About the book
መቕድም
እዛ መጽሓፍ፡ ሓንቲ ኣብ ምምዕባል ዘላ ድኻ ሃገር ብቑጠባን ፖለቲካን ንኽትዓቢ
ዲሞክራሲ ድዩ ዘድልያ ወይስ መላኺ ስርዓት ንዝብል ብትንተናኣዊ መልክዕ
እተርኢ’ያ። ክኢላታት ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ ፖለቲካ ድኻታት ሃገራት
ዝገበርዎ ዕቱብ ህየሳ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ’ዛ መጽሓፍ’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ኣካታዒ
ዝኾነ ንፖለቲካዊ ለውጢ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ካብ 1950ታት ብሒቱ ዘሎ
ቀንዲ ክልሰ-ሓሳብ ብፍሉይ ዝድህስስ፡ ካብ ዝተፈላለያ ክ/ዓለማት ናይ ብዙሓት
ሃገራት ሰፊሕ ተግባራዊ ንጽጽር ኣቕሪቡ’ሎ። እዛ መጽሓፍ ነቲ ዝቕጽል
ሰፊሕ መግለጺ መሰረታዊ ነገራት ብዝኾኑ ብኽልተ ኣገደስቲ ኣርእስታት
ማለት- ‘ሳልሳይ ዓለም’ ዝብሃል ኣሎ ድዩ? ንዝብል ሕቶን ንመግዛእታዊ ድሕረ
ባይታ ናይ ብዙሓት ድኻታት ሃገራትን ብምግላጽ ትጅምር፡፡
ምዕራፍ 1፡ ነቲ ‘ሳልሳይ ዓለም’ ዝብል ጽንሰ-ሓሳብ ኣብ ምግላጽ ዘድሃበ’ዩ። ነቲ
ኣብ መንጎ ሃገራትን ኩነታትን ዘሎ ደረጃታት ንምፍላይ፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ፡
ዘይማዕበላ፡ ድኻታት፡ ትሑት ምዕባለ ዘለወንን ‘ሳልሳይ ዓለምን’ ዝብሉ ኣምራት
ተጠቒሙ ኣሎ። እዞም ቃላት ተመሳሰልቲ ዘይኮኑስ ታሪኻዊ ትርጓመታት
ዘመልክቱ’ዮም። ነቲ ኣብ ቅቡልነት እዞም ደረጃታት ዘሎ ምጥርጣራት
ንምግላጽ ድማ ነቶም ምስ ’ሳልሳይ ዓለም’ ዝብል ኣምር ዝተተሓሓዙ ዝተፈላለዩ
ትርጉማት ከነጽር ፈቲኑ’ሎ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ንሳልሳይ ዓለም ዝገጥመን
ማሕበረ-ቁጠባዊ ሽግራትን ካብ መወዳእታ ካልኣይ ኲናት ዓለም ጀሚሩ
ዝተራእየ ዓበይቲ ለውጥታትን በሪሁ’