢትዮጵያ ተሳዒራ ኣይትፈልጥን!” ክብል ይደጋግም ኣሎ። እዚ ዘረባ`ዚ ምስ
ጉዳይ ኤርትራ ኣተኣሳሲሮም ስለ ዘቕርብዎ ከኣ፡ ካብ ኤርትራ ብሽርሒ እምበር ተሳዒርና
ኣይወጻእናን ንምባል ይመስል። እዚ ከኣ ብሕጂ ንዝሓልምዎ ወራርን ጎበጣን መንጸፍ
ንምቕማጥ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ንዝእወጅ ወራርን ሽርሕን ንምምካት

XIV
ዘለዎ ዓቕምን ድልውነትን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ `ኣይተሰዓርናን` ዝብል መጎተኦም ግን፡
እቶም ሰራዊት መሪሖም ኣብ ከርሲ መሬት ኤርትራ ዝተዋግኡ ጀነራላትን መኮነናትን
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኤርትራ ንዘጋጠሞም ስዕረትን ውርደትን ብቓላቶም ገሊጾሞ ኣለዉ።
ዕላማ ናይዚ መጽሓፍ`ዚ ከኣ፡ ነቲ ወራሪ ሰራዊት ዘጋጠሞ ስዕረት፡ መራሕቱ ንውዕሎኦም
ኣመልኪቶም ካብ ዝጸሓፍዎ ኣድሚቕካ ምቕራብ ኢዩ።
3. ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣብ ህዝቦም`ውን ብዙሕ
በደል ፈጺሞም ኢዮም። ህዝብታት ንናይ ሓባር ረብሓ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ክቃለሱ
ባህርያዊ ኢዩ። ገድሊ ኤርትራ ምስ ውጹዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ
ዝገበሮ ሓባራዊ ቃልሲ ዓበይቲ ዓወታት ሓፊሱ ኢዩ። ናይ ሓባር ጸላኢ (ስርዓት ደርግ)
ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ ክስማዕ ዝጸንሐ ትረኻታት ግን፡ ነቲ ናይ ሓባር ዓወታቶም ዘህስስ
ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ምድማይ`ውን ተበጺሑ። እዚ መጽሓፍ`ዚ፡ ነቲ ናይ ሓባር ዓወታት
ንመጻኢ ሰረት ብዘንጽፍ መንገዲ ብልጫታቱ ዓቂቡ ዝኸደሉ መንገዲ ከድምቕ ኢዩ።
ብዓቢኡ`ውን “ወያኔ ሓጊዞሙና ድዮም ሓጊዝናዮም!” ዝብል ምጉት ቀንጪቡ ኣሎ።
4. ኲናት መቐጸልታ ፖለቲካዊ ስራሕ እምበር ንበይኑ ዕላማ ኣይኮነን። ስለዚ ማዕረ`ቲ
ንወራሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ሓግሒግካ ንምውጻእ ዝግበር ቃልሲ፡ ኣብ
ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝቆጻጸር ውልቀ-ሰብ ይኹን ጉጅለ፡ ንታሪኻዊ ሓቅታትን፡
ኣህጉራዊ መትከላትን ሕግታትን ዝርዳእ፡ ብዓቢኡ ከኣ ንሓቅታት ኤርትራዊ ሃገራውነት
ዝቕበል ንክኸውን ምድላውን ኣበርክቶ ምግባርን ሓደ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ዕላማታት
ሰውራ ኤርትራ ኢዩ። ምእንትኡ ዶብ ሰጊርካ ዝተኸፍለ መስዋእቲ`ውን ብድምቀት
