About the book

መጽሓፍ - ደቂ ኣቤል፡
“ኪሻ ሃማ –ምጭውቲ ጓል” ኢሉዋ የእዳዋ እናሓዘ፣ ካብቲ ኣትያቶ ዝነበረት ሓሳባት ከውጽኣ እናሓለነ።
ንሳ’ውን እናሰሓቐት “ዲሻ ሃማ –ምጩው ወዲ” በለቶ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተት።
“ሲያንዳ ኤነሲናሜከ – ሲያንዳ ኣነ እፈትወኪ እየ” ደጊሙላ እናሓስሓሰ።
“ኮማ ኣቢንከ ሚልዮንተ – ምስ ሚልዮን ፍቕሪ ሒዙኒ ኣሎ”
ደቓይቕ እናሓለፈ ለይቲ እናዓሞቐ ኸደ……………
ደራሲ ሳሙኤል መንግስተኣብ ነዛ መጽሕፍ ከም መዘከርታ “ነቶም ካብ ቀቢላዊን እንዳዊን ኣተሓሳስባ ወጺኦም፣ ንምምስራት ሃገረ ኣፍሪቃ ዝቃለሱ ዘለዉን እተቓለሱን ሓለይቲ ምዕባለ ኣፍሪቃ ትኹነለይ።” ብምብል ምጅማሩ እታ መጽሓፍ ነዚ ቴማ ክትስዕስዓሉ እያ ብምባል ሓሲቡ ምንባኣብ ዝጀመረ ነባቢ፡ ቅኑዕ ግምት ከምዝወሰደ ነታ መጽሓፍ ኣንቢቡ ምስወደአ ክስወጦ እዩ።
መጽሓፍ “ደቂ ኣቤል” ኣብ ሓሳብ ደራሲ ሳሙኤል መንግስተኣብ ዝተፈጥረ ክብረኣብ ዝበሃል ገጸ ባህሪ ንባዕሉ ኣብ ሓሳቡ ታሪኽ ብዝሰርሑ ኣቤል፡ ማህደረን ሚልዮንን ዝተሃንጸት መጽሓፍ እያ። ነቲ በዞም ናይ ሓሳብ ባህርያት ተፈጢሩ ዘሎ ኣስታት 300 ገጽ ጽሑፍ ኣብ ምንታይ ጂር (genre) ናይ ስነ ጽሑፍ ክምድቦ ጨኒቑኒ እዩ። እቲ ዝቐረበ ግና “ፍልስፍናዊ ልቢ-ወለድ” ኣብ ዝብል ክምድቦ ተገዲደ። ነዚ ዘበለኒ ምኽንያት እቲ ኣብዚ ቐሪቡ ዘሎ ዛንታታት ብዛዕባ ትርጉም ህይወት፡ ሞራልን ስነ ምግባርን ሰብ፡ ሓርነት ሓሳብን ንሓቂ ዝግበር ተወፋይነትን ብፍላይ ድማ ንህላዌን መንነትን (existence and identity) ብዓሚቕ ስለዝትንትን እዩ። እዚ ግና ኣብ ደረቕ ባይታ ዘይኮነስ ልብኻ ብዘንጠልጥሉ ዛንታታት ሰባት፡ ጭካነን ፍቕርን ብዝተገልጹ ትረኻታትን ተሓዚሉ እዩ ዘጓዕዘካ።
ኣቤል፣ ማህደረ፣ ሲያንዳ፣ ማሉዳን ሚልዮንን ኣይፋለጡን እዮም። ሓደ እዋን ግን በብጉዳዮም ኣብ ሓሳብ ክብርኣብ ተፋሊጦም። ዳርጋ ብማዕረ ገጻት ማለት ኣቤል፡ ማህደረን ሚልዮንን ነፍሲ ወከፎም ኣስታት 100 ገጽ ሸፊኖም። ኣብ ገሊኡ ብጸበባኦም ከሳቕዩና፡ ብሓደ ወገን ንኣእምሮና ወጢሮም ኣብ ባሕሪ ሓሳብ ዝሸሙናን ንእምነትና ክፈታተኑ ላሕ ዝብሉ ኣብ ገሊኡ ንመንነትናን ባህልናን ከነቕልበሉ ዝሓቱና ባህርያት እዮም። እዞም ዛንታታት ዝጭበጡ ነቲ ህሉው ዓለም ዝውክሉ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘየለዉ ብክብረኣብ ኣቢሎም ኣብ ሓሳብ ሳሙኤል መንግስተኣብ ዘኹድዱ እዮም።
