About the book
ዛንታታት ኮሎንያለ
ታሪኻዊ ጽዋ
ብሙስጣፋ መሓመድ ማሕሙድ
ትርጕም፤ ሩማና ዓብደላ
እታ ዓደቦታቱ ንእሽቶ ቁሸት፡ ኣብ በሪኽ ጎቦ እያ ተንጠልጢላ ዝነበረት። ኣብኣ ዝርከብ ብኣግራብ ቀላሚጦስ ዝተኸበ መቓብር ኣቦሓጎኡ ዘይኑልዲን፡ ነታ ኣብ ኵጀት ዝተደኰነት ዓዲ፡ እቲ ጻዕዳ ሕብሪ ዝመንደቑ መቓብር፡ መሊሱ ኣወቂቡዋ ነበረ።
ጣህርን ብጾቱን፡ በቲ ህዝቢ ተመሪሖም፡ ናብ’ቲ መቓብር በጽሑ። ኣብኡ ድማ፡ ንሰፈርቲ እቲ መቓብር ዱዓ ኣብጽሑ። እቲ ኣብ’ቲ መቓብር ዝርከብ ሸኽ፡ ብበረኸቱ ከጽልሎም ለመኑ። ነቲ ኣብ’ቲ መቓብር ደቂሱ ዘሎ ሸኽ፡ ምምጽኦም ሓበሩዎ፣ እንተዀነ፡ ከም ልማዱ ኣይተገደሰሎምን። ሻዘሊ ግን፡ ኣድህቦኦም ንምስሓብ፡ ነቲ መቓብር ኣቦኡ ክስራሕ ሓሳብ ዘቕረበ ንሱ ምንባሩ ክፍለጥ ድሌት’ኳ እንተ ነበሮ፡ ኣቓልቦ ማንም ሰብ ግን ክስሕብ ኣይከኣለን። ናብ’ቲ ቅርዓት ዓዲ ኣበሉ፣ በጻሕቲ፡ ብደቅ ሸኽናን ደቅ ደቁን ግሩም ኣቀባብላ ተገብረሎም። ኮሎንያለ፡ ዘረባ ኣቋሪጹ፡ ነቲ ፍጻመ ብታሕጓስ ክዕዘቡ ዕድል ሃቦም።
ሻዘሊ፡ ብዘጥረዮ ናይ ምስማዕን ምርኣይን ክእለት፡ ኣዝዩ ተሓጐሰ።
ጣህር፡ ኣብ’ቲ ቅርዓት ዓዲ ምስ በጽሐ፡ ሰባት ስለምንታይ ከቢቦምዎ ምንባሮም ክርድኦ ኣይከኣለን። እቲ ፈለማ፡ እቲ ዓጢቑዎ ዝነበረ ብረት ኣሻቂሉዎም’ዩ ዝኸውን ክብል ሓሰበ። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ሸኽ፡ “መስዋእቱ እንተ ዘይፈልጥ ንሱ ምበልኩ፡” በለ ብምግራም እናጠመቶ።