ቀሪቡ ኣሎ።
5. ኢትዮጵያውያን ኣብ ኤርትራ ንዝፈጸምዎ ኣሰቃቒ ሰብኣዊ መቕዘፍቲ ይኽሕድዎ
ኢዮም። ገለ ውሑዳት ግን ምስ ገለ ኣተኣሳሲሮም በጨቕ ከብልዎ ይረኣዩ። መጽሓፍ
“ኢትዮጵያውያን ብቓላቶም” ነቲ መቕዘፍቲ ዘይኮነ፡ ነቲ ንዕኡ ንምትግባር ዝተዋህበ
መንግስታዊ መምርሒ ብንጹር ኣቕሪቡዎ ኣሎ።
6. ኢትዮጵያ፡ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ሕጋዊ፡ ታሪኻዊ፡ ባህርያውን ጅኦግራፍያውን
ምትእስሳር ኣለዋ ዝብል፡ ዝተሰነዐ ታሪኽ ይዝውተር ኢዩ። ነዚ`ውን እቲ ዘይተማህረን
ምስ ዘመናዊ ዓለማዊ ትምህርቲ ሌላ ዘይብሉን ክፋል ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ሓቂ
ክወስዶን ክደግሞን ጸኒሑ። ሕሉፍ ሓሊፎም ነዚ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ ፖለቲካዊ ካርታ ካብ
ዝህልዋ 140 ዓመት`ውን ዘይገበረት ሃገሮም፡ ናይ ሰለስተ ሽሕ ዓመት ዕድመ ከም ዘለዋ
ከእምኑ ፈቲኖም። እዚ መጽሓፍ`ዚ ነቲ ስኑዕ ትረኻ ቃልዕ ኣውጺኡ፡ ሃገሮም መኣስን

ብኸመይን ነዚ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ ፖለቲካዊ ካርታ ከም ዝሓዘት ብዕለታትን ዓመተ-
ምህረትን ኣነጺሩ ኣቕሪቡዎ ኣሎ። ብዓቢኡ ከኣ ሕልሚ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ትማልን

ሎምን በብመድረኹ ቀሪቡ ኣሎ።

XV
ነዚ ንምጽሓፍ ዘድልዩ መወከሲ መጻሕፍቲ ብቐረባ ክትረኽበሉን፡ ሰብ ውዕሎ እናረኸብካ
ብቓለ መሕትት ብዙሕ ሓሳባት ከተነጻጽረሉን ኣብ ዘይከኣለሉ ቦታ፡ ካብ ቦታ ፍጻሜ
ርሒቕካ ኣብ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ይጸሓፍ ስለ ዘሎ፡ ሕጽረታት ክህልዎ ትጽበዮ ኢዩ።
ነቲ ሃጓፋት ንምጽባብ ኢትዮጵያ ካብ ዝመላለሱ ሰባትን፡ ኣብዚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ
ካብ ዝርከቡ ውሑዳት ኣብያተ መጻሕፍትን ዘገድሱ መጻሕፍቲ ሃሰስ ኢልካ ዝተማልአ
ሓበሬታ ከም ዝህልዎ ተገይሩ ኢዩ። ከም መወከሲ ቀሪቦም ዘለዉ መጻሕፍቲ ዳርጋ
ኩሎም ኣብ ኲናት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ግዜን፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ከም
ኣዘዝቲ ኮይኖም ነዊሕ ዝሰርሑ መኮነናት ዝጸሓፉዎም ኮይኖም፡ ንሳቶም ዝህብዎ
ሓበሬታ ብዝሓሸ መንገዲ ነቲ ብወገን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነታትን ንሳቶም
ብዛዕባና ዝነበሮም ሚዛንን፡ ንነብሲ ወከፍ መድረኽ ብዝምጥን መንገዲ ከንጸባርቑን
