About the book

ኣርእስቲ ጠበቓ ጸጋይ ኢያሱ ደላዪ ናጽትን ፍትሕን

ደራሲ: እምነቱ ተስፋይ  ኖርወይ ብዝሒ ገጽ  296 ዓቐን መጽሓፍ  9ኢንች ብ6ኢንች ኣርታዒ: ፕሮፌሰር ተስፋየሱስ መሓሪ ዲዛይንን ለይኣውትን: ግርማይ ቦኽረ ካሕሳይ ናይ ገበር ዲዛይን: ኣማን ተኸስተ ዝተሓትመትሉ ትካል  ቡክ ሎጂክስ ኣሜሪካ ኣሕታሚ ሰማያት መጽሓፍ ዝተሓትመሉ ግዜ  መስከረም 2020  

መእተዊ፡

ጸጋይ እያሱ፡ ተሪርን ተባዕን፡ ሓበን ብዙሓት፡

  ጠበቓ ጸጋይ እያሱ ከም ሓደ ተውህቦ ዘሎዎ ጻዕራም ተመሃራይ ጀሚሩ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ድማ ኣዝዩ ፍሉጥ ጠበቓ፡ ክኢላ ቋንቋ፡ ደራሲ፡ መምህር፡ ርእሰ-መምህር፡ መዳራይ፡ ንዝተፈላለዩ ኤምባሲታትን ንገለ መራሕቲ መንግስታትን ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ከምኡ’ውን ናይ ፖለቲካ፡ ኣማኻሪ ኪኸውን በቒዑ። ጠበቓ ጸጋይ እያሱ ብኤርትራውነቱ ዚሕበን ፍሉጥ ሓርበኛ እዩ ነይሩ። በቲ ዝውንኖ ዝነበረ ሰፊሕ ፖለቲካዊውን ሕጋውን ብልሓትን ርክባትን፡ ንናጽነት ኤርትራን ንመሰል ኤርትራውያንን፡ መጀመርያ ኣብ ኤርትራ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ሜዳን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ብትብዓት ተቓሊሱ ዝተዓወተ እዩ። እዚ፡ ኣብ ነብሱን ኣብ ስድራቤቱን ዓቢ ጕድኣት ከም ዘስዓበሉ ድማ ይፍለጥ። ጠበቓ ጸጋይ እያሱ፡ ኣብቲ ናይ ናጽነት ምንቅስቓስ፡ ዘሎዎ ዓቕሙ፡ ተውህቦኡ፡ ሞያኡን ተጠቒሙ ዳርጋ ንምሉእ ህይወቱ ብንጥፈት ተሳቲፉ። ንሱ ኣንጻር ዝኾነ ንኤርትራ በስገዳድ ክገዝእ ኣብ ዝፈተነ ሓይሊ፡ ናይ ቃልሲ ህይወት መሪሑ። እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ ህይወቱ ኣንጻር መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ ድሒሩ ድማ ኣንጻር መንግስቲ ደርግ ብትብዓት ኣብ ምቅላስ ኣሕሊፉዎ። ከም ጠበቓ መጠን ነቶም ብፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ተኸሲሶም ዝእሰሩ ዝነበሩ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ተኸላኺሉሎም። እቲ ንዑኡ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ እቲ ዘርእዮ ዝነበረ ትብዓት’ዩ። ብርክት ዝበሉ ካልኦት ጠበቓታት፡ ንህይወቶምን ናይ ጥብቅና ፍቓዶም ከይሕደጉን ብምፍራሕ፡ ብፖለቲካ ናይ ዝተኣስሩ ሰባት ጕዳይ ምሓዝ ይኣብዩ ነይሮም። ድሒሩ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ 1970ታት ግን፡ ጠበቓ ጸጋይ፡ ባዕሉ ክልተ ግዜ ብፖለቲካ ምኽንያት ተኸሲሱስ ተኣሲሩ ነይሩ። ከምኡ ኾይኑ ግን፡ ንገዛእቲ ሓይሊ ምብዳህ ደው ኣየበሎን። እቲ ኣብ ህይወቱ ብቀዳምነት ዝሰርዖ ዝነበረ ዕማም፡ ንኤርትራ ናጻ ንምውጻኣ ብምቅላስ፡ ብህዝባ ትመሓደር ሃገር ክርኢ ምዃኑ ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ደጋጊሙ ዝርአ’ዩ። ስለዚ፡ ጠበቓ ጸጋይ እያሱ ንዝቕልቀሉ ወለዶታት፡ ከም ሓደ ምንጪ ናይ ቃልሲ ኮይኑ ብምግልጋል ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዅሎም ንናጽነት ተቓለስቲ፡ ዚበርህ ቀንዴል ኮይኑ ኪነብር እዩ። ጠበቓ ጸጋይ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን እስያን ኣንጻር መግዛእቲ ዝቃለሱ ዝነበሩ ጀጋኑ ተጸልዩ፡ ካብቶም ውሑዳት ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝደለቡ ሰባት ሓደ እዩ። ጓሉ ትብለጽ፡ ከም ትዝክሮ ኣቦኣ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ርሒቖም