About the book

መእተዊ ደራሲት ሻርሎት ሜሪ ብሬይም (Charlotte Mary Brame) ካብ 1836-1884 ብህይወት ዝነበረት እንግሊዛዊት ደራሲት ኰይና፡ ኣብ ትሕቲ ቤርታ ኤም. ክሌ (Bertha M. Clay) ዝብል ናይ ብርዒ ስም ትጽሕፍ ነበረት። ንሳ ሓንቲ ካብ’ተን ስሙያት ጸሓፍቲ ናይ’ቲ ብ ‘ዘመነ ቪክቶርያ’ ዝፍለጥ ናይ ስነ-ጽሑፍ እዋን እያ። ጸሓፊት ኣብ ሓያሎ ኵርናዓት ናይ ሂወት ዘተኰሩ ብርክት ዝበሉ ልብ-ወለዳዊ መጽሓፍቲ ኣበርኪታ እያ። መበቈላዊ ኣርእስቲ ናይ’ዛ ሕጂ ተተርጕማ ዘላ መጽሓፍ ‘Married for Her Beauty’ ዝብል እዩ። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ብተወሳኺ ‘A Bit- ter Atonement’ ብዝብል ኣርእስቲ’ውን ትፍለጥ እያ። እዛ መጽሓፍ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ንደራሲት ህቡብነት ዘጥረያላ ስነ-ጽሑፋዊ ፍርያት’ያ። ቅድሚ ሕጂ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝተተርጐማ መጽሓፍቲ ደራሲት ቤርታ ኤም ክሌ፡ እታ ኣብ ትሕቲ ‘Beyond Pardon’ እትብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈት ኰይና፡ ብ ጸሃየ ኣብርሃ፡‘ካብ ይቕረታ ንላዕሊ’ ብዝብል ኣርእስቲ ተተርጒማ ንሕትመት በቒዓ ነይራ’ያ። እነሆ ድማ ሎሚ ካልኣይቲ ፍርያታ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ተተርጒማ ኣላ። ነዚ ናይ ፈለማ ናይ ትርጕም ፍርያተይ ብምቕሉልነት ክትቋደሱዎ እዕድመኩም። እዚ ዛንታ’ዚ፡ ዛንታ ሓንቲ ብሰርን ብሳላን መልክዓ ክልተ ገጻት ሂወት ዝረኣየት ጓል-ኣንስተይቲ እዩ ዘዘንቱ። ኣብ’ቲ ዛንታ፡ ክብታን ለጠቕታን ሂወት፡ ስቅያትን ሩፍታን፡ ምፍልላይን ምትእኽኻብን፡ ሕስረትን ክብረትን፡ ቂምታን ይቕረ ምብህሃልን... ኮታ ሕማቕን ጽቡቕን ገጻት ናይ ሂወት ብሰሓቢ ኣቀራርባ ሰፊሩ ይርከብ። እዚ ዛንታ ዝተጻሕፈሉ እዋን፡ ህዝቢ ዓዲ እንግሊዝ ካብ’ዚ ናይ ሎሚ እዋን ኣብ ኣዝዩ ዝተፈልየ ማሕበረ-ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ባህላ’ውን ኣቋውማ’ዩ ዝነብር ነይሩ። ስለዚ፡ ኣንባቢ ነዚ ክውንነት ኣብ ግምት እና’እተወ ክንብብ ከም ዘለዎ ከዘኻኽር እፈቱ። ተርጓሚ ለካቲት 2021