ታሪኽ ኣብርሃ ደቦጭን መጎስ ኣስገዶምን

$26.00

13 in stock

About the book

መእተዊ ኣብ ታሪኽ ኣብርሃን መጐስ ኣስገዶምን ዘተኮሩ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት መጻሕፍትን ዓንቀጻትን ተጻሒፎም እዮም። ብሬድዮን ቴሌቪዥንን ከይተረፈ ብዛዕባኣቶም ተዘሪቡ እዩ። እቶም ዝቐርቡ ዝነበሩ ጽሑፋት ዳርጋ ኹሎም ምባል ይከኣል፡ ሓደ ወይ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም። እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ዛንታ፡ መብዛሕትኡ ብኢትዮጵያውያንን ወይ ከኣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምወላ ሜድያታት እዩ ክቐርብ ጸኒሑ። ዕላማኡ ድማ ኣብርሃ ደቦጭን መጐስ ኣስገዶምን ነቲ ተባዕ ስጉምቲ ክወስዱ ዝደፋፍኦም፡ ፍቕሪ ሃገር ኢትዮጵያ ስለዝሓደሮም ንምባል እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብቲ ኣቀራርባ ርኡይ ዝኾነ ጉደለትን ምዝንባዕ ታሪኽን ይረአ እዩ። እዚ ክሳብ ሕጂ ከይተመርመረ ጸኒሑ ኣሎ። ሓደ ኢያን ካምቤል[1] ዝተብሃለ እንግሊዝያዊ ጸሓፋይ ኣብ ልዕሊ ኢጣልያዊ ጀነራል ግራዝያኒ ዝተገብረ ፈተነ-ቅትለት ብዕምቆት ትምርምር The Plot to Kill Graziani ትብል ዓባይ መጽሓፍ ብ2010 ኣሕተመ። ካምቤል፡ ኣብ መጽሓፉ ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፉ ኣብርሃን መጐስን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካልኦት ሰለስተ ሰባት’ውን ከምዝነበሩ ብዝርዝር ኣቕሪቡ። በዚ ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ እቲ ስርሒት ብኣብርሃን መጐስን ጥራይ’ዩ ተፈጺሙ ዝብል ብሂል ሰይርዎ። እሞ እቲ ስርሒት ብሓሙሽተ ሰባት እዩ ተፈጺሙ ዝበሃል እንተኾይኑ፡ ካብቶም ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፉ ሰባት ንኣብርሃን መጐስን ጥራይ ፈሊኻ ምጽሓፍ ንምንታይ ኣድለየ ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ እዩ። ካብ መጀመርታኡ፡ ነቶም ሰለስተ ጎስዩ ሽም ኣብርሃን መጐስን ጥራይ ክለዓል ዝገበረ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ መንግስቲ እትዮጵያ ከምዝነበረ ክፍለጥ ኣለዎ። ነዚ መግበሪኡ ድማ፡ ንጸቢብ ፖለቲካዊ ዕላማ ክግልገለሉ ስለዝደለየ እዩ ነይሩ። (ዝርዝሩ ኣብ ምዕራፍ 12 ኣሎ)። እቲ ሽዑ ዝቐርብ ዝነበረ ዛንታ ኣብርሃን መጐስን ንልዕሊ 70 ዓመታት ከይተመርመረ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ። ክምርመር ስለዝግብኦ፡ እዛ መጽሓፍ ዓቢ ቆላሕታ ገይራትሉ ኣላ። ኣብ ኣብርሃን መጐስን ጥራይ ትኹረት ሂበ ክጽሕፍ ዝደረኹኒ፡ ብዙሓት ምጽራይ ዘድልዮም ዘይተመለሱ ሕቶታት ስለዘለዉ እዮም። እምበኣር፡ ዕላማ’ዛ መጽሓፍ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባኦም ዝጸሓፍ ዝነበረ መርሚርካ፡ ነቲ ዝጎደለ መሊእካ፡ ነቲ ክእረም ዝግብኦ ኣሪምካ፡ ብዝተኻኣለ መጠን ዝተማልአ ቅኑዕ ታሪኾም ንምቕራብ እዩ።  ነዚ ዕላማ’ዚ ንምውቃዕ፡ ክምለሱ ዝግብኦም ሕቶታት ኣለዉ። እቶም ክሳብ ሕጂ ንጹር መልሲ ከይረኸቡ ዝጸንሑ ሕቶታት፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም፣
  1. ኣብርሃን መጐስን መን እዮም፧ ድሕረ-ባይታኦም እንታይ ይመስል፧ ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምስጋሮም፡ ህይወቶም ኣብ ኤርትራ እንታይ ይመስል ነይሩ፧
