About the book
መእተዊ
ኣብ ታሪኽ ኣብርሃን መጐስ ኣስገዶምን ዘተኮሩ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት መጻሕፍትን ዓንቀጻትን ተጻሒፎም እዮም። ብሬድዮን ቴሌቪዥንን ከይተረፈ ብዛዕባኣቶም ተዘሪቡ እዩ። እቶም ዝቐርቡ ዝነበሩ ጽሑፋት ዳርጋ ኹሎም ምባል ይከኣል፡ ሓደ ወይ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም። እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ዛንታ፡ መብዛሕትኡ ብኢትዮጵያውያንን ወይ ከኣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምወላ ሜድያታት እዩ ክቐርብ ጸኒሑ። ዕላማኡ ድማ ኣብርሃ ደቦጭን መጐስ ኣስገዶምን ነቲ ተባዕ ስጉምቲ ክወስዱ ዝደፋፍኦም፡ ፍቕሪ ሃገር ኢትዮጵያ ስለዝሓደሮም ንምባል እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብቲ ኣቀራርባ ርኡይ ዝኾነ ጉደለትን ምዝንባዕ ታሪኽን ይረአ እዩ። እዚ ክሳብ ሕጂ ከይተመርመረ ጸኒሑ ኣሎ።
ሓደ ኢያን ካምቤል[1] ዝተብሃለ እንግሊዝያዊ ጸሓፋይ ኣብ ልዕሊ ኢጣልያዊ ጀነራል ግራዝያኒ ዝተገብረ ፈተነ-ቅትለት ብዕምቆት ትምርምር The Plot to Kill Graziani ትብል ዓባይ መጽሓፍ ብ2010 ኣሕተመ። ካምቤል፡ ኣብ መጽሓፉ ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፉ ኣብርሃን መጐስን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካልኦት ሰለስተ ሰባት’ውን ከምዝነበሩ ብዝርዝር ኣቕሪቡ። በዚ ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ እቲ ስርሒት ብኣብርሃን መጐስን ጥራይ’ዩ ተፈጺሙ ዝብል ብሂል ሰይርዎ። እሞ እቲ ስርሒት ብሓሙሽተ ሰባት እዩ ተፈጺሙ ዝበሃል እንተኾይኑ፡ ካብቶም ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፉ ሰባት ንኣብርሃን መጐስን ጥራይ ፈሊኻ ምጽሓፍ ንምንታይ ኣድለየ ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ እዩ።
ካብ መጀመርታኡ፡ ነቶም ሰለስተ ጎስዩ ሽም ኣብርሃን መጐስን ጥራይ ክለዓል ዝገበረ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ መንግስቲ እትዮጵያ ከምዝነበረ ክፍለጥ ኣለዎ። ነዚ መግበሪኡ ድማ፡ ንጸቢብ ፖለቲካዊ ዕላማ ክግልገለሉ ስለዝደለየ እዩ ነይሩ። (ዝርዝሩ ኣብ ምዕራፍ 12 ኣሎ)። እቲ ሽዑ ዝቐርብ ዝነበረ ዛንታ ኣብርሃን መጐስን ንልዕሊ 70 ዓመታት ከይተመርመረ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ። ክምርመር ስለዝግብኦ፡ እዛ መጽሓፍ ዓቢ ቆላሕታ ገይራትሉ ኣላ።
ኣብ ኣብርሃን መጐስን ጥራይ ትኹረት ሂበ ክጽሕፍ ዝደረኹኒ፡ ብዙሓት ምጽራይ ዘድልዮም ዘይተመለሱ ሕቶታት ስለዘለዉ እዮም። እምበኣር፡ ዕላማ’ዛ መጽሓፍ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባኦም ዝጸሓፍ ዝነበረ መርሚርካ፡ ነቲ ዝጎደለ መሊእካ፡ ነቲ ክእረም ዝግብኦ ኣሪምካ፡ ብዝተኻኣለ መጠን ዝተማልአ ቅኑዕ ታሪኾም ንምቕራብ እዩ። ነዚ ዕላማ’ዚ ንምውቃዕ፡ ክምለሱ ዝግብኦም ሕቶታት ኣለዉ። እቶም ክሳብ ሕጂ ንጹር መልሲ ከይረኸቡ ዝጸንሑ ሕቶታት፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም፣
- ኣብርሃን መጐስን መን እዮም፧ ድሕረ-ባይታኦም እንታይ ይመስል፧ ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምስጋሮም፡ ህይወቶም ኣብ ኤርትራ እንታይ ይመስል ነይሩ፧
- ኣብርሃን መጐስን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ዘገደዶም ምኽንያት እንታይ ነይሩ፧ ኣወጻጽኦኦምከ ከመይ ይመስል ነይሩ፧
- ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ክቐርብ ዝጸንሐ ጽሑፋት፡ ኣብርሃን መጐስን፡ ነቲ ጅግንነታዊ ተግባር ክፍጽሙ ዝደረኾም፡ ክቱር ስሚዒት ኢትዮጵያውነት ምዃኑ እዩ ክንገር ጸኒሑ። እዚ ክንድምንታይ ሓቅነት ኣለዎ፧
- መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ብ19 ለካቲት 1937 ዝተጨፍጨፉ ሰማእታት ኣብ 1942 ሓወልቲ ተኺልሎም ነበረ። እዚ ክግበር ከሎ ግና፡ እቲ ናብዚ ኣሰቃቒ ጭፍጨፋ ዘብጸሐ ሳዕቤን እንታይ ምዃኑ ኣይተገልጸን። ብኸምኡ ድማ፡ ስም ኣብርሃን መጐስን ክሳዕ 1949 ከይተለዓለ ተረፈ። ድሕሪ ናይ ሾብዓተ ዓመታት ስቕታ ግን፡ ኣብ 1949፡ ኣስማቶም ክለዓልን ጅግንነቶም ብወግዒ ክዝረበሉን፡ ናይ ክብሪ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክግበረሎምን ተወሰነ። ስለምንታይ፧
- ኣብርሃን መጐስን ኣማውታኦም ከመይ ነይሩ፧ ዓስከሬኖምከ ብኸመይ ተረኺቡ፧
- ኣብርሃን መጐስን ኣብ ቤተክርስትያን ስላሰ ኣዲስ ኣበባ ብኽብሪ ከም ዝተቐብሩ ይፍለጥ። ብልክዕ ግና ኣበየናይ ቦታ እዮም ተቐቢሮም፧



