About the book
✍️│ነፍሲ፡ ቃላታ ምስ ዝሞቱዋ፡ ንምድሓን ገዛእርእሳ ሓደስቲ ፊደላት ትወልድ እያ፣ ሽዑ ኣነ’ውን ክዝክር እየ!│
ካብ መጽሓፍ #ካልእ-ሃገር ዝተቖንጨለ (ገጽ 116-118)
“እቲ ሓቀኛ ውግእ፡ ንመሬት ዘይኮነስ ንምውናን’ቲ ብዛዕባ መሬት ዝተነግረ ዛንታ እዩ፡” እናበልኩ ናብ ዕቝባ ቤተይ ሰገድኩ። ሽዑ ምሸት፡ እተን ፌርማታት ካብ ኣዒንተይ ክሃሳ ኣይከኣላን። ኣቦይ፡ ክሳብ 15 መጋቢት ብህይወት እንተነይሩ፣ ‘እዛ ዕለት ናይ መስዋእቱ ግዜ ክትከውን ኣለዋ’ እናበልኩ ቅባጸት ወረረኒ። ጸሃይ ንእኡ ኣይረኣየቶን ክብል ብፍጹም ኣይክእልን። ነቲ ፍሉይ ምደባ’ቲ ፋንድ ዘጽደቐ ፌርማታት ምስቲ ካልእ ዘርኣየትኒ ሰነድ ይሰማማዕ ነበረ – ካብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ዝወጸ ናይ ምስግጋር ትእዛዛት ምስ ፍጻሜታት መጋቢት 1983፡ ገለ ምትእስሳር ክህልዎ ይኽእል እዩ። ካብኡ ብዝገደደ ኣብ ክልቲኡ እኩብ ሰነዳት ሓደ ዓይነት ኣስማት ርእየ እየ፡ ግን ከኣ ተራኦም ዝተፈላለየ። እቶም ናይ 1983 ከም ሞያተኛታት ሕክምና ተዘርዚሮም ዝነበሩ ሰባት፡ ናይ ሎሚ ዕማሞም ካልእ ክኸውን ይኽእል ማለት ድዩ፧ ኣስማት’ቶም ሰባትን ናይ ሎሚ ኣስማት ዓበይቲ መራሕትን ብዝርዝር ከጽንዖ ከም ዘለኒ ጥራይ እየ ዝተረዳእኩ።
“ስርሒት መልኣኽ” ቅድሚ ሎሚ ከም ታሪኽ ተዘንትዩ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ናይ ምንታይ ስርሒት እዩ፧ ነቶም ናይ ድሕሪ ናጽነት መዛግብቲ ፋንድ ሰማእታት፡ ምስቲ ‘ስርሒት መልኣኽ’ ዝጠቅስ መዛግብቲ ናይ 1983 ዘተኣሳስሮ ዛንታ ኣሎ እንተኾይኑስ እንታይ ኮን ይኸውን፧ ስም ወላዲየይ ምስቲ መዛግብቲ ምቅራቡስ ተራኡ እንታይ ስለ ዝነበረ እዩ፧ እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ብሓቂ ኣቦይ እንተኾነስ፡ ብኸመይ ኮን እየ ዘረጋግጽ፧ ብዘይካ እቲ ብኣደይ ዝተነግረኒ ስሙ’ኮ ካልእ መረጋገጺ የብለይን። እቶም ምስግጋሮም ዝተኣገደ ሞያተኛታት ከ እባ፡ ናበይ ንኸይሰጋገሩ’ዮም ዝተኣገዱ፧ ህዝባዊ ግንባርን ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳን ግን እንታይ የተኣሳስሮም፧
ብእውነት፡ ኣእምሮይ ተናወጸ!