  2. ኣብርሃን መጐስን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ዘገደዶም ምኽንያት እንታይ ነይሩ፧ ኣወጻጽኦኦምከ ከመይ ይመስል ነይሩ፧
  3. ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ክቐርብ ዝጸንሐ ጽሑፋት፡ ኣብርሃን መጐስን፡ ነቲ ጅግንነታዊ ተግባር ክፍጽሙ ዝደረኾም፡ ክቱር ስሚዒት ኢትዮጵያውነት ምዃኑ እዩ ክንገር ጸኒሑ። እዚ ክንድምንታይ ሓቅነት ኣለዎ፧
  4. መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ብ19 ለካቲት 1937 ዝተጨፍጨፉ ሰማእታት ኣብ 1942 ሓወልቲ ተኺልሎም ነበረ። እዚ ክግበር ከሎ ግና፡ እቲ ናብዚ ኣሰቃቒ ጭፍጨፋ ዘብጸሐ ሳዕቤን እንታይ ምዃኑ ኣይተገልጸን። ብኸምኡ ድማ፡ ስም ኣብርሃን መጐስን ክሳዕ 1949 ከይተለዓለ ተረፈ። ድሕሪ ናይ ሾብዓተ ዓመታት ስቕታ ግን፡ ኣብ 1949፡ ኣስማቶም ክለዓልን ጅግንነቶም ብወግዒ ክዝረበሉን፡ ናይ ክብሪ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክግበረሎምን ተወሰነ። ስለምንታይ፧
  5. ኣብርሃን መጐስን ኣማውታኦም ከመይ ነይሩ፧ ዓስከሬኖምከ ብኸመይ ተረኺቡ፧
  6. ኣብርሃን መጐስን ኣብ ቤተክርስትያን ስላሰ ኣዲስ ኣበባ ብኽብሪ ከም ዝተቐብሩ ይፍለጥ። ብልክዕ ግና ኣበየናይ ቦታ እዮም ተቐቢሮም፧
ነዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሕቶታት ብግቡእ ንምምላስ፡ ብዘተኻኣለ መጠን ግዜ ወሲደ፡ ዓሚቝ መጽናዕቲ ኣካይደ ኣለኹ። ታሪኽ ኣብርሃ ደቦጭን መጐስ ኣስገዶምን ንምጽሓፍ ካብ ዝሓስብ፡ ዓመታት’ኳ እንተሓለፈ፡ ብዕቱብ ከጽንዖ ዝጀመረኩስ ካብ 2022 ንደሓር እዩ። መጀመርታ፡ ኣብ ዝቕመጦ ሃገር ሽወደን ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ ንባብን መጻሕፍትን ፈተሽኹ። ነቲ ዝረኸብኩዎ ሰነዳትን ሓበሬታታትን ብምእካብ ድማ፡ ኣብ 2023 ናብ’ቲ እቶም ጀጋኑ ሰብ ታሪኽ ዝተወልዱሉ ሃገር ኤርትራን ቅያ ዝሰርሑላ ኢትዮጵያን ተጓዓዝኩ። ብድሕሪኡ፡ ማእከል መጽናዕተይ ኣብ ኣስመራ ብምግባር፡ ኣርባዕተ ግዜ ካብን ናብን ኣስመራ - ኣዲስ ኣበባ ተመላሊሰ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለያ ቤት ንባብን ክፍሊ ሰነድን ብምኻድ፡ ካሳብ እቲ ክበጽሖ ዝኽእል መጽናዕቲ ኣካዪደ እየ። ብፍላይ ካብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ቤት ንባብ ወመዘከርን ጠቓሚ ሓበሬታታት ክረከብ ተኻኢሉ እዩ። ዓስከሬን ኣብርሃን መጐስን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤተክርስትያን ስላሰ ከምዝተቐብረ ይፍልጥ እዩ። ብልክዕ ዓስከሬኖም ዝዓረፈሉ ቦታ ንጹር ብዘይምንባሩ ግን፡ ኣብ ቤተክርስትያን ስላሰ ብምኻድ፡ ግዜ ዝወሰደ ዳህሳሳት ተኻዪዱ። ውጺኢታዊ ስራሕ ከኣ ነይሩ። መጽናዕተይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ዝተወሰነ ኣይነበረን። ኣብ ሃዋሳ ናብ ትርከብ ከተማ ይርጋኣለም’ውን ከይደ ነይረ። ናብኡ መኸድየይ ምኽንያት፡ ሓው መጐስ ዝኾኑ ባላምበራስ ሓጎስ ኣስገዶም ኣብኡ ይቕመጡ ስለዝነበረ እዩ። ባላምበራስ ሓጎስ፡ ዓቢ ሓው ንመጐስ ክኾኑ ኸለው፡ ንመጐስ ካብ ንእስነቱ ጀሚሮም ዝሕብሕብዎ ዝነበሩ እዮም። ኣብ መወዳእታ’ውን ዓስከሬን ኣብርሃን መጐስን ዝረኸቡ ኣቦ እዮም።  