ኣቤል፡ ሓሳብን ህልዉን እዩ- ኣብ ሓሳብ ክብረኣብ። ንሱ እቲ ‘ንኣኻውሕ ናብ ሓመድ ቀዪረ፣ ሓረስቶት ከይተሸገሩ ኣብ ጎቦን ሜዳን ብማዕረ ክሓርሱ ከምዝኽእሉ ክገብር’የ’ ኢሉ ዝፍክር ዝነበረ ግና ኣብ ህልም ዝበለ ኣርዑት ዉትህድርና ተሸሚሙ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ጥፍኣት ሰባት፡ መግደራን ክርኢ ሕልሙ ከየተግብር ብ ኣዘዝቲ ሰራዊት መከራኡ ዝበልዐ ዘደንግጽ ፍጡር ኮይኑ፡ ደራሲ ኣብ ሓሳብ ክብረኣብ ዝፈጠሮ እዩ።  እቲ ክዉንነታዊ ሓሳብ ክብርኣብ ነቲ ሓሳባዊ ሓሳብ ክዛረብ’ከሎ፡ “ኣቤል ውዑይን ደፋርን ስለዝነበረ፣ ወተሃደራውያን ሓለፍቱ ይጸልኡዎ ነበሩ። ነቲ ኣብ ሕልንኡ ዝዓንበበ ሓሳብ ቀይሮም ከምቲ ናቶም ክሓስብ ከእምኑዎ ኣይከኣሉን።” ይብል ተዘክሮታቱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ተገቲሩ።
ማህደረ፡ ከምቲ ኣብቲ መእተዊ ተገሊጹ ዘሎ “ኣተሓሳስባኡ ናብ ፍልስፍና ሂወት ስለእተቐየረ፣ ካብ ሰባት ተፈልዩ መስመር ኣስተንትኖኡ ኣነጺሩ ዘይተጸለለ ጽሉል ኮይኑ ኣብ ተሰነይ ክነብር ዝመደበ ንስኽራን ኣብ ውሽጣዊ ኣእምሮ ክብርኣብ ዝፈጠረ ባህሪ እዩ።” ንዳርጋ 100 ገጻት ዝሸፈነ ናይ ስኽራንን ደገ ምሕዳርን ህይወት ማህደረ ብፍልስፍና ዝተላዕጠጠ እዩ፡ ኣብ ገሊኡ ንኸንቱነት ሰብ የስተንትን ኣብ ገሊኡ ድማ ንእምነትን ሃይማኖትን ሰባት ይብድህ፥ “እቲ ንኣስታት ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ብሃይማኖታትን ፍላስፋታትን እዛ ዓለም እተኣምነሉ “ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ኣሎ” ዝብል ኣተሓሳስባ፣ ናብ “ንሕና ኣብ ውሽጢ ኣምላኽ ኢና እንነብር” ዝብል መርትዖ ክበጽሕ’የ።” እናበለ ማህደረ ብዛዕባ ፍጥረትን ፈጣሪን ዝመስሎ እናተፈላሰፈ ኣእምሮና ክሳብ ዝሓብጥ’ዩ ብሓሳብ ዝውጥረና።
