About the book

መጽሓፍ ዘመነ ምንቅቃሕ መንእሰያት ኤርትራ: ንዝሓለፈን ህሉውን ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው: መንእሰያት ኤርትራ ካብ ዘለውዎ ማሕበራውን ፖሎቲካውን ሽግራት ወጽዮም ናብቲ ሓላፍነትን መሪሕነትን ዝስከምሉ መድረኽ ንምስግጋር እትሕግዝን ናብ መኣዲ ንቅሓት እትመርሕ መጽሓፍ ክትከውን ትኽእል'ያ ክብል ይደፍር። ተወሳኺ ህሉው ማሕበራውን ውልቃውን ስነ-ኣእሙራዊ ኣቃውማ ህዝብናን ሃገርናን ገምጊማ: ሃጋፋትና ንሽፍነሉ ኩርናዓት ኣተሓሳስባ ተማእዝን። መንእሰያት መሪሕ ገዛእ-ርእሶምን ሕብረተሰቦምን ኮይኖም: ኣብ ጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮምን ብዕትበት ዝነጥፍሉ ባይታ ንቅሓት ክትጋልህ ትፍትን። መንእሰያት: ዜቤታዊ: ዞባውን ዓለማውን ፖሎቲካዊ ኣትሓሳስብኦም ክብ ኣቢሎም ኣብ ዕብየት ለውጢ ሃገሮም ዓቢ ተራ ዝጻወትሉ ናይ ዘመንና ፖሎቲካዊ ኣትሓሳስባ ተዕቢ። እቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ጉዳዮም ገለ ከም ትዓዘብቲ: ገለ ውን ከም መሳርሒ ወይ መጋበርያ ኮይኖም ዝጸንሑ መንእሰያት ኤርትራ: ሓድሽ ኣትሓሳስባ ኣስሪጾም ንዝተቀበልዎ ሕድሪ ሰማእታቶም ከተግብሩሉ ዝኽእሉ ንቅሓት ተልዓዕል። ብፍላይ ምስዚ ኣብ ዞባና (ቐርኒ ኣፍሪቃ) ዝፍጠር ዘሎ ናይ ለውጢ ሃዋህው: መንእሰያት ኣብ ኩሉ መዳያት ጉዳይ ሃገሮም ሓላፍነት ክወስድሉ ዝኽእሉ ፖሎቲካዊ ንቅሓት ትቀሳቅስ። ኣብ ዝነበረን ዘሎን ማሕበራዊ ስነ-ኣእሙራዊ ኣቃውማና ብዕምቆት ብምፍታሽ: እታ ዝንኣሰት ሓሳብና ውን እንተኾነ ካብ ፈልሲ-መግዛእቲ ሓራ ትኾነሉ ናይ ንቅሓት ኣትሓሳስባ ክንሃንጽ ትዝቲ። ኣብ ታሪኽናን ቋንቋናን ዘለና ተገዳስነት ብዝልዓለ መልክዑ ኣቃልቦ ክውሃቦ ድማ ትላቦ።