About the book

ምስትምቓር መጽሓፍ ኣብቲ ኩነታት ኣርእስቲ መጽሓፍ: ኣብቲ ኩነታት ዓይነት ስነ-ጹሑፍ: ኣብ ታሪኻዊ ሓቂ እተሰረተ ድርሰት ደራሲ: ሚሊዮን በረኸት (እዮብ ብእምነት) ብዝሒ ገጻት: 340 ዕለት ሕትመት: ሰነ 2019 ኣስተማቓሪ: ዳዊት ገብረሚካኤል ሃብተ -- ታሕሳስ 2019: ሕቡራት ነገስታት ኣሜሪካ: ምምሕዳር ሜሪላንድ :: "ኣብቲ ኩነታት" ብዙሕ ጊዜ ዘይንዛረበሎም: ኣብ መኣድና ወትሩ ዘይነዕልለሎም ዝተኸፍሉ ከበድቲ ዋጋታት ኣብ ቅድመይ ሲኢላ ኮፍ ኣቢላትለይ:: ንመብዛሕትና እቲ ደምን የዕጽምትን ስዉኣትና ጥራዪ ከም ሓመድን ድኹዕን ኮይኑ ንኤርትራን ህዝባን ደው ዘበለ ዝመስለና:: ለካስ ሰብኣውነት: ሕልምታትን ምንዮታትን ዜጋታታ'ውን ከም ኣየርን ማይን ኮይኖም'ዮም ነዛ ሃገር ዘጠጡዑዋ ዘለዉ:: "ኣብቲ ኩነታት" ነዞም ዘይጭበጡ ዝመስሉ ሞባእ ሃገር'ያ ሰብኣዊ ልባስ ኣልቢሳ ክብሪ ዋግኦም ትንፋስ: ቅርጺን መሓውርን ኣልቢሳ ተቕርበልና:: ነታ ቀንዲ ገጸ-ባህሪ ናይ "ኣብቲ ኩነታት" ዝኾነት ሄርሜላ: ከም ሰብ ፈሊጠያ:: ምስኣ ተጓዒዘ:: ኣብ ሽግራ ምስኣ ጒሀ:: ኣብ ሓዘና ምስኣ በኼ:: ኣብ ደስታኣ ምስኣን ምስ ብጾታ በዓል መረረው: ሙዚት: ሓሰን: ወድከረንን ካልኦት መቓልስታን ስሒቐ:: ምስ ሄርሜላ “ኣብ ሂወተይ ከም ድሌተይ: መሰለይ'ዩ ናጽነተይ: ሰብ ኣይበድል እምበር እዝኒ ኣይህቦንየ: እዝኒ…” እንዳበልኩ ክደርፍ ጀሚረ:: ምስ ኣዲኣ ሲስተር ገነትን ካልኦት ስድራኣን ተላልየ ጥራይ ዘይኮነስ ተኻፋሊ ሓጎሶምን ሽግሮምን'ውን ኮይነ:: ሄርሜላ ዝረገጸቶ ግንባራት ምስኣን ምስ ብጾታን በጺሐ:: ሓጎጽጎጽ ጉዕዞኣ ንዓይ'ውን ኣብ ኣካላተይ ቃንዛ ክገብረለይ ጀሚሩ:: ንነዊሕ ሰዓታት ብዘይ ምቁራጽ "ኣብቲ ኩነታት" ከንብብ ኣቃምጣ ኣኽፊአ ግዲ ኮይነ: ሑቖይ ምስ የሕመመኒ: ኣብ'ቲ ሓጎጽጎጽ ጉዕዞ ምስ ሄርሜላ ዘለኹ መሲሉኒ: "መዓስ'ዩ ዝውዳእ" እንዳበልኩ ከዕለብጥ ጀሚረ:: ለካስ ክኢላ ጸሓፋይ ኣእምሮ ኣንባቢኡ ሰሊቡ ኣካል ናይ'ቲ ጉዕዞ መጽሓፉ'ዩ ዝገብሮ:: "ኣብቲ ኩነታት" ሓልዮት-በደል: እምነት-ጥልመት: ጅግንነት-ፍርሒ: መኻይድን መፋርቕትን ሂወት ደቂ-ሰብ ምዃኖም'ያ ተብርሃልና:: ዝያዳ ኩሉ ግን: ኣብ ሂወት: እቲ ናተይ ዝበልካዮ: እቲ ጸግዕን ዋሕስን ክኾነካ ትጽበዮ: ከምዘግድዓካ ጥራይ ዘይኮነስ: ንጥፍኣትካ'ውን ከምዝህንደድ: እቲ ኣይኮነንን'ዩ ኣይበዓል ደሓነይን'ዩ ዝበልካዮ ኸኣ መዓልቲ ከምዘለዎ: ጹቡቕ ጌራ ኣቕሪባትልና’ላ:: ንመጽሓፍ "ኣብቲ ኩነታት" ብዓይኒ ጻዕዳን-ጸሊምን ርኢና እንተንቢብናያ: ናይ ደራስን ናይ'ታ መጽሓፍን መልእኽቲ ስለ ንስሕቶ: እቲ ክሳራ ናትና'ዩ:: ንሕና ኣንበብቲ ኢና ንኸስር:: ከም ቅናት ኣደይ-ማርያም ቂሐ-ጽልሚ ዝበዝሓ: መሰረታዊ ባህሪ ወዲ ሰብ ኣብ ጊዜ ኲናትን ፈተነን ትፍትሽ መጽሓፍ'ያ:: "ኣብቲ ኩነታት" ብዙሕ ረዘንቲ ሕቶታት ኣልዒላ: ኣንበብብቲ ብዝመስለና ኣገባብ ክንምልሶ ጠልጠል ኣቢላ ገዲፋትልና'ላ:: ሓንቲ ካብተን ደራሲ ኣብ መጽሓፍ "ኣብቲ ኩነታት" ኣንጠልጢሉ ዝገደፋ ኣርእስቲ ግን ከም ነቐፌታ ዘይኮነስ ከም ለበዋ ንደራሲን ኣንበብትን ሓሳበይ ፈይ ከብል:: እዛ ስክፍታ ዝፈጠረትለይ ኣርእስቲ: ኣብ ታሪኽን ታሪኻዊ ዝንባዔን ዘድሃበት’ያ:: ኣብ ገጻት 204-205: ቢኒያም ካብ ወጻኢ ዓዲ ደዊሉ ምስ ሄርሜላ ሓብቱ ብተሌፎን እንዳተዛረቡ ኸለዉ: ገለ ካብ'ቲ ዝርርቦም ከም'ዚ ይመስል: ቢኒያም "ኤሪትረያ ስለምንታ'ያ'ሞ ካብ ኢትዮፕያ ተፈሊያ?" ሄርሜላ "በዓል ኣሜሪካ ንኤርትራ ብሓይሊ ምስ ኢትዮጵያ ከም ትሕወስ ጌረንኣ::" ቢኒያም "ርግጸኛ ዲኺ?" ነቲ መንነትን ታሪኽን ዝትንክፍ ገዚፍ ኣርእስቲ: ኣብ "ርግጸኛ ኣይነበረትን" ዝብል ሃጓፍ'ዩ ደራሲ ኣንጠልጢሉ ገዲፉዎ:: ምስቲ ኣነ ዝግምቶ ዓቕምን ኣፍልጦን ናይ ደራሲ: ደራሲ ሙሉእ መልሲ ክህበሉ ይኽእል ኔሩ'ዩ ዝብል ርድኢት'ዩ ዘለኒ:: ነቲ ሄርሜላ "ርግጸኛ ኣይነበረትን" ኢሉ ደራሲ ኣብ ሓዲግ ዝገደፎ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ: ናይ ናጽነት ሕቶ ምዃኑን ናይ ኣሜሪካ ግደን ዘረጋግጹ ቡዙሓት መርትዖታት ኣለዉ:: ንኣብነት:
  1. ኣብ መንጎ ንጉስ ሃይለስላሴን ናይ ኣሜሪካ ፕረሲደንት ሩዘቨልትን: ብዕለት 5 ለካቲት 1945 ኣብ ግብጺ ዝተገብረ ዝርርብ ከምዝሕብሮ: መጻኢ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ወዲቑ ጥራይ ዘይኮነስ: መጻኢ ኤርትራን ህዝባን ብኽልቲኦም መራሕቲ ተወሲኑስ ናብ ዝርዝር ናይ መገዲ ባቡር ምህናጽን ናይ ነዳዲ ዕደናን ዕድላት ብቐዳምነት ንኣሜሪካ ክውሃብ ተሰማሙዑሉ ሰዓት'ዩ ኔሩ:: (http://images.library.wisc.edu/…/reference/frus.frus1945v08…, page 6)
  2. ካብ'ቲ ብዕለት 5 ነሓሰ 1948: ናይ ሕቡራት ነገስታት ኣሜሪካ ጠቕላሊ ስታፍ ናብ ጀይምስ ፎረስታል ዝተባህለ ጸሓፊ ናይ ምክልኻል ዝነበረ ዝሰደዱዎ መልእኽቲ ዝዓቢ መርትዖ'ውን የለን:: ረብሓ ናይ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ዋጋ-ዕዳጋ ክኣቱ የልብሉን ኢሉ'ዩ እቲ መልእኽቲ ዝድምድም:: (memorandum submitted by the US Joint Chiefs of Staff to James Forrestal, secretary of defense under President Harry Truman’s administration in August 5, 1948: https://history.state.gov/historicaldocume…/frus1948v03/d587)
ከም'ቲ ኣብ መጽሓፍ "መጉሃር እግሪ መኸል": ሱዉእ ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማሪያም (ውጩ) "ስማዕ ዘርኢት: ሕጂ ታሪኽ ምስናድ ናታትኩም ናይ ጸሓፍቲ እጃም'ዩ:: ነዞም ደቂ ኢዶም ከይትሰብሩዎም: ጹቡቕ ጌርኩም ኣብ ማዕከናት ዜና ኣቃልሑዎ:" ኢሉ ንደራሲ ዘርኢት ወልደእየሱ ዝተላበዎ: ደራሲ እዮብ ብእምነት ከኣ ካብ "ልቢ-ወለድ" ወጺኻ: ምስቶም በጃ ህዝብን ሃገርን ዝወደቑ ገንሸላት ብጾትካ ኣብ ዝመጽእ መጽሓፍትኻ ከተለላይና በዓል ሙሉእ ተስፋ እየ:: “ኣብቲ ኩነታት” ሓንቲ ካብተን ኣብ ዝተናውሐ ጊዜ ፍሉያት መወከስቲ ዝኾና መጽሓፍቲ ከይኮነት ኣይክተርፍን'ያ ዝብል እምነት ኣለኒ::