About the book

ነዚ ብጽሑፍ ከስፍር ዝደረኸኒ፣ ኣብ ሕብረተሰብና ብዛዕባ ገዛእ ርእሲ ምጽሓፍ ከም ነውሪ ወይ ጃህራ ስለ ዚርአ፣ ብፍላይ እቶም ኪጽሕፉ ኽእለት ዘሎዎም ኣያታትና ወይ ዓቕሚ ዝነበሮም ኣቦታትና፣ ብዛዕባ እቲ ዘሕለፉዎ ናብራ ምስ ገድሊ፣ ፖለቲካ ወይ ጅግንነትን ቅያን ማእሰርትን ዘይተተሓሓዘ ምስ ዚኸውን፤ “ነዚ ደኣ እንታይ ብጽሑፍ ከስፍረሉ፣” ብዚብል ዓሻ ኒሕ፣ ብዛዕባ እቲ ተራ ዚመስል ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕለታዊ ህይወቶም ኣብ ወረቐት ኣስፊሮም ዝገደፉልና ትውፊት ዳርጋ የለን እንተ በልኩ ኣየጋነንኩን። ኩሉ ወዲ ሰብ ዜሕልፎ ናብራ፣ ብዝተወሰነ ደረጃን ኣጠማምታን ኣገዳስነት ኣሎዎ። ንኣብነት ቅድሚ ኽልተ ወይ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት፣ ናይ ሓደ ተራ ኤርትራዊ ዕለታዊ ህይወት ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ኽንፈልጥ ኣይምደለናንዶ፧ ኣተሓሳስባኡ፣ ኣጠማምታኡ፣ እምነቱ፣ ማሪቱ፣ ምስዚ ናይ ሕጂ ምንጽጻሩኸ ኣይምጠቐመንዶ፧ ምግቡ፣ መሳትዮኡ፣ መዳቕሶኡ፣ ክዳኑን ግርባቡን፣ መዕቈቢኡ ኸመይ ይመስል ከም ዝነበረ ምጥላልከ ኣይምመ’ሰጠንዶ፧ ብዙሕ ግዜ ሰባት ብዛዕባ ቐደም፣ ብፍላይ ባዕላትና ንዝተመከርናሉ እዋን አዘንቢዖም ኬዘንትዉዎን ኬዕልሉሉን ይስማዕ እዩ። ዓገብ ኪብሃሉ ዚክኣል ኣይኮነን። ከመይሲ፣ ብጽሑፍ ዝሰፈረ መርትዖ ስለ ዘየለ። እንተ ዚህሉ ግና ነቲ እንተስ ብግርህነት፣ እንተስ ሰኣን ኣፍልጦ፣ እንተስ ብተንኰል ዝተማህዘ ሓሶት መረን ምኾነ። ህይወት ናይዚ ጸሓፊ’ዚ እምበኣር፣ ብመስተንክር ቅያን፣ ልቢ ብዜንጠልጥል ብርቂ ዛንታን ዘንቈጥቈጠ ኣይኮነን። ኣብ ብዙሕ ሸነኹ፣ ካብቶም ናይ መተዓብይቱ ኣመና ዘይፍለ፣ ግና መብዛሕትኦም፣ አረ’ውን ዳርጋ ዅላቶም ዝተመከርዎ ምቕሉል ናብራ እዩ። ኣንቢብኩም ክትዘናግዑሉን ክትምሃሩሉን ክትዓግቡሉን ተስፋ እገብር። ንኣቶ ዘምህረት ዮሃንስ፣ በቲ ወትሩ ኸይተሓለለ ንኽጽሕፍ ዜተባብዓንን ፍናን ዚህበንን፣ ንኡ ዘሎኒ ጥልቂ ኣኽብሮት እናገለጽኩ፣ ስለቲ ዝገበረለይ ዘበለ ሞሳይ ካብ ምግላጽ ሓሊፈ፣ ንወረታኡ በቲ ዚግባእ መጠን ክፈድዮ ዓቕሚ የብለይን። ንኣቶ ኤፍረም ሃብተጽየን ነቲ ብኮምፕዩተር ተጻሒፉ ዝተውድአ ኣንቢቡ ጠቓሚ ርእይቶን መኣረምታን ስለ ዘበርከተለይ ኣዕዚዘ እመስግን፤ ንኣቶ ክፍለጽየን በርሀ፣ ብዙሕ ጠቓሚ ሓሳባት ብፍላይ ድማ ሓደሓደ ናይ ባህሊ ቓላት ኣብ ምጥላል ዘበርከቶ ግደ ቀሊል ኣይኮነን’ሞ ብልቢ አመስግኖ።