ባለምበራስ ሓጎስ ምስ መጐስ ዝነበሮም ጥቡቕ ርክብ ኣብ ግምት ምስነእትው፡ ብዙሕ ሓበሬታታት ክህልዎም ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ንሶም ግን ኣብ 1974 ስለዝዓረፉ ኣይረከብኩሎምን። ናብ መንበሪኦም ቦታ ይርጋኣለም ዝኸድኩሉ ምኽንያት፡ ገለ ሰነዳትን ወይ ዝገድፍዎ ጽሑፋት እንተሎ ንምድህሳስ እዩ ነይሩ። ግን ዝሓሰብክዎ ክረክብ ኣይከኣልኩን። ኣብ ወጻኢ ሃገር ምስ ዝቕመጣ ደቆም ኣስመረትን ኣሰፋሽን፡ ካብ ኣቦአን ዝሰምዖኦ ተዘክሮታት ንምፍላጥ ግፍሕ ዝበለ ቃለ-መጠይቕ ኣካዪደለን ነይረ። ብዙሕ ጠቓሚ ዝኾነ ሓበሬታ’ውን ክርከብ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ኣስመራ ኣብ ክፍሊ ስነዳን ምርምርን፡ ኣብ ቤት ንባብ ፓቮኒን መጽናዕቲ ብምግባር፡ ካብ ናይ ቀደም ሰነዳትን ጋዜጣታትን ኣገዳሲ ሓበሬታ ረኺበ። ብተወሳኺ ምስ ቤተሰብ ኣብርሃ ደቦጭን መጐስ ኣስገዶምን ቃለ-መጠይቕ ብምክያድ፡ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ክርከብ ተኻኢሉ። እዛ መጽሓፍ፡ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ምንጭታት ብምምርኳስ እያ ተጻሒፋ። ከም ቀዳማይ ምንጪ ዝተጠቀምኩሎም፡ ምስ ኣባላት ስድራ ቤት ኣብርሃን መጐስን ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቓትን ካልኦት ሰነዳትን ብምውካስ እዩ። ከም ካልኣይ ምንጪ ድማ፡ መጻሕፍቲ፡ ጋዜጣታትን መጽሄታትን ከምኡ’ዉን ዘይተሓትሙ ሰነዳትን ጽሑፋትን ተወኪሰ እየ። ብተወሳኺ ብዛዕባኦም ኣብ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ዝተፈነወ መደባት ተኸታቲለ ከም መወከሲ ተጠቂመሉ ኣለኹ። ታሪኽ ኣብርሃን መጐስን፡ ዳርጋ ብዅሉ ህዝባዊ መራኸቢታት (ጋዜጣ፡ ሬድዮን ቴሌቪዥንን) ይቐርብ ነበረ። ኣብ ገለ መጻሕፍቲ፡ ኣስማቶም ብውሑዳት ገጻት ጥራይ ይጥቐስ ነበረ። ኣብ ዝተወሰኑ መጻሕፍቲ ግና፡ ዝርዝርን ሓድሽን ሓበሬታ ይወጽእ ነበረ። ነቶም ኣገደስቲ ኮይኖም ዝረኸብክዎም መጻሕፍቲ ክጠቀስ። ቀኛዝማች ታደስ ዘወልዲ ብ1960 ኣብ ዘሕተሞ፡ “ቀሪን ገረመው” እትብሃል መጽሓፍ፡ ብዛዕባ’ዞም ክልተ ሰብ ታሪኽ ስፍሕ ዝበለ ሓበሬታ ቀሪቡ እዩ። ደራሲ ታደሰ ዘወልዲ፡ ንገዛእ ርእሱ ተሳታፊ’ቲ ግዜ ብምንባሩ፡ ካብ ገዛእ ተመኵሮኡን ከምኡ’ውን ካብ ናይ ካልኦት ሓርበኛታት ተመኵሮ ምርኩስ ብምግባር’ዩ ጽሒፉ። ዋላ ደኣ፡ መጽሓፉ ኣብ ሓርበኛታት ሽዋ ዘተኰረት ትዅን’ምበር፡ ብዛዕባ ኣብርሃን መጐስን’ውን፡ ሓደ ምሉእ ምዕራፍ’ዩ ጽሒፉ። ኣብ መጽሓፍ ቀኛዝማች ታደስ ዘወልዲ፡ ኣብርሃ ደቦጭ ናብ መኳንንቲ ኢትዮጵያ ዝጸሓፎ ደብዳቤን ካልእን ሰፊሩ ኣሎ። እታ መጽሓፍ፡ ሓንቲ ካብ መወከሲታተይ ብምዃና፡ ዝርዝሩ ኣብ ትሕዝቶ’ዛ መጽሓፍ ተጠቓሊሉ ኣሎ። ካልእ ብኣብነት ክትጥቀስ እትኽእል መጽሓፍ ድማ፡ ብኣጥናፍ ሰገድ ዝተዳለወት “የታሪክ ቅርስና ውርስ - ኣበበ ኣረጋይ” እትብል እያ። ናይ ኣበበ ኣረጋይ ዜና መዋእል (ጸብጻብ) ጸሓፋይ ዝነበሩ ሃለቃ ዘውዴ ተሰማ እዮም።  መጐስ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ራስ ኣበበ ዝኸደሉ ግዜን ሽዑ ዝተኻየደ ዝርርብን መዝጊቦምዎ እዮም። ደራሲ ኣጥናፍ ሰገድ ድማ፡ ነቲ ሰነድ ረኺቡ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መጐስን ኣበበን ዝተኻየደ ዝርርባት ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ። ዝርዝሩ፡ ኣብ’ዚ መጽሓፍ ቀሪቡ ኣሎ። ካልእ ክትጥቀስ ዘለዋ መጽሓፍ’ውን፡ ብዳዊት ገብሩ ደስታ ዝተዳለወት ኰይና፡ “ከንቲባ ገብሩ ደስታ፡ የኢትዮጵያ ቅርስ” እትብል እያ። እታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ተመኵሮኡን ታሪኽ ኣብርሃን መጐስን ብግፍሕ ዝበለ ኣገባብ ዝተዳለወት እያ። እዘን ዝተጠቕሳ መጻሕፍቲ፡ ኣብ ጕዳይ ኣብርሃን መጐስን ኣገደስቲ ኰይነን ዝረኸብኩሉ ምኽንያት፡ ደረስተን ኣብ ውልቃዊ ተመኵሮኦም ተመርኲሶም፡ ባዕላቶም ብዝርኣይዎን ዝሰምዑዎን፡ ከምኡ’ውን፡ ናይ’ቲ ግዜ ሰነዳት ፈትሾም ዝጸሓፉወን ብምዃነን እየን። ብዘይካ’ዚ፡ ብዛዕባ’ዞም