About the book

"ካብ ጌጋታት ካል ኦት ሃገራት ልቦና ንመሃር"  ቶማስ ፐይን "ውህሉል ልቦና መበል 18 ክፍለ ዘመን፡ ንኹሉ ር ኡይ ዓመጽ ወዲ ሰብን፡ ንንቡር ድሌታት ፍጡር ወዲ ሰብን ብምርዳእ፡ ዓለም ሞራላዊ ጽሬት ንኽህልዋ እያ መጺኣ" ኣልፍረድ ፎርዝ ዋይትሄድ "ኣብዛ መጽሓፍ፡ ተዋህሊሉ ዘሎ ልቦና፡ ኣመሪካ ቀንዴል ሓርነት ህዝብታት ኮይና፡ ንኽትዓቢ ኣበርኪቱ'ዩ። ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ኤርትራ ቃልሲ ሓርነት ድማ፡ ነዛ ጽባሕ ንትስፈዋን ንሓልማን ኤርትራ፡ ባይታ ምዕባለን፡ ሓርነትን፡ ኣር ኣያ ኣፍሪቃ ንኽትከውን ክሕግዛ እዩ።ንኮለኔል ጸጉ ፍሳሃየ፡ ስለቲ ዕዙዝ ኣበርክቱኡ የመስግን" ሰለሙን ሃብቶም መጽሓፍ ውህሉል ልቦና  ብዝሒ ገጽ 106 ዓቐን መጽሓፍ 8.5 ብ 5.5 ኢንች ዝተሓትመትሉ 2020 ኣሜሪካ ተርጓሚ ኮለኔል ጸጉ ፍሳሃየ ኣቐዲሙ ሕብእቲ ሰልፊ እትብል መጽሓፍን ካልእ ሚርያም ኣብዚ ነይራ እትብል ትርጉምን ናብ ኣንበብቲ ዘቕረበ ኣብ ኣሜሪካ ብስደት ዝነብር ኤትራዊ ዜጋ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግምባር ነበር ኢዩ።