ሚልዮን፡ መቐጸልታ ማህደረ’ዩ። ኣብ ርእሲ ክብርኣብ ዝነብር ውሽጣዊ መሕደር ሓሳባት ማህደረ እዩ። ንሱ ኣብ መንጎ እታ ናብ ወጻኢ ምኻድ ዝሕልማ ጓል ትግርኛ መርሃዊትን እታ ን” ምዕቡል ዕለም” ራሕሪሓ ኣብ ማእከል ደቂ ዓደይ እናነበርኩ ንህዝበይ ከገልግል ኢላ ካብ ምዕራብ ዝተመልሰት ጓል ኩናማ ዶክተር ሲያንዳ ኣብ ባረንቱ ብፍቕረን ዝተወጠጠ እዩ። እዚ ኣብ መወዳእታ ክፋል ዘሎ ዛንታ እምበኣር’ዩ ሃገረ ኣፍሪቃ ትምስረተሉ ብኣምሳል መውስቦ ሚልዮንን ሲያንዳን ዝምድና መርሃዊትን ማሉዳን ዝጅመር።
እቲ ኣብዚ ዘሎ ዛንታታት ርእሱ ዝኸኣለ ሰለስተ መጠናዊ ልቢወለድ (ኖቬላ) እኳ እንተኾነ ኣብ ሓሳብ ክብረኣብ ተሓዚሉ ከምሰንሰለት ተኣሲሩ ከም ሓደ ዛንታ ቐሪቡ ኣሎ። ጸሓፊ ዘርኣዮ ክራኸብ ዘይክእል ዛንታታት ዝመስል ብዝመሃዞ ሓሳባዊ ሜዳ ክተሓሓዙ ምግባሩ ፍሉይ ቅዲ ኮይኑ ረኺበዮ። ቅድሚ ሕጂ “ደድሕሪ ሓንቲ ጓል” ኣብ ትብል መጽሓፉ ዘርኣዮ ኣብ ሓሳብ ዝፍጠር ዛንታታት ኣብዛ መጽሓፍ ብገፊሕ ሓንቢስሉ ኣሎ።
እቲ ዛንታት ተደኲንሉ ዘሎ ከባቢታት በዓል ቡሹካ፡ ተሰነይን ባረንቱን ምዃኑን እቶም ባህርያት ደቂ ትግርኛ፡ ኩናማን ናራን ምዃኖም ጽባቐ ፈጢሮም፡- ጽባቐ ባህሊ፡ ጽባቐ እምነትን ጽባቐ ፍቕሪን። ብፍላይ እታ ንናብራ ኣመሪካን ንክብሪ ምዕራብን ጠንጢና ኣብ ኣጓዱ ዓድታት ጋሽ ባርካ ምስ ብዙሕ መስገደል ትነብር ሲያንዳ ኮኾብ ጽባቐ ናይዛ መጽሓፍ እያ። “ካብ ባረንቱ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ዓዲ ክትነብር ወሲና። ኣብቲ ብእግራ መሬት እናሃረመት ብሳዕስዒት ቑልዕነታ ደሮና ተልዕለሉ ዝነበረት ዓዳ፣ ምስ ደቂ ዓዳ እናተጋንሐትን ፍልስፍና ምንባር እናስተማቐረትን ክትነብር ወሲና።’ ብዓቢኡ ድማ እቲ ኣፍሪቃውያን ካብ ዓዶም ምስዳድ ገዲፎም ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነቶም ዘሳቕይዎም ደቂ ዓዶም በዲህካ “ሃገረ ኣፍሪቃ” ኣብ ምምስራት ተምሳሌኣዊት ጽባቐ እያ። ንሚልዮን እታ ካብ ኣስመራ መጺኣ መርሃዊት ናብኣ ክትውጥጦ በቲ ኻልእ ድማ ፍቕሪ ሲያንዳ ኣይገድፈካን ዝብሎ ምጉታት ጽባቐን ቁምነገርን ኢኻ ተንብብ። እዚ ብዘገርም ጥበብ ዝተገልጸ ምሳሌኣዊ “ን ኣፍሪቃ ሓዲግና ንኺድ ናይ መርሃዊትን፡ ኣይፋልን ናብ ኣፍሪቃ ንመለስ ናይ ሲያንዳን” እዩ።