ክልተ ጀጋኑ ብኻልእ ቋንቋታት ዝጸሓፉ ኢትዮጵያውያን’ውን ኣለዉ። ንኣብነት፡ ከም ባህሩ ዘውዴ፡ ሰሎሜ ገብረእግዚኣብሄር፡ ሰልጠነ ስዩምን ተመስገን ገብረን ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ግዜ ሃይለስላሰን ደርግን፡ ብውሑዳት ኤርትራውያን ዝተጻሕፉ ጽሑፋት’ውን፡ ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኣልኣዛር ተስፋሚካኤልን ተስፋይ ተኪኤን ምጥቃስ ይከኣል። ኣልኣዛር፡ ኣብ 1940’ታት ሲልቪያ ፓንክረስት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተሕትሞ ኣብ ዝነበረት ጋዜጣ፡ ብብዝሒ ዓንቀጻት ዝጽሕፍ ዝነበረ እዩ። ተስፋይ ተኪኤ ዝተባህለ ጸሓፊ ብግደኡ፡ ኣብ ግዜ ደርግ ኣብ ኣስመራ ዘሕተማ ኣፈናዊት መጽናዕቲ ኣላ። ንሳ፡ የኣብርሃ ደቦጭና የመጐስ ታሪክ ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ዝተጻሕፈት ኰይና፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተመዊላ ዝተሰርሐት እያ። እታ ናይ ተስፋይ መጽሓፍ፡ ካብ’ተን ካልኦት ፍልይ ዘብላ፡ ንድሕረ-ባይታ ኣብርሃን መጐስን ዝገልጽ ዝርዝራት ሒዛ ብምቕራባ እዩ። ካብ’ተን ጽቡቕ መወከሲ ዝረኸብኩለን’ውን እያ። ካልእ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ መጻሕፍቶም ትንክፍ ዘበሉዎ ኤርትራውያን ጸሓፍቲ’ውን ኣለዉ። ሓንቲ ካብኡ፡ ብዘምህረት ዮሃንስ ኣብ 2010 ዝተጻሕፈት መኸተ ኣንጻር ኢጣልያዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ዘርእስታ መጽሓፍ እያ። ኣብኡ ድማ፡ ብዛዕባ ኣብርሃን መጐስን ዝገልጽ ንእሽቶ ክፋል ኣለዋ። ብተመሳሳሊ፡ ብሃብቶም ኪዳነ ዝተጻሕፈት፡ ኤርትራን ኤርትራውያን መንእሰያትን ዘርእስታ መጽሓፍ ኣላ። ኣብኣ’ውን፡ ብዛዕባ ኣብርሃን መጐስን ተጻሒፉ ኣሎ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓበሬታ፡ ገለ ብዛዕባ ድሕረ ባይታኦም፡ ዝወሰዱዎ ስጕምቲን ኣማውታኦምን ዝገልጽ እዩ። ካብ’ቲ ቅድሚኡ ብዛዕባ ኣብርሃን መጐስን ዝተጻሕፈ ዝፍለ ግን ኣይኰነን። ካልእ ድማ፡ እታ ብተስፋዬ ገብረኣብ ዝተጻሕፈት፡ የኑረነቢ ማህደር እትብል ኣብ 2017 ዝተዳለወት መጽሓፍ እያ። እቲ ዛንታ፡ ብልብ ወለዳዊ መልክዕ ዝቐረበ ኰይኑ፡ ኣብርሃ ምስ ሰበይቱ ብዛዕባ ሞት ኣዝማዳ ዝዀኑ ደጃዝማች ኣበራ ካሳን ደጃዝማች ኣስፋወሰን ካሳን ክመያየጡ እንከለዉ ይጅምር። ቀጺሉ፡ ወላ’ኳ ኣብርሃ፡ ግራዚያኒ ዘርእዮ ዝነበረ ጭካነ የተሓሳስቦ እንተ ነበረ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወሰዶ መጥቃዕቲ ምኽንያት ዝዀኖ ግን፡ እቶም ክልተ ኣዝማድ ሰበይቱ፡ ብግራዚያኒ ተጠሊሞም ምማቶም ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።[2] ኣብርሃ፡ ካብ መጀመርታኡ ኣንጻር መግዛእቲ ዝቃለስ’ምበር፡ ንውልቃዊ ጕዳይ ሕነ ንምፍዳይ ከምዘይተላዕለ ኣብ’ዚ መጽሓፍ ብመርትዖታት ተረጋጊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ከም’ቲ ኣብ የኑረነቢ ማህደር ዝተጠቕሰ፡ ኣዝማድ ሰበይቲ ኣብርሃ ብግራዚያኒ ስለዝተቐትሉን ሕነ ንምፍዳይን ኣይነበረን። ኣብርሃ፡ ነቲ ዘጋጠመ ሞት ኣዝማዱ ከም ኣካል’ቲ ስርዓት ግራዚያኒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘውርዶ ዝነበረ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ደኣ ይርእዮ ይኸውን’ምበር፡ ቀንዲ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ምዕራፍ 10 ናይ’ዚ መጽሓፍ ብሰፊሑ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብርሃን መጐስን ኣብ ልዕሊ ግራዚያኒ ፈተነ ቅትለት ንኸካይዱ ዝደረኾም፡ እቲ ግራዚያኒ ዝኽተሎ ዝነበረ ግፍዓዊ ኣገዛዝኣን ዓሌታዊ ስርዓትን ኰይኑ፡ ኣብኡ ብዝነበሮም ክቱር ጽልኢ ነቲ ስርሒት ፈጺሞሞ። ካልእ፡ ኣብ መጽሓፍ፡ የኑረነቢ ማህደር ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ኣብርሃን መጐስን ኣብ’ታ ዝተታሕዙላ መዓልቲ፡ ሽዑ-ንሽዑ ከም ዝተሰቕሉ’ዩ ዝገልጽ።