ክገልጹን ስለ ዝኽእሉ ንትሕዝቶ`ዚ መጽሓፍዚ ሃብቶም ይገብሮ።
“ሻዕብያ” ዝብል ቃል፡ መኮነናት ኢትዮጵያ ዝጥቀምሉ ኮይኑ፡ ኣብዚ መጽሓፍ`ዚ
“ህዝባዊ ግንባር፡ ሻዕብያ፡ ተጋዳላይ” ዝብሉ ምስ ዝተፈላለየ ሓሳባት ተሳንዮም ዝኣተዉ
ቃላትን ሓረጋትን ብትርጉም ሓደ ኢዮም። ብዛዕባ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዙሕ
ኣይተጻሕፈን። እዚ ከኣ መኮነናት ኢትዮጵያ ዋላ`ኳ ኣብ ኣገላልጸኦም “ጀብሃና ሻዕብያ”
ዝብሉ እንተኾኑ፡ ዝህብዎ ትረኻ ግን ዝበዝሐ ኣብቲ ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሮም
ውዕሎ ዘተኮረ ኢዩ። ብዘይካ`ዚ ገለ ዝተደናገሩ ኢትዮጵያውያን፡ ናጽነት ኤርትራ
ከም ህያብ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ገይሮም ይዛረቡን ይኸሱን ኢዮም። ዓወት
ኤርትራ ግን ህያብ ውድባት ኢትዮጵያ ወይ ትኳቦ ናይ ዝኾነ ወገን ዘይኮነ፡ ህዝቢ
ኤርትራ ተጋዲሉ፡ ስዒሩ ብደሙን መስዋእቱን ዘረጋገጾ ምዃኑ፡ ኣብቲ ኲናት ካብ
ዝነበሩ ኣዘዝቲ ከይተረፈ ንጹር ምስክርነት ቀሪቡ ኣሎ።
ምስዚ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ዘጋጠመና ሽግር ኣተኣሳሲሮም፡ “እዝስ ንህዝባዊ ግንባር
ምኩሕሓል ኢዩ!” ዝብሉ ክህልዉ ኢዮም። ብርግጽ ኤርትራውያን ንሓልፎ ዘሎና ኩነተ
ህላዌ ካብ ነብሲ ወከፍ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ብሰንኩ ገለ ኣሕዋት ንዝሓለፍናዮ ጽንኩር
ናይ ገድሊ ታሪኽ ክጠራጠርሉ፡ ገለ`ውን ዘነኣእሱዎ ኣለዉ። ነዚኦም`ውን ነቲ ናይ ገድሊ
ታሪኽና ብግቡእ ክርድኡን፡ ነቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኩነታትና ብመንጽር ወለዶምን
ዓበይቲ ኣሕዋቶምን ዝሓለፍዎ ታሪኽ ጽንዓትን ቃልስን፡ ፖለቲካዊ ትረኻኦም ከስተኻኽሉ
ክሕግዞም ኢዩ። ታሪኽ ገድሊ ከኣ ታሪኽ ህዝቢ እምበር፡ ታሪኽ ውልቀ መራሕቲ ኣይኮነን።
ውርሽኡ`ውን ነዊሕ ንዝተኻኻእ ወልዶታት ህያብ እምበር፡ በዞም ናይ ሕጂ መራሕትን፡
ሕጂ ንሓልፎ ዘሎና ህይወትን ጥራይ ዝዕቀን ኣይኮነን። ብዓቢኡ ዕላማን ትሕዝቶን ናይዚ
መጽሓፍ፡ ነቲ ኤርትራውያን ከም ህዝብን ተጋደልትን፡ ኢትዮጵያውያን ከም ወረርትን
ገዛእትን፡ ኣብ መንጎ ክልቴና ዝነበረ ንዓቕልኻ ዝፈታትን ጽንኩር ውግእን ቃልስን ዝትርኽ
እምበር፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎን ዝነበረን ፍልልይን ጸገምን ንምድህሳስ ኣይኮነን።
ኣብ ፊደላት ግዕዝ ናይ ቃላት መአረሚ (Spelling checker) ስለ ዘየለ፡ ኣብ ገለ ናይ
ፈደላት ግድፈትን ጌጋን ክህሉ ከም ዝኽእል ኣንባባይ ክርዳኣልና ንምሕጸን።