ሲያንዳን ማሉዳን ምህላዎም ነዛ ዛንታ ኣማሙቖማ እዮም። ብእኦም ኣቢልካ ባህሊ ኩናማ ተስተማቕር፡ ስም ከተማ ባረንቱ ብዝምልከት ከይተረፈ ከምዚ ተንብብ፡ “ባረንቱ ካብ ቋንቋ ናራ እተወስደ ጻዕዳ ማይ ማለት እዩ። እቲ ዳርጋ ልክዕ ኣደማምጽኡ ብቛንቋ ናራ ከኣ ‘ቢያ ኣሬንኮ’ እዩ። ቢያ ኣሬንኮ ማለት ድማ ናብ ቛንቋ ኩናማ ክትርጎም ከሎ ‘ቢያ ኣራ’ ማለት እዩ። ቢያራ ማለት ድማ ብትግርኛ ጻዕዳ ማይ ማለት እዩ” ።
መጽሓፍ “ደቂ ኣቤል” ብጸበባን ማሕዩርን ሓሊፋ ብሚልዮንን ሲያንዳን ፍቕሪን ምትሕውዋስን ኣተግቢራ ተስፋ ሰኒቕካ ትወጸላ እያ። ኣብ ነፍሲወከፍ ሕጥቦ ጽሑፍ ንጥቕሲ ዝከውን ዝተተኽተኸ ሓሳብ፡ ፍልስፍናን ፍልጠትን እዩ ዘሎ። ኣፍሪቃዊ ምትእኽኻብ ድማ ካብቲ በዓል ማሉዳ “ኣዕራብ ሓወቦታትኩም ንሕና ድማ ኣኮታትኩም ኢና።” ዝብለና ናብ ብሓሳባዊ መውስቦ ምጥርናፍና ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ፡
“ፍቕሪ ኣፍሪቃውነት ካብ መውስቦን ብሓደ ምንባርን እዩ ዝጅምር። ኣፍሪቃ ከምቲ ናይ ካልኦት ሃገራት ምዕባለ ከተምጽእ እንተኾይና መዝሙራ፣ መዝሙር ፍቕሪ ክኸውን ኣለዎ። መዛሙር ባእሲ፣ ግጥምታት ጭንቂ፣ ጥቕስታት ኲናት ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣፍሪቃዊ ክርሕቕ ኣለዎ። ሕስብ እሞ ነብሎ ኣፍሪቃዊ ምትእኽኻብ ካብ ሓሳባዊ ምውሳብ እዩ ዝጅምር።”
ከምቲ ዝተገልጸ እዛ መጽሓፍ ንህላወን መንነትን ሰብ ክትገልጽ ዘይተጓዕዘቶ መገዲ የለን፡ “ሓንቲ ሃገር ኣብ ክንዲ በቲ ፖለቲካዊ ናይ መግዛእቲ ካርታ፣ በቲ ናይ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ኣቀማምጣ መሬትን፣ መውስቦን ተራእዩ ተፈጥሮኣዊ ካርታ የድልየና ኔሩ። ንዓና ቋንቋና ሕብርና’ዩ። ብዝሒ ቋንቋን ባህሊን ስለዘለና፣ ብጽቡቕ ምሕደራ እትመሓደር ሓንቲ ኣፍሪቃ ተድልየና ኣላ። ሃገር ማለት መሬት’ዩ። ሉኣላውነት ማለት ድማ ህዝቢ። ህዝቢ እንተዘይከቢሩ እቲ መሬት ሃገር ኣይኮነን ዝኸውን። በዱ መሬት እዩ ዝበሃል። ቋንቋ ሃገር ኣይኮነን። ቋንቋ ህዝቢ እዩ።”
ኣብ መደምደምታ፡ መጽሓፍ “ደቂ ኣቤል” ኣብ ሓሳብ ብዝተሃንጹ ፍጡራን ኣቢላ ፍቕሪ፡ ጭካነ፡ ጸበባ፡ ማእሰርትን ብዕምቆት እናዘንተወት ክትሓስብን ከተስተንትንን ትገብረካ ዛጊት ኣብ 2026 ካብ ዘንበብክወን መጽሓፍቲ ትግርኛ እታ ዝበለጸት ኮይና ኣላ።
በየነ ሰመረ