About the book

መእተዊ ሓጺር ታሪኽ ኦ ሄንሪ ዊልያም ሲድኒ ፖርተር፡ እቲ ኣብ ስነጽሑፍ ጅር ሓጺር ዛንታ ምርኡይ ስም ዘጥረየ ኣመሪካዊ ጸሓፊ፡ በቲ ‘ኦ ሄንሪ’ ዝብል ስም ብርዒ’ዩ ዝያዳ ዝፍለጥ። ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሰሜን ካሮላይና ከተማ ግሪንስቦሮ ብ1862 ዝተወልደ ኦ ሄንሪ፡ ምጽሓፍ ሓጸርቲ ዛንታ ኣብ መፋርቕ ዕስራታት ዕድመኡ’ዩ ጀሚርዎ። ቅድመኡ ኣዘናጋዕቲ ዋዛታትን ካርቱናትን ብምስራሕ’ዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ንሱ፡ ኣብታ ባዕሉ ዝውንና ዝነበረ መጽሔት ሮሊን ስቶንን ካልኦትን ሓያሎ ጽሑፋት የበርክት ነይሩ። ከም ሰራሕተኛ ፋርማሲ ኰይኑ ሞያዊ ስራሕ ዝጀመረ ዊልያም ሲድኒ - ኦ ሄንሪ፡ ዝተፈላለየ ስርሓት ድሕሪ ምፍታን፡ ጸኒሑ ኣብ ከተማ ኣውስቲን - ቴክሳስ ኣብ ሃገራዊ ባንክ ስራሕ ተቘጽረ። ብ1896 ኣብቲ ባንክ ገንዘብ ስለዝጠፍአ ግን ብስርቂ ተጠርጠረ፣ ነቲ ክሲን ዝስዕብ መስርሕ ፍርድን ከይተጸበየ፡ ሃገሩ ጠንጢኑ ናብ ሆንድራስ ኮብለለ። ኣብ ሆንድራስ እናነበረ ግን ብዓልቲ ቤቱ ብጽኑዕ ሓመመት’ሞ ናብ ኣመሪካ ክምለስ ተገደደ፣ ብፖሊስ ተታሒዙ ኸኣ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀረበ። እቲ ተወንዚፉ ዝነበረ ክሲ ዳግም ተኸፊቱ ድማ ክእሰር ተፈርደ። ሽሕ’ኳ ‘ንጹህዶ ነይሩ ገበነኛ?’ ብንጹር እንተ ዘይተፈልጠ፡ ካብቲ ዝተበየነሉ ማእሰርቲ ሓሙሽተ ዓመት ነተን ሰለስተ ዛዚሙ ብናጻ ተለቀ። ‘ኦ ሄንሪ’ ዝብል ስም ብርዒ ዊልያም ሲድኒ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ’ዩ ገኒኑ። እቲ ምኽንያት ከምዚ እዩ፤ ንሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ሓያሎ ጽሑፋት ናብ ዝተፈላለያ መጽሔታትን ጋዜጣታትን የበርክት ነበረ። እተን መጽሔታት ጻማ ስርሑ ክኸፍላኦ ግድን ስለዝነበረ ኸኣ፡ ሓደ ብልሓት ክምህዝ ነበሮ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኴንካ ኣብ ደገ ብዝገበርካዮ ዝዀነ ይዅን ስራሕ ወይ ኣበርክቶ ገንዘብ ክትቅበል ሕጊ ስለዘይፈቅድ፡ ነቲ ገንዘብ ብስም ‘ኦ ሄንሪ’ ዝተባህለ ሓደ ካብ ዋርድያታት እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ኣቢሉ ክቕበሎ መረጸ። “ለካሚኻ መርዓ’ሎ ቀዳዊኻ ቀብሪ ኣሎ!” ከም ዝበሃል፡ ህይወት ቤት ማእሰርቲ ንዊልያም ሲድኒ፡ ኦ ሄንሪ ዝብል ኣመና ዝተፈትወን ዝተፈልጠን ስም ሒዙን፡ ንፉዕ ጸሓፋይ ኰይኑን