About the book

ድርኺት፣ ኣብ ምጅማርን ምፍጻምን ዕዮ ከምኡውን ኣብ ጽፈትን ብቕዓትን ፍርያት ሓደ ካብ ወሰንቲ ረቛሕታት'ዩ። ሓደ ካብቶም ብዙሓት ነዛ መጽሓፍ ንኽጽሕፍ ዝደፋፍኡኒ ምኽንያታት፣ እቲ መዓልታዊ ዝውዕሎ ማሕበራውን ሞያውን ህይወተይ'ዩ። እቲ ኣነ ኣብ ኖርወይ ዝውዕሎ፣ ዝርእዮን ዝዓሞን ሞያዊ ስራሕ፣ ብቐጥታ ምስ ህይወት ቈልዑን ስድራቤታቶምን ዝተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ፣ ብሰንኪ ትሕት ዝበለ ኣፍልጦን ተሞክሮን ብዙሓት ወለዲ ምስ ኣተኣላልያ ውሉዶም ዝተተሓሓዘ ጸገማት ከጋጥሞም ምርኣይ ኣካል መዓልታዊ ህይወተይ'ዩ። እቲ ብድሆ ድማ ካብኡ ናብኡ ኣብቶም ካብ ኖርወይ ወጻኢ ዝመጽኡ ስድራቤታት ከም ዝዓቢ ከስተውዕል ክኢለ ኣለኹ። ንሕና፣ እዞም ኣብ ኖርወይ እንነብር ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣካል ናይቶም “ካብ ካልእ ባህልታትን ሃገራትን ዝመጽኡ ኣህዛብ” ኢና። ስለዚ፣ እቲ ምስ ምቕያር ቦታን ባህልን ክፍጠር ዝኽእል ጸገማት፣ ንዓናውን ክጸልወና ግድነት ይኸውን። እቲ ሃስያ፣ ብውሱን ደረጃ ጥራይ ዝትንክፍ ዘይኮነስ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ። ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብዘውርዶ መጕዳእቲ'ውን ይፈላለ'ዩ። ብፍላይ ነቶም ከምዚ ከማና ተመዛቢሎም ዝመጽኡ ማሕበረሰባት፣ ስደትን ከርተትን ቀሊል ዘይኮነን ምስ ኹሉ ህይወቶም ዝተኣሳሰርን ነውጽታት'ዩ ዘኸትለሎም። ምረትን ከርተትን ንሱ ዘስዕቦ ሽግራትን ብብዙሕ'ዩ ዝገሃድ። እቶም ምስ ከምዚ ዓይነት ናይ ቦታን ባህልን ለውጢ ተተሓሒዞም ዝቕልቀሉ ብድሆታት ግና ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ኣይኮኑን ዝጸልዉዎ። ኹሉ ሰብውን ብሓደ ኣገባብ ኣይገጥሞምን እዩ። እቲ ዝዓበናሉን ኣድቂቕና እንፈልጦን ሕብረተሰብ ምስቲ ሎሚ እንነብረሉ ዘሎና ሓድሽ ሕብረተሰብን ባህሉን መቸም ዳርጋ “ኣብ ከምዝስ ይመሳሰል እዩ” ኢልና ክንገልጾ እንኽእል ተመሳሳልነት የብሉን። እታ እንኮ መመሳሰሊና፣ ሰባት ምዃንና ጥራይ'ዩ ኢልካውን ክግለጽ ይከኣል'ዩ። ኹሉ ቅድሚ ምስዳድና ዝነበረናን “የገድስና’ዩ” እንብሎምን ክቡራት ነገራትናን፣ ከም ስድራና፣ መዛኑና፣ ፈተውትና፣ ባህልና፣ ወግዕና፣ ፍልጠትና፣ ወዘተረፈ ኣብ ዓዲ ስደትና ምሳና የለዉን። ከም ውልቀሰብ'ውን ንናብራ ዓለም ክትገጥመሉ ኢልካ ዘጥረኻዮ ውህሉል ብቕዓትን ክእለትን ዝበዘሐ ገዲፍካዮ ኢኻ ተሰዲድካ። ኣብ ዘይትፈልጦ ባህልን ሕብረተሰብን፣ ከም ብሓድሽን ሓድሽ ህይወትን ክትጅምር ድማ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብቲ ብኹለንትናኡ ዝሕድሰካን ዘይትፈልጦን ዓዲ፣ ሓድሽ ህይወት ክትምስርት ኢልካ ኣብ ትቃለሰሉ፣ ከም ስግኣት፣ ዘይርጉጽነት፣ ፍርሒ ዝኣመሰሉ ዘይጥዑማት ስምዒታት ንወጻእተኛ ካብ ዝብድሁን ግድን ዝረኣዩን ንቡራት መልሰ ተግባራት እዮም። ካብኡ ሓሊፉውን ኣብ ገለ እዋን ትገብሮ ምስ ሓርበተካን ፈተናታትካ ድማ ብተደጋጋሚ ምስ ፈሸለኻን፣ ክሳዕ “ብዓንደርእሱኸ እንታይ ክገብር'የ ናብ ዓዲ እገሌ ዝተሰደድኩ᎒” ናብ ዘስምዕ ተስፋ ምቝራጽን ካልኦት ኣሉታዊ ስምዒታትን እንተ ብቡዙሕ እንተ ብውሑድ ናይ ብርክት ዝበሉ ተመዛበልትን ወጻእተኛታትን ተሞክሮ'ዩ። እቲ ባህ ዝብል ነገር ግና፣ እዚ ኩነት'ዚ ከምኡ ኢሉ ዘይነብርን ሓላፍን ምዃኑ’ዩ። ወላ ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተለወጠ፣ ብውሑዱ ጸጸኒሑ ዝመጽእን ዝኸይድን ክኸውን ይኽእል። እንሓንሳብ ትትስፎ፣ እንሓንሳብ ድማ ስምዒትካ ይትንከፍ። ምኽንያቱ ሰብ ነቲ ሓድሽ ናይ ስደት ዓዱ ይለምዶ፣ ቀስ ኢሉ ይወሃሃዶ፣ ጸኒሑ ድማ ወዲ ዓዲ ይኸውን። ከምቲ ኣቕድም ኣቢለ ዝገለጽኩዎ፣ መዓልታዊ ስረሐይ ምስ ስድራቤት፣ ቈልዑን ወርጠበታትን ዝተተሓሓዘ’ዩ። ብፍላይ ድማ ፍሉይ ሓገዝ ምስ ዘድልዮም ሕጻናትን ቈልዑን ሕልፍ ዝበለ ናይ ስራሕ ምትሕሓዝን ዝምድናን ኣሎኒ። ኣብዚ ዓውዲ'ዝን ከባቢኡን ዘሎኒ ተሞክሮ ከኣ ዕዝዝ ዝበለ’ዩ። “ነቶም ካብ ተመሳሳሊ ባህልን ሕብረተሰብን ዝመጻእናን ብተመሳሳሊ ብድሆታት ንሓልፍ ዘለናን ስደተኛታት ክጠቕሙ ይኽእሉ'ዮም” ንዝበልኩዎም ገለ ገለ ካብ ናይ ስራሕ ተሞክሮታተይን ሞያዊ ስረሓተይን ዝተቐስሙ ምኽርታትን ድማ'የ ለጊሰ ዘለኹ። ዕላማ ናይ'ዛ መጽሓፍ፣ ብቐንዱ ውልቃውን ምቕልል ዝበለን ሓሳባት ንምክፋል ጥራይ’ዩ። ንኹሉ ኣንባቢ “እዚ ተላዒሉ ዘሎ ዛዕባን ሓሳባትን ሓድሽን ብርቅን'ዩ” ዝብል እምነት የብለይን። ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ዘይጭምት ክኸውን ከም ዝኽእል እኣምን'የ። ኹሉ ሰብ ግና ኣብ ገለ መዳያቱ ክረብሓሉ ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ብቋንቋ ኣደና ዝሰናድኡ ከም ናይ ስነልቦና ዝኣመሰሉ ሞያዊ ጽሑፋት ምጕዳል ወይ ድማ ምውሓድ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስነልቦናን ኣተዓባብያን ቈልዑ ዘተኰሩ ጽሑፋት ሃጓፍ ከም ዘለና መቸም ኣስተብሂለ ኣለኹ። ካብኡ ዝነቕሉ ሽግራትን ብድሆታትን ድማ ርኡያት'ዮም። ኣብ ናይ ስደት ህይወትና ኸኣ ዝያዳ ጕሉሓት ይገብሮም። ስለዚ ድማ'ዩ፣ ሃጓፋትና ክንዓብስ ክንብገስ ዘድልየና ዘሎ። እዚ ናተይ ተበግሶ ድማ ኣካል ናይዚ ተበግሶ’ዩ። ኣብዛ ብኹሉ መዐቀኒ ፈላሚት ዝኾነት ጽሕፍቲ ንእትህቡኒ ርእይቶ፣ መአረምታ ወይውን ፍሉይን ዘሀብትምን ሓሳባት ኣቐዲመ ብልቢ እናመስገንኩ፣ ንዓይ መምሃሪ መሳልል ምዃኑ ከይሓበርኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ሓጐስ ገብረሚካኤል ተኽለ መጋቢት 2025