About the book
ወርሒ ኒሳን ኣብ ኣጋ ምሕላፉ እዩ። ቤት ፋሪስ ኢፋንዲ ምብጻሕን፡ ኣብቲ ውቁብ ገደና ንሰልማ ረኺበ ንጽባቐኣ ቀው ኢለ ምጥማትን፡ ንብልሓ ኸድንቕን ህድኣት ጓሂኣ ምስማዕን እውን ቀጸልክዎ። ስዉር ኢድ ናብኣ ገጹ ኺጎተኒ ተሰመዓኒ። ሰልማ ከራሚ፡ ናይ ነፍሲን ኣካልን ጽብቕቲ እያ እንተኾነ፣ ንሓደ ዘይፈልጣ ሰብ ከመይ ኣቢለ ኾን'የ ኽገልጸሉ? ዝሞተ ሰብ ዶ መዛሙር ዑፍ ካናሪ፣ ምዑዝ ሽታ ጽገሬዳን ፈሽፈሽታ ናይቲ ዛራን ክዝክሮ ይኽእል እዩ? ከቢድ መቝሕ ዝጾረ እሱር ከ ፈሽፈሽታ ወጋሕታ ኽቅበል ይኽእል ዶ? ስቕታ ኸ ካብ ሞት ንላዕሊ ዜቐንዙ ዶ ኸይኾነ? ብሓቂ ብብሩህ ሕብርታት ክቀብኣ ዋላ'ኳ እንተ ዘይከኣልኩ፡ ንሰልማ ብንጹር ቃላት ንኸይገልጻ ኵርዓተይ ድዩ ዚዓግተኒ ዘሎ? እቲ ናይ እንጌራ ዕሩቕ፡ ገነት ብማናን ብርኒሂጎን እንተዘይካፈዮ ዝነቐጸ እንጌራ ንኽበልዕ ኣምበ ኣይምኣበየን። ጕሁይ መንፈስ ንእኡ ዝመስል ምስ ረኸበ እኮ እዩ ዜዕርፍ። እቲ ጋሻ፡ ነቲ ካልእ ኣብቲ ጋሻ ቦታ ምስ ርኣየ ኸም ዝፍሳህ ጌሮም ብፍቕሪ ይሓብሩ። ብኣማላድነት ጓሂ ዝሓበራ ልብታት ድማ ብሓበን ሓጎስ ከቶ ኣይፈላለያን። ብንብዓት ዝነጽሀ ፍቕሪ ድማ ብደጊኡ ፍጹምን ማራኺን ኮይኑ እዩ ዚቕጽል። ሰባት ኣይክኣምኑናን ኢዮም ምኽናያቱ፣ ንሳቶም፡ ፍቕሪ ብዘይ ሓገዝ ክፍላተ-ወርሓት ዝፈርዩን ዝዕምብቡን እንኮ ዕምበባ ምዃኖም ኣይፈልጡን እዮም። ዕምባባ ኒሳን ንመጀመርያ ናብዚ ዝመርሓናን፣ እዚ ኣብ ቅዱስ ቅዱሳን ህይወት ዚኣሳስረና ሰዓት እውን ከምኡ። ንመንፈስና ቅድሚ ምፍጣርና ዜራኸበን፡ ብመዓልቲ ኮነ ለይቲ ንሓድሕድና ከም እንተኣሳሰር ዝገበረ ኢድ ፈጣሪ ዶ ኸይኮነ? ህይወት ወዲ ኣዳም፡ ኣብ ማህጸን ኣይፍልምን፣ ኣብ መቓብር እውን ኣይውድእን።








