About the book

#48 ሕግታት ሓይሊ ሕጊ 11 ሰባት ኣባኻ ከም ዝምርኰሱ ግበሮም ናጽነትካ ኸተውሕስ እንተ ዄንካ ተደላዪ ኽትከውን ኣሎካ። ኣባኻ ዝምርኰሱሰባት እንተ በዚሖም፡ ናጽነትካ’ውን ምስኡ ኽዛይድ እዩ። ሰባት ንሓጐሶምንራህዋኦምን ክብሉ ኣባኻ ከም ዝምርኰሱ ግበር። ካባኻ ናጻ ንኸይኮኑ ድማ ልዕሊ’ቲ እኹል ዝብሃል ኣይትምሃሮም። ሕጊ 12 ስሕት ኢልካ ቅኑዕን ለጋስን ብምዃን ንግዳይካ ማርኮ ሓንቲ ልባዊትን ቅንዕትን ተግባር ንብዙሓት ዘይቅኑዓት ተግባራት ትሽፍን እያ።ልባዊ ናይ ቅንዕናን ልግስን ተግባራት ነቶም ተጠራጠርቲ ዝብሃሉ ሰባት ከይተረፈእዩ ዝማርኽ። እቲ ስሕት ኢልካ ተርእዮ ቕንዕና ኣብ ድርዖም ቀዳድ ይፈጥር’ሞ፡ከም ድልየትካ ኸተታልሎምን ክትምዝምዞምን ትኽእል። ግዜኣ ዝሓለወት ህያብ(ከም ናይ ትሮይ ፈረስ) ድማ ተመሳሳሊ ጥቕሚ ኣሎዋ። ሕጊ 13 ንሰባት ሓገዝ ክትሓቶም ከለኻ፡ ንረብሓኦም ክብሉ’ምበር ደንጊጾም ክሕግዙኻ ኣይትጸበ ካብ መሻርኽትኻ ሓገዝ እንተ ደሊኻ፡ ናይ ቀደም ሓገዛትካ ወይ ጽቡቕግብርኻ ከተዘክሮ ኣይትፈትን። ጸማም እዝኒ ንኽህበካ ዕድል ክረክብ እዩ። ስለዚኽትሓቶ ኸለኻ ገለ ዝጠቕሞ ነገር ከም ዝረክብ ሓብሮ። ኣጋኒንካ ድማ ሓብሮ። መኽሰብ ምስ ረኣየ ድማ ዓይኑ ኸይሓሰየ ኽሰማማዕ እዩ። ሕጊ 14 ፈታዊ መሲልካ ሰልይ ብዛዕባ ኣንጻርካ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ሓንቲ ስጒምቲ ዘቐድመካ ኣገዳሲ ሓበሬታኻብ ሰለይቲ ኣክብ። እቲ ዝበለጸ ድማ ባዕልኻ ክትስሊ ኸለኻ እዩ። ኣብማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ከመይ ጌርካ ትስሊ ተላመድ። ናይ ሰባት ድኽመታትንድልየታትን ንኽትፈልጥ ሕቶታትካ ብጎቦ ጎቦ ይኹን። ንስለያ ዘይከውንኣጋጣሚ የሎን። ሕጊ 15 ንጸላኢኻ ምሉእ ብምሉእ ኣዕኑዎ ካብ ነቢይ ሙሴ ጀሚርካ ኹሎም ዓበይቲ መራሕቲ ጸላኢኻ ምሉእ ብምሉእከተዕኑዎ ኸም ዘሎካ ይፈልጡ እዮም። ሓንቲ ንጣር ቊልዒ ከይጠፍአት እንተገዲፍካያ፡ ቀስ እናበለት ትጒህር እያ። ኣብ ፍርቂ ደው ብምባል ብዙሕ ክሳራ እዩ ዝወርድ፣ ጸላኢኻ ህይወት መሊሱ ሕነኡ ኽፈዲ ኽመጽኣካ እዩ። ንስኻ ግንብኣካል ጥራይ ዘይኮነ ብመንፈስ’ውን ሓምሽሾ። ሕጊ 16 ክብርኻ ከተዛይድ ብኲራት ተጠቐም ወትሩ ህላወ ናይ ሓደ ነገር ንዋጋኡ የጒድሎ እዩ። ብዙሕ እንተ ተራኢኻንእንተ ተሰሚዕካን ክትልመድ ኢኻ። ንግዜኡ ኻብ’ቶም ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ እንተበዂርካ ዝያዳ ኽዝረበልካ እዩ፣ ዝያዳ ድማ ኽትክበር ኢኻ። መኣስ ተብኲር ተማሂርካ ብምብኳር ክብሪ ፍጠር። ሕጊ 17 ሰባት ክግምቱኻ እንተ ዘይክኢሎም ክርዕዱ እዮም ሰባት ብልምዲ ንኸይድ ፍጡራት ኢና፣ ንኻልኦት ሰባት ድማ ኽንግምቶምንኽእል ክንከውን ኢና ንደሊ። ሰብ፡ ክግመተካ እንተ ኽኢሉ ዝተቘጻጸርካ ኮይኑእዩ ዝስምዖ። ንስኻ ግን ገልብጦ፥ ብፍላጥ ዘይትግመት ኩን። ቀጻልነት ወይዕላማ ዘይብሉ ዝመስል ተግባራትካ ንሰባት ከደናግሮም እዩ። ንሳቶም ድማ ንዓኻክፈልጡ ኽብሉ ኽዳኸሙ እዮም። ናብ ዝለዓለ ደረጃኡ እንተ ወሲድካዮ፡ ነዚስልቲ’ዚ ንምድሃልን ንምርዓድን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ምንጪ መጽሓፍ፦ 48 ሕግታት ሓይሊ ትርጉም ፦ ዮናታን ብርሃነ