ናይ ዝርከቡ ንናጽነት ዝቃለሱ ከም በዓል ማሃትማ ጋንዲ፡ ፓትሪስ ሉሙምባ፡ ኣሕመድ ቤን ቤላ፡ ክዋመ ኑክሩማን ሆ ቺ ሚንን ጋዜጣታት ዓቂቡ ይሕዝ ከም ዝነበረ ትዝክር። ንሱ ብዛዕባ ጽቑጣት ኣህዛብ ዓለም ኣዝዩ ሰፊሕ ራእይ ዝነበሮ ኾይኑ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመ ሰብ ከም ምንባሩ መጠን ሓንቲ ናጻን ገዛእቲ ዘይብላ ናይ ብሓቂ ናጻ ኤርትራ ክርኢ ቍርጺ ውሳኔ ነይሩዎ። ክንዮ ፖለቲካዊ ንጥፈታቱ፡ ጠበቓ ጸጋይ ኣብ ብዙሕ ንምዕባለ ሕብረት-ሰብ ኤርትራ ሓጋዚ ተራ ኣሎዎ ኣብ ዝበሎ ንጥፈታት'ውን ይሳተፍ ነይሩ። ጠበቓ ጸጋይ ንጹርን ነዊሕን ራእይ ነይርዎ። ንኣብነት፤ ኵዕሶ እግሪ ኣብ ኤርትራ ኪምዕብል ዓቢ ተራ ነይሩዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ኣውራጃ ዝተመርኰሰ ዘይቅርዑይ ስፖርታዊ ውድድራት'ውን ኣበርቲዑ ይቃወሞ ነይሩ። ብዘይካ'ዚ ንሱ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣደራሽ ምምሕዳር ከተማ ናይ ስነ ጽባቐ (ቍንጅና) ውድድር ክካየድ ዝወደቡ ሰባት’ውን ነይሩ። ኣብ ብዙሕ መዳያትውን ተሳቲፉ። ጠበቓ ጸጋይ፡ ብዙሕ ስራሓት ዘማልአ ምንባሩ፡ ኣብ ምዕራፍ 7፡ ዝኽሪ ጅግና ጠበቓ ጸጋይ እያሱ፡ ብቐረባ ዝፈልጡዎ ዝተጻሕፈ ኣንብቡ። ጠበቓ ጸጋይ ንህዝቡ፡ ቃልሲ ንናጽነትን ፍትሒ ንነፍስወከፍ ሰብን ዚምልከት ታሪኽ ገዲፉ ሓሊፉ። ኣብ ፍትሒ፡ ፈጺሙ ነቕ ዘይብል እምነት ስለ ዝነበሮ፡ ፍትሒ ንምርካብ ኣብ ዝምልከት ሕቶ፡ ንጸላእቱ ከይተረፈ ይቃለሰሎም ነይሩ። እዚ ንመጻኢ ወለዶታት ሓደ ነባሪ ናይ ቃልሲ ድርኺት ዘገልግል’ዩ። ድሕሪ ፍሽለት ፌደራላዊ ስርዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዘይፍትሓዊ ምሕደራ ክሳቐ ጀሚሩ። መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴን ኰራዅሩን ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ብዛዕባ ናጽነት ሃገሮም ዝሓቱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ውልቀሰባትን ጕጅለታትን ግፍዕታት ምፍጻም ተተሓሒዞሞ። እቲ ተግባራቶም ብምድንጋር፡ ብሸርሕን ዘይፍትሓውነትን ዝተዓብለለ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ጠበቓ ጸጋይ፡ ጅግና ተቓላሳይ ብምንባሩ፡ በቲ ሽዑ ዓሲሉ ዝነበረ ኵነታት ዕላማኡ ካብ ምትግባር ኣይተገትአን። ንዝኾነ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ነቶም ኤርትራ ፌደራላዊ ስርዓት ብዝብል ስም ድሕሪ ምጕባጣ ኣብ ኤርትራ በብተራ ዝተቐልቀሉ መንግስታት ኢትዮጵያ፡ ብዕቱብ ተቓሊሱዎም። ኣብ ለካቲት 1974 ስርዓት ሃጸይ ሃይለሰላሴ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ዝብል ናይ ሬድዮ ፈነዋ ምስ ተሰምዐ፡ ጠበቓ ጸጋይ እያሱ፡ ናብ ደርግ፡ "እንቋዕ ኣብዚ ኣብጽሓኩም" ዚብል ሰናይ ትምኒቱ'ውን ዚገልጽ ቴለግራም ብምልኣኽ፡ ናይ መጀመርያ ሰብ ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ንህዝቢ ኤርትራ ክበታትኖን መሬቱ ክምንዝዕን ይደሊ ከም ዝነበረ ዘዘኻኸረ ቀዳማይ ዜጋ'ውን እዩ። ብዛዕባ’ቲ ዝሰደዶ ቴለግራም፡ ብእዋኑ ኣብ ሬድዮ ኢትዮጵያ ከም ዝተፈነወ ድማ ይፍለጥ። ስም ጠበቓ ጸጋይ እያሱ፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ክብሪ መዝገብ ኤርትራውያን ጀጋኑ ሰፊሩ ክነብር እዩ። ንሃገሩ ዝነበሮ ፍቕርን፡ ነቲ ዕላማ ዝነበሮ ተወፋይነትን፡ መጻእቲ ወለዶታት፡ ኣብ ሃገሮም ዘስግእ ኵነታት ምስ ዚቕልቀል፡ ናይ ምቅላስ መንፈሶም ኣብ ምዕዛዝ ዓቢ ተራ ከምዚህልዎ ኣየጠራጥርን።