እቶም ጽቡቓት ኣይተወልዱን
$25.00
9 in stock
እቶም ጽቡቓት ኣይተወልዱን
ብያኖሻ ተስፉ
ብዝሒ ገጽ 412
ዝተሓትመትሉ ዓም 2020
ኣብ 2011 ኣስታት 500 ኤርትራውያን ኣብ ሲና ከም በጊዕ ተሓሪዶም ኩሊቶምን ናይ ዓይኒ መነጸሮምን ምስ ተዘምቱ፡ ዓለም ከም ተራ ወረ ሓሊፋቶ። ናይ ሓደ ኣሜሪካዊ፡ ኤውሮጳዊ ወይ ካናዳዊ ሞት ዝወሃቦ ሸፈነ ብዕጽፍታት ከም ዝዓቢ ኩላትና ነስተውዕለሉ ጸኒሕና ኢና። ሓደ ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ብሓደ ጻዕዳ ፓሊስ ክሳዱ ተረጊጹ ምስ ተቐትለ ዓለም ከም ዝተናዓበት ርኢና። ነዚ ብውምድዳር ከምቲ ዝግባእ ኣስተንቲናዮ ዲና፡ ኣብ ውሽጥና ኣትዩ ክሳብ ዝስመዓና ሓሲብናሉ ዲና? ኣይፈልጥኩን። ደራሲ ናይዛ መጽሓፍ ግን ተተንክዩ። "በታ ዕለት እቲኣ ህይወተይ ተቐይሩ" ይብል። ስቓታ ቀዳመይቲ ቀታሊት ኤርትራን ኤርትራውያንን ምዃና ጸዓዱ ጽሒፎም። ዓለም ን ኤርትራ ትብድላ ከም ዘላ ጸዓዱ ብሰፊሑ ጽሒፎም። ናይ ሚቨላ ሮንግ "ኣይ ዲድን'ት ዱ ኢት ፎርዩ) ( ንዓኺ ኢለ ኣይኮንኩን ገይረዮ ኤርትራ። እትብል መጽሓፍ እኽልቲ ኣብነት ኢያ።ዝኾነ ኤርትራዊ 'ጸዓዱ ስቓይ ኤርትራውያን ተሰሚዑዎም ተጽሒፎም ደኣ ንሕና እንታይ ንገብር ኣለና?" ክብል ግድን ኢዩ። እዚ ደራሲ ነቲ ዘይተሰምዖ ከም ዝስመዖ ዝገብር ዛንታ ጽሒፉልና ኣሎ። እቲ ክስመዓና ዝነበሮ'ሞ ዘይተሰመዓና፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቢብና ነቲ ዘይተሰሚዑና ግን ሜትና ኣለና ማለት'ዩ።
እዛ መጽሓፍ ኣብቲ ዓለም ርእያቶ ብዘይትፈልጥ ኣገባብ ኣብ ኤርትራውያን ዝወረደ ዘስካሕክሕ በደል ዝተመርኮሰት ዛንታ ክልተ ፍቑራት ኢያ። ቃንዛ ፍቕርን ስቓይ ፓለቲካዊ ሕማሰን በቲ ሓደ፡ ባህታ ፍቕን ተስፋ ፓለቲካዊ ህዳሰን በቲ ካልእ እናፈራረቐት ጉዕዞ ህይወት ሃገርና ተርኢ።
መሓሪ ሓው ሓሙሽተ ስዋኣት'ዩ። ቤቲ ጓል ገባርን ሓዳግን ዝኾነ ኣብ ህይወት ናይ ዝኾነ ኤርትራዊ ድላዩ ክገብር ዝኽእል ጨካን በዓል ስልጣን ሰራዊት ኤርትራ እያ። ፍቕሪ ግን ኣይዳነን'ዩ። ከምቲ የማነ "ፍቕሪ ሒዙኒ'ሎ ዘይዳነ" ዝበሎ። ድሕረ ባይተኦም ብዘየገድስ እቲ ዘይዳነ ፍቕሪ ሒዙዎም። ተፋቒሮም። መሓሪ ድሕረ ባይታኣ ኣይፈለጠን። እሳ ግን ስምዒታቱ ተገንዚባ። ምእንቲ ከይትኸስሮ ከኣ እንታይነታ ሓቢኣ ፍቕሪ ከተሳሲ ወሲና። ተሓቢኡ ዝተርፍ ነገር ስለዘየለ ግን ብ ኣጋጣሚ መሓሪ ድሕረ ባይታኣ ፈሊጡ። ብምስጢር ክትስልዮ ዝተመደበት ሰብ ክትከውን ከም ትኽእል ገሚቱ። ምእንቲ ከይቀደመቶ ክቕድማ ብድንገት ሃገር ገዲፉ ጠፊኡ። . . . . . . . .