[3] እዚ ግን፡ ልክዕ ኣይኰነን። ውጽኢት መጽናዕቲ’ዚ መጽሓፍ ኣስፊሩዎ ከም ዘሎ፡ ኣብርሃን መጐስን ሽዑ-ንሽዑ ኣይተቐትሉን። ንውሑድ መዓልትታት ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሖም ዝተወሰደሎም ስጕምቲ፡ ኣብ’ዚ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣሎ። ታሪኽ ኣብርሃን መጐስን፡ ብወጻእተኛታት ጸሓፍት’ውን ተጻሒፍ እዩ። ካብ’ቶም ጐሊሖም ዝረኣዩ፡ ኣልቤርቶ ስባኪ፡ ኣንቶኒ ሞክለር፡ ኣንጀሎ ዴልቦካ፡ ሪቻርድ ፓንክረስትን ኢያን ካምቤልን ምጥቃስ ይከኣል። መጻሕፍቶም፡ ኣብ’ዚ መጽሓፍ ከም መወከሲ ተጠቒሶም ኣለዉ። ካብ ኵሎም’ዞም ብዛዕባ ኣብርሃን መጐስን ዝጸሓፉ ጸሓፍቲ፡ እታ ጐሊሓን ደሚቓን እትረአ ናይ ኢያን ካምቤል መጽሓፍ እያ። ካምቤል፡ ኣብ’ታ 492 ገጻት ዘለዋ The Plot to Kill Graziani እትብል መጽሓፉ፡ እቲ ፈተነ ቅትለት ብኸመይን ብዓል መን ከም ዝተሳተፍዎን ምስ ደቂቕ ኵነታቱ፡ ዝርዝራዊ ብዝዀነ ኣገባብ ጽሒፉዎ ኣሎ። መጽናዕቲ ካምቤል፡ ኣብ 1990’ታት’ዩ ዝጅምር። ኣብ መጽናዕቱ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰባት፡ ኣብ ግዜ ሽምግልናኦም ብኣካል ኣርኪቡሎም እዩ። ንዅሎም ቃለ-መጠይቕ ብምክያድ ከኣ፡ እቲ ካብኣቶም ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ቀንዲ ምንጪ መጽሓፉ ተጠቒሙሉ ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ’ውን፡ ዝተፈላለዩ ሰነዳትን መጻሕፍትን ተወኪሱ እዩ። መጽሓፍ ካምቤል፡ ጽጹይ መጽናዕቲ ዝተኻየደላን፡ ብሓበሬታታት ዝሃብተመትን እያ። በዚ ምኽንያት፡ ካብ ቀንዲ መወከሲ’ዛ መጽሓፍ ኰይና ኣላ። ብሳላኣ፡ ቅድም ዘይፍለጡ ዝነበሩ ሓበሬታታት ንምርካብ ተኻኢሉ እዩ። እዚ ክብሃል እንከሎ ግና፡ እታ መጽሓፍ ወላ ሓንቲ ጕድለት የብላን ማለት ኣይኰነን። ሓደ ካብ ድኽመታታ፡ ነቶም ከም ቀንዲ ምንጪ ዝተጠቕመሎም ናይ ዓይኒ መሳኽኽር፡ ብዳግማይ ምጽራይ (cross check) ከተራትዖ ብዘይምኽኣላ እዩ። ኣብ ገለኡ ንዝረኸቦ ሓበሬታታት፡ ብኻልእ ምንጪ ከመሳኽሮ ይረአ እዩ። ኣብ መብዛሕቲኡ ግና፡ ከም ዘለዎ ኣስፊሩዎ ይርከብ። ካብ’ዚ ዘየተጻረየ ሓበሬታ ድማ፡ ኣብ ገሊኡ ዝህቦ መደምደምታ ጌጋ ኰይኑ ይርከብ። ግደ ሓቂ፡ ኣብ መጽናዕታዊ ስራሕ ናይ ዓይኒ ምስክር ክርከብ፡ ዓቢ ትዕድልቲ እዩ። እንተዀነ፡ ጐድኒ-ጐድኑ ዓቢ ጥንቃቐ ይሓትት። ካብ ውልቀ ሰባት ናይ ዝርከብ ሓበሬታ ሓቅነት ንምርግጋጽ፡ ብኻልእ መንገዲ ምጽራይ ኣዝዩ ኣገዳሲን ክግበር ዘለዎን እዩ። ካምቤል፡ ኣብ መብዛሕተኡ ጽሑፉ ከምኡ ብዘይምግባሩ፡ ድኹም ጐድኒ’ታ መጽሓፍ ኰይኑ ረኺበዮ። እቲ ካልእ ድኹም ጐድኒ ድማ፡ ምስ’ቲ ኵሉ መጽናዕቱ ንቤተ ሰብ ኣብርሃን መጐስን ዘይምርካቡ እዩ። ኣብርሃን መጐስን ኤርትራውያን ብምዃኖም፡ ኣብ ኤርትራ መጺኡ ዳህሳስ ከካይድ ምተገብአ። እንተዀነ፡ ኣይገበሮን። ከም ሳዕቤኑ፡ ኣብ’ቲ ንድሕረ-ባይታኦም ዝምልከት ትሕዝቶታት ርኡይ ጌጋታት ንረኽበሉ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንመጽሓፍ ካምቤል ብሰፊሑ ኣብ ዝተገብረ ውከሳ ብዙሕ ጥንቃቐታት ተኻይዱ እዩ። ኣብ’ቲ ክእረም ዝግባኦ ክፋላት፡ ግቡእ መአረምታታት ምስ ጭብጥታቱ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብ’ቲ ክንቀፍ ዝግባኦ ክፋላት’ውን፡ ሃናጺ መኣረምታታ ቀሪቡ ኣሎ። ብኣጣቓላሊ ግን፡ መጽሓፍ ካምቤል፡ ኣዝያ ኣገዳሲት መጽሓፍ እያ። ብፍላይ ብዛዕባ ጐበጣ ኢጣልያ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝግደሱ ሰባት።  ኣብ ኣዲስ ኣበባ መጽናዕቲ ክገብር ከይደ ከለኹ፡ ምስ ደራሲ ካምቤል ብኣካል ተራኺብና፡ ኣብ መጽሓፉ ዘሎኒ ርእይቶታተይን ዕቃቤታተይን ኩሉ ገሊጸሉ ነይረ። ምቕልል ኢሉ ንዝሃብክዎ ርእይቶታት ብሓጎስ እዩ ተቐቢልዎ።  ካምቤል ነዛ መጽሓፍ ብምብርካቱ፡ ልዑል ምስጋና ዝግብኦ ጸሓፊ እዩ። (ኣብዚ እታ ስእሊ ትእቶ) ኣብ’ቲ፡ ብድሕሪ ስርሒት ኣብርሃን መጐስን ስርዓት ግራዚያኒ ዝወሰዶ ፋሽስታዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ገዳም ደብረ ሊባኖስን እዚ ዘይበሃል፡ ንኽትጸውዮ ዘሰቅቕ ግፍዒ ተፈጺሙ እዩ። ካምቤል፡ ብዛዕባኡ’ውን፡ ክልተ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ጽሒፉ ይርከብ። እታ ሓንቲ፡ ኣብ ጕዳይ ህልቂት ኣዲስ ኣበባ ዘተኰረት ክትከውን እንከላ፡ እታ ካልአይቲ፡ ኣብ ህልቂት ደብረ ሊባኖስ ዘተኰረት እያ። ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ዘሕተማ፡ Holy War ዘርእስታ መጽሓፍ’ውን ኣላቶ። ዛጊት፡ ብዛዕባ ኣብርሃን መጐስን ጥራይ ዝገልጽ ምሉእ መጽሓፍ ተጻሒፉ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ብዙሓት ብኣምሓርኛ ዝቐረበ ጽሑፍት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ግራዝያኒ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ግጉይ ሓበሬታ’ዩ ዝርከብ። ንኣብነት፡ ንኣብረሃ ደቦጭ ከም ቀንዲ፡ ወጣንን ተግባርን ክጠቕሶ እንከሎ፡ መጐስ ድማ፡ ከም ተሓባባሪ ናይ’ቲ ጕዳይ’ዩ ዝቐርብ። በዚ ምኽንያት ድማ’ዩ፡ ኣብ ኣጸሓሕፋ ቅደም-ተኸተል ኣስማቶም ኵሉ ግዜ፡ ኣብርሃ ዝቕድም። እንተዀነ፡ ኣብ’ቲ ስርሒት ኣብርሃ ዓብላሊ ተራ ከም ዝነበሮ ዘረጋግጽ ጭብጢታት የለን። ብኣንጻሩ፡ ካምቤል ካብ ሓደ ምስ መጐስ ጽቡቕ ሌላ ዝነበሮ፡ ተኽለማርያም ዝብሃል ሰብ ብዝረኽቦ ሓበሬታ፡ ንመጐስ፡ ከም ቀንዲ ኣበጋሲ ሓሳብን መራሒን የቕርቦ።[4] ኣብ መጽናዕተይ ከም ዝተረዳእኽዎ፡ ኣብርሃን መጐስን ኣብ ገለገለ ቦታታትን ኣጋጣሚታትን ነናቶም ብልጫታትን ጸብለልታን የርእዩ ነበሩ። ብሓፍሽኡ ግና፡ እናተመላልኡን እናተደጋገፉን ዝኸዱ’ምበር፡ ሓደኦም መራሒ እቲ ካልእ ተመራሒ ኰይኖም ኣይረኸብኩዎምን። ኣብ’ዚ መጸሓፍ፡ ንኣጸሓሕፋ ቅደም-ተኸተል ኣስማቶም ከም’ቲ ቅድሚኡ ዝጸንሖ ኣብርሃን መጐስን ተባሂሉ ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ግና፡ ንኣብርሃ ከም መራሒ፡ ንመጐስ ከም ተመራሒ ከስምዕ ኣይግባእን። ንታሪኽ ኣብርሃን መጐስን ትኹረት ሂቦም፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተጸሓፉ ጽሑፋት፡ ብዝተፈላለየ መልክዕ ደኣ ይቕረቡ’ምበር፡ መልእኽቶምን ትሕዝትኦምን ሓደ ዓይነት እዩ። ንሱ ድማ፡ ክልቲኦም ብትውልዲ ኤርትራውያን ኰይኖም፡ ብኢትዮጵያዊ ስምዒት ንሃገር ኢትዮጵያ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ምዃኖምን እዩ። ማዕረ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ ግን፡ ንዕኡ ዘረጋግጽ ምርምር ከይተኻየደ’ዩ ጸኒሑ። እዛ መጽሓፍ ድማ፡ ነዚ ዓቢ ሃጓፍ ንምምላእ ፈቲና ኣላ። ብቐንዱ’ውን፡ ኣብ ታሪኽ ኣብርሃ ደቦጭን መጐስ ኣስገዶምን ጥራይ ዘተኰረት ናይ መጀመርታ መጽሓፍ እያ። ታሪኾም ብጭብጢ ዝተደገፈ ኰይኑ፡ ምልኣት ከም ዝህልዎ ንምግባር ብዙሕ ጻዕርታት’ዩ ተኻይዱ። እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ካብ ዝገመትኩዎ ንላዕሊ ሕልኽላኻት ዝበዝሖ ኰይኑ’ዩ ጸኒሑኒ። ንዅሉ ሓበሬታታት በብሓደ እናመመኻ፡ ናብ’ቲ ቅኑዕ ሓበሬታ ንምብጻሕ ዝተኻየደ ጕዕዞ ኣዝዩ ኣድካምን ኣህላኽን ነበረ። ይዅን’ምበር፡ ዕጋበት ዝርከቦ ብምንባሩ፡ ንቐጻሊ ስራሕን መጽናዕትን ዝድርኽ እዩ። ካብ 2022 ክሳብ 2025 መጽናዕቲ ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እንሆ እዛ መጽሓፍ ናብ ሕትመት በቒዓ ኣላ። ሓቚፋቶም ዘላ ምዕራፋት ከኣ ነዞም ዝስዕቡ ትሕዝቶታት ሓዚላ ኣላ። ምዕራፍ 1፡ ብዛዕባ ድሕረ-ባይታ ኣብርሃን መጐስን ብዝተኸኣለ መጠን ዝተማልአ ሓበሬታ ሒዛ ከምእትቐርብ ተገይሩ ኣሎ። ምዕራፍ 2፡ ኣብርሃን መጐስን ካብ ኤርትራ ክስደዱ ዘገደዶም ሓደ ምኽንያት፡ ፖሊሲ ትምህርቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ብምቅዋሞም እዩ። ኣብዚ ምዕራፍ’ዚ ፖሊሲ ትምህርቲ መግዛእቲ ኢጣልያ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ተዘሪዚሩ ኣሎ። ምዕራፍ 3፡ ኣብዛ ምዕራፍ’ዚኣ ኣብርሃን መጐስን ቅድሚ ጐበጣ ኢጣልያ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኸመይ ይናበሩ ከምዝነበሩን ሓፈሻዊ ኵነታቶምን ትፍትሽ። ምዕራፍ 4፡ ኣብርሃን መጐስን ኣብ ኤርትራ ካብ ዝነበረ መግዛእቲ ኢጣልያ ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ምስ ከዱ፡ ድሕሪ ቍሩብ ዓመታት ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ትወራ’ሞ ኣብ ትሕቲ ጐበጣኣ ተእትዋ። እዚ ኹሉ ክኸዉን ከሎ ኣብርሃን ኢጣልያ ኣብ ኢትዮጵያ ከመይ ከምዝነበረ ምፍታሹ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ቐሪቡ ኣሎ። ምዕራፍ 5 ኣብርሃ ሰላዪዶ ነይሩ እዩ፧ ብዙሓት ንኣብርሃ ከም ሰላዪ ናይ ኢጣልያ ይርእዩዎ። እዚ ክንዲ ምንታይ ሓቅነት ኣለዎ፧ እዛ ምዕራፍ ነዚ ሕቶ’ዚ እትምልስ ክትከውን እያ። ምዕራፍ 6፡ ኣብርሃን መጐስን ኣብ ልዕሊ ግራዚያኒ መጥቃዕቲ ክፍንዉ ምስ ወሰኑ፡ እንታይ ዓይነት ኣወዳድባ ነይርዎም፧ ኣብዚ ምዕራፍ ዝነበሮም ኣወዳድባ እንታይ ከም ዝመስል ብዝርዝር ቀሪቡ ኣሎ። ምዕራፍ 7፡ ኣብርሃን መጐስን ኣብ ልዕሊ ግራዚያኒ መጥቃዕቲ ዝፈነዉሉ መዓልቲ 19 ለካቲት (ብግእዝ ለካቲት 12) 1937 እዩ። ኣብዛ መዓልቲ ዝተፈጸመ ስርሒት ከመይ ከምዝነበረ ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ። ምዕራፍ 8፡ ኣብ ልዕሊ ግራዚያኒ መጥቃዕቲ ምስ ተፈነወ፡ ሕነ ንምፍዳይ ፋሽስታውያን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ክትጸውዮ ዝኸብድ ኣሰቃቒ ግፍዒ ብምክያድ ህልቂት ፈጸሙ። እዛ ምዕራፍ ኣዚኣ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ህልቂትን ሳዕቤኑን ትዝርዝር። ምዕራፍ 9፡ እቲ ግፍዐኛን ምልክት ፋሽስታዊ ግዝኣት ዝነበረ ማርሻል ሩዶልፎ ግራዚያኒ፡ እንታይ ዓይነት ሰብ ከምዝነበረ ምፍላጡ ኣገዳሲ ስለዝኾነ፡ ብዛዕባኡ ሕጽር ዝበለ መግለጺ ተዋሂቡ ኣሎ። ምዕራፍ 10፡ ኣብርሃን መጐስን ድሕሪ መጥቃዕቲ ናበይ ኣበሉ፧ ትሕዝቶ ናይዛ ምዕራፍ፡ ነዛ ሕቶ ዝምልስ እዩ። ምዕራፍ 11፡ ኣብርሃን መጐስን ኣብ ልዕሊ ግራዚያኒ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራዶም፡ ኣምሊጦም ምስ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ተሓዊሶም ቃልሶም ክቕጽሉ ፈቲኖም ነይሮም፡ ግና ኣይኮነሎምን። ኣብ መወዳእታ ናብ ሱዳን ክስደዱ ይውስኑ’ሞ፡ ሱዳን ክበጽሑ ቍሩብ ክተርፎም ከሎ ብጣልያን ይተሓዙ። ብድሕሪኡ ብማሕነቕቲ ይቕተሉ። ድሕሪ ሞቶም ዓስከሬኖም ኣበይ ከምእተቐብረ ንምፍላጥ ሓያሎ ዓመታት ወሰደ። መወዳእታኡ ኣብ 1949፡ ማለት 11 ዓመት ድሕሪ ሞቶም ዓስከሬኖም ይርከብ። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ናይ ክብሪ ስነስርዓት ቀብሪ ተገብረሎም። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ ዓስከሬን ኣብርሃን መጐስን ብኸመይ ከምዝተረኸበን ስነስርዓት ቀብሮም ከመይ ከምዝነበረን ትገልጽ። ምዕራፍ 12፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣብርሃን መጐስን ብወግዒ ጅግንነቶም ኣዊጁ ናይ ክብሪ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ገበረሎም። ንምንታይ ድሕሪ እዚ ኹሉ ዓመታት ከምኡ ምግባር ኣድልዩዎ፧ ንምንታይ ቅድሚኡ ዘይተገብረ፧ ኣብ 1940ታት ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኵነታት ዝፈልጥ ዝኾነ ሰብ፡ ናይ ኣብርሃን መጐስን ሓርበኝነት ብወግዒ ኣብ 1949 ምእዋጅ ምስ ሕቶ ኤርትራ ክዛመድ ከምዝኽእል ክግምት ይኽእል። ከምኡ እንተኾይኑ፡ እቲ ሕቶ ብኸመይ ይዛመድ ዝብል እዩ። ከም ዝዛመድከ ዘረጋግጹ ጭብጥታት ኣለዉዶ፧ እዛ ምዕራፍ፡ ነዚ ኣርእስቲ ኣልዒላ ትፍተሽ። ሓደ ነዛ መጽሓፍ ካብተን ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ኣብርሃን መጐስን ዝተጸሓፋ ጽሑፋት ፍልይቲ ዝገብራ፡ ነዚ ኣብዚ ምዕራፍ’ዚ ተዘረዚሩ ዘሎ፡ ቅድሚ ሕጂ ተላዒሉ ዘይፈልጥ ሕቶ፡ ኣልዒላ ብምፍታሻ እዩ። ምዕራፍ 13፡ ኣብርሃን መጐስን ኣብ ልዕሊ ግራዚያኒ ስጕምቲ ክወስዱ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧ ኣብቶም ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዝቐርቡ ዝነበሩ ጽሑፋት፡ ከም ቀንዲ ደራኺ ምኽንያት እዩ ኢሎም ዘቕረቡዎ፡ ፍቕሪ ሃገር ኢትዮጵያን ሓያል መንነት ኢትዮጵያውነተን እዩ። እዚ ከይተመርመረ፡ ብድብድቡ ንነዊሕ ዓመታት ክሳለ ብምጽንሑ፡ ቅርብ ኢልካ ምርኣዩን ምፍታሹን ኣገዳሲ ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ምዕራፍ ፍሉይ ቈላሕታ ተገይሩሉ ኣሎ። ምዕራፍ 14፡ በላምበራስ ሓጐስ ኣስገዶም፡ ሓው መጐስ ኮይኖም ኣብ 1949 ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ዓስከሬን ኣብርሃን መጐስን ዝረኸቡ እዮም። ብዝገበርዎ ዓቢ ውዕለት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዝኾነ ኣፍልጦ ኣይረኸቡን። ኣብዚ መጽሓፍ ብውሑዱ ኣፍልጦ ምሃቡ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝረኸበናዩ፡ እዛ ምዕራፍ ብዛዕብኦም ትገልጽ። ሰናይ ንባብ ደራሲ [1] ኢያን ካምቤል፡ ብሞያኡ ናይ ቍጠባ ምሁር ኮይኑ፡ ሚኒስትሪ ጸዓት ኢትዮጵያ ዳግመ ምውዳብ ክገብር ከሎ፡ ኣማኻሪ ኮይኑ ብ1988 ናብ ኢትዮጵያ መጺኡ። ንመጽናዕቲ ኣብ ከባቢ ሸዋ ኣብ ዝተንቀሳቐሱሉ እዋን፡ ታሪኽ ናይ ሓንቲ ድልድል ንምፍላጥ ይግደስ’ሞ፡ ቀስ እናበለ ኣብ ገዳም ደብረ ሊባኖስ ዝተኻየደ ህልቂት ከገድሶ ይጅምር። መጽናዕቲ ኣካይዱ ድማ ሓንቲ ጽሑፍ ኣቕሪቡ። ብድሕሪኡ ንግርዚያኒ ንምቕታል ኣብ ዝተገበረ ፈተነ፡ ነቲ ኵነታት ብዕምቈት ከጽንዕ ይጅምር። ኣብ መወዳእታ The Plot to Kill Graziani እትብል መጽሓፉ ኣሕተመ። ካምቤል ምቕማጡ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ። [2] ተስፋየ ገብርኣብ፡ የኑረነቢ ማሕደር። ገጽ 261-266 [3] ከማሁ ገጽ 65 [4] Cambell ገጽ 96