About the book

ኣስማት ዘለዉን ዝሓለፉን ኤርትራውያን ምስ ዝጥቀስ፡ እቲ ዘይነጽፍ ጽንዓቶም፡ ዘይጸዓድ መንፈሶም፡ እጹብ ዲንቂ ስነ-ጥበቦም፡ ወለላ ድሃዮም/ዜማኦም፡ ዘይክማህ ሓይሎም፡ ዘይሕለል ስራሓቶም፡ ብቕዓቶም/ወኒኦም፡ ወተሃደራዊ ስልቲኦም… ከም ዘንበድብድ ነዝነዝታ ንወለዶታት ዝሓልፍ ራእይዮም ወዘተ. ይቕጀለካ’ሞ ትሕበን። ድሕሪ’ዚ እኩብ ቅጀላታት፡ ታሪኾም ንምምዝጋብ ሃቂነ። ነዚ ንምግባር ንዅሎም ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ ሚዛናዊ ሕርያ ኣማእኪሉ፡ ሻራ ብዘይብሉ ትረኻ ንኣበርክቶኦም ምስናድ ዘይስገር ሓላፍነተይ እዩ። እምበርከ፡ ዓወቶምን ውድቀቶምን መግለጺ ወሓዚ ሩባ ታሪኸይ ምዃኑ ኣሚነ’የ ጀሚረዮ። እንሆ’ምበኣር ኰይኑለይ!
ንእግረ መንገደይ ድማ፡ ኤርትራውያን ውልቀ-ሰባት ሃገራዊ ታሪኸይ ንኽዛሪ ብዝገበሩዎ ኣበርክቶን ቃልሲን፡ ምስጋናን ክብሪን ዝገልጸሎም መጽሓፍቲ እየን። ዝዀነ ሰብ፡ ባእታ ናይ ታሪኽ እዩ። ዘለዎን ዝኸዶን መንገዲ ብሕሉፍ ታሪኽ ሃገሩ ይቕለስ እዩ። እምበኣርከስ፡ ሰብ ውጽኢት ታሪኽ ከም ምዃኑ መጠን፡ ታሪኽና ብዅሉ መልክዓቱ ክንርእዮ ይግባእ።
ዘዝመጽአ ወለዶ፡ ነቲ ተሃኒጹ ዝነበረ ታሪኻዊ ሓቅታት፡ ብዘመን ኣምጸኦ ፍልስፍና፡ ስነ-ጽሑፋዊ ቅድታት፡ ፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳ ወዘተ. ከም ፍግረ-መሬት ንዘሎ ጸጋታት እናባሕጐጕ፡ ንታሪኽ ሃገርን ሕብረተ-ሰብን ክሳብ መቐረቱ ዘጥፍእ ከበላሽውዎ ስለ ዝኽእሉ፡ ታሪኽን ባህሊን ሃገርካ ንኣንባቢ ብዝጥዕም ቅርጺ ትረኻ ምቕራቡ ኣገዳሲን ኣድላዪን እዩ። እዚ ማለት፡ ብናይ ቅድም ቃላትን ሜላ ጽሕፈትን ዝተዳለወ ታሪኻዊ ጽሑፋት፡ ምስ ዘሎ ታሪኽ ኣዋሲብካ፡ ብናይ ግዜና ቅዲ ኣጸሓሕፋን ራእዪን ምቕራብ ደኣ’ምበር፡ ብዝዀነ ይዅን ምቅንጃው ታሪኽ ክግበር ከም ዘይብሉ ደጊመ አስምር። ሓዲሽ ሓበሬታ ተረኺቡ ንታሪኽ ብሓድሽ ኵርናዕ ምትንታን ክህሉ ንቡር እዩ፡ ንፓለቲካዊ ሃልኪን ምስጢራትካ ከይቕላዕን እናበልካ ንታሪኽ ምጥምዛዝ ግን ብሓቂ ዘጸይን ተግባር እዩ።