ከም ናይ ጸሃይ ብቕዓት ሃልዩኒ፡ ነቲ ቅዲታትን ምትእስሳራትን ኣብ ኣእምሮይ ስኢለ ክፈትሖ ዓቅሚ ምስኣነይ ውጥረት ተሰምዓኒ። እቲ ውግኣት፤ ዳግመ-ፈርዓዊ ዕድል ንምሽፋን ኣረጊት ምስጢራት፡ ንምምኽናይ ሓድሽ መገድታት ኮነ ንምቁጽጻር ሓበሬታ ፈጢሩ ነይሩ። እዞም ሰነዳት፡ ገለ ዝዓሞቐ ነገር ዘቕርቡ ይመስሉ – ነቲ ሕሉፍን ህሉውን፡ ንሰማእታትን ህያውያንን፡ ንመስዋእትን ስልጣንን ዘራኽብ ድባራ ዝበታትኑ ሰነዳት ክኾኑ ይኽእሉ።
እቲ ጸሃይ ዝተዛረበትኒ ቃላት ኣብ ኣእምሮይ ተቓልሐ፡ “ንናጽነቱ ዝሰዓረ፡ ግን ከኣ ናጽነት እንታይ ማለት ምዃኑ ዝርስዐ ህዝቢ፡ እንታይ ይኸውን፧”
እቲ ሕቶ ንኣየር እታ መዝቆቒት ፓስታ ገዛና ከም ዝለዀኾ፡ ብትርጉም-ኣልቦነት ዝዘጠት መሰለት። ኣብቶም ወረቓቕቲ ቤትመዛግብትን ዝፈሰመ ዕቑር ዝኽሮምን፡ መልሲ ተቐሚጡ ከም ዘሎ ርግጽ እዩ። ብዛዕባ 15 መጋቢት 1983 ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ዋጋ ናጽነት፡ ዋጋ ሓድነት፡ ክብደት ዝተረሰዑ ሓቅታት ሰቲሮም ኣለዉ።
ጽባሕ፡ ድሕሪ-ጽባሕ፡ ምስ ሓድሽ ሕቶታት ሓድሽ ሓደጋ ከም ዘምጽእ ኣይፈልጥን። ንተዘክሮይ ከኣ ኣብ ውሑስ ቦታ ብጥንቃቐ ደብተርክዎ። ንሕጂ ግን ኣብቲ እናዓሞቘ ዝኸይድ ዝነበረ ጸላም-ለይቲ ኮፍ ኢለ፡ ብዛዕባ መብራህትን ከፈርን፡ ብዛዕባ ብርሃንን ጽላሎትን፡ ብዛዕባ ፍልልይ ናጽነትን ሓርነትን እሓስብ። ብዛዕባ እቲ ዝረኣኽዎ – ‘ገለ ሰማእታት ክልተ ግዜ ሰማእት ይኾኑ’ ዝብል አስተንትን። ምናልባት ዶ፡ ሓንሳብ ንሃገሮም፣ ሓንሳብ ድማ ንሓቅነቶም ከም ዝስውኡ ማለት ይኸውን፧ ክልቲኡ ብሓደ ክኸውን ዘይከኣል ዶ’ሞ ኾይኑ፧
ሽዑ ዘይፈለጥክዎ ነገር እንተነይሩ ግን፡ ምናልባት ስርሒት መልኣኽ፡ ኣብ ሓደ ኣረጊት ሰነድ ካብ ዝርከብ ሓረግ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ። እቲ ዝስሕቦ ወይ ዝስሕበኒ ዘሎ ፈትልታት፡ ናብ ዝጸልመተ ኵርናዓት ሃገራዊ ዝኽርና ከይወስደኒ ሰጋእኩ። ካብኡ ንላዕሊ ድማ እቲ ፈትልታት ተተቲዑ፡ ከም ተሪር ድባራ ኣብ ዘለኽዎ ንኽሳደይ ሓኒቑ ኸይቍልዕጾ እዩ። ብዛዕባ 15 መጋቢት 1983 ምርዳእ፡ ምናልባት ካብ ትብዓት ዝዛየደ ድልዉነት ዝሓትት ክኸውን ይኽእል እዩ ምኽንያቱ፣ ነቲ ብዛዕባ መስዋእቲ፡ ብዛዕባ ሓድነት፡ ብዛዕባ ዋጋ ናጽነት እኹል ፍልጠት ዝነበረኒ ዝመሰለኒ፡ ንዅሉ ኣብ ሕቶ ምልክት ንምእታዉ፡ ብሓቂ ድፍረት ዝሓትት ስለ ዝኾነ።
እዚ’ኮ ድሒረ መርከብክሉ። ንሎሚ ለይቲ ግን፡ ሕቶታትን ብትኽታኽ ፈትልታትን ምስዓብ ማለት፡ ኣብታ ብዝተቖጻጸረ ዝኽርታት ዝተሃንጸት ሃገር፡ ምዝካር ንባዕሉ ሰውራዊ ተግባር ክኸውን ከም ዝኽእል ምርዳእ እዩ። እቲ ዝገደደ ኸኣ፡ እዚ ርድኢት’ዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ርግጸኛነት ናይ ሓቂ ዘለዎ ምዃኑ እዩ።