ክወጽእ’ዩ ሓጊዙዎ። ዊልያም ማእሰርቲ ሰለስተ ዓመት ዛዚሙ ኣብ 1901 ምስተፈትሐ፡ ኣብ ክንዲ ብቐንዲ ስሙ፡ ዊልያም ሲድኒ ፖርተር፡ በቲ ኣብ መጽሔታት ኣመሪካ ዝጽውዓሉ ዝነበረ ‘ኦ ሄንሪ’ ክጽዋዕ መረጸ። ኦ ሄንሪ ሓደ ዓመት ድሕሪ ምፍትሑ፡ ናብ ዓባይ ከተማ ኒውዮርክ ኣምሪሑ ኣብኡ ምስ ‘ኒውዮርክ ዎርልድ’ እትበሃል ፍልጥቲ መጽሔት ስራሕ ጀመረ። ኣብታ መጽሔት ሰሙናዊ ሓንቲ ሓጻር ዛንታ እናበርከተ ኸኣ ብዘይምቍራጽ ንሰለስተ ዓመት ጸሓፈ። ብመገዲ’ቲ ኣብታ መጽሔት ዘሕትሞ ዝነበረ ሓጸርቲ ዛንታ፡ ምስ ብዙሓት ኣንበብቲ ክራኸብ ዕድል ረኺቡ፤ ስሙ ኣብ መላእ ኣመሪካ ክሃብብን ክፍቶን ከኣ ግዜ ኣይወሰደን። ብጠቕላላ 600 ሓጸርቲ ዛንታታት ከም ዝጸሓፈ ዝንገረሉ ኦ ሄንሪ፡ ዛንታታቱ ኣብ ትሽዓተ መጽሓፍቲ ተኣኪቡ ተሓትመ። እታ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ እኩብ ሓጸርቲ ዛንታታቱ፡ 38 ዛንታታት ዝሓቘፈት እያ። ኦ ሄንሪ፡ ንኒውዮርክ ካብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ከተማ ግሪንስቦሮ ኣብሊጹ ፈተዋ። ኣብ መብዛሕትኡ ዝጸሓፎ ዛንታታት ከኣ ከም ምከና ተጠቕመላን ጠቐሳን። በዚ ተደሪኾም’ውን ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ንኒውዮርክ ከምዝበጽሕዋን ከምዘድነቑዋን ይዝንቶ። ኦ ሄንሪ፡ ኣብ ቅዲ ጽሕፈት ሓጺር ዛንታ በቲ ኣደናቒ ኣወዳድኣ ዛንታኡ’ዩ ዝፍለጥ። ኣመና ሓሻሽን ሰታይን ዝነበረ ኦ ሄንሪ፡ ኣብ መበል 47 ዓመት ዕድመኡ ብዝሓደሮ ሕማም ቲቢ ኣብ 1910 ዓሪፉ። ስምን ዝናን ኦ ሄንሪ ድሕሪ ሞቱ’ውን ኣይነከየን፣ ዓለም’ውን ኣይረስዓቶን። እታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ከተማ ግሪንስቦሮ ብስሙ ሓደ ሙዝየም ከፈተት። ማሕበር ስነፍልጠትን ስነጥበብን ኣመሪካ ከኣ፡ ካብ 1918 ጀሚሩ ክሳዕ ሎሚ ብስሙ ኣብ መጽሔታት ኣመሪካን ካናዳን ንዝተሓተሙ ብሉጻት 20 ሓጸርቲ ዛንታ ዓመታዊ ‘ሽልማት ኦ ሄንሪ’ [O Henry Award] ይህብ። ዛንታታት ኦ ሄንሪ ናብ ትግርኛ ወሲኽካ ናብ ሓያሎ ቋንቋታት ተተርጕሞም’ዮም። ከም በዓል ናይ ልደት ህያብ፡ ናይ መወዳእታ ቘጽሊ ዝብላ ኣቐዲመን ብኻልኦት ጸሓፍቲ ናብ ትግርኛ ዝተተርጐማ ክዀና እንከለዋ፣ ኣብዛ መጽሓፍ ተጠርኒፈን ካብ ዝርከባ ናብራ ቀውዒ፡ ድሕሪ 20 ዓመት ዝብላ ዛንታታት ኦ ሄንሪ፡ ኣብ 2001 ኣብ ኤርትራ እንከለኹ ናብ ትግርኛ ዝተርጐምኩወን እየን። ኣብ መደባት መኣዲ ስነጽሑፍ ዓዲ ቐይሕ ዝተነበባን ኣብ ጋዜጣታት ብሕቲ ድማ ዝተሓተማን እየን። መኮነን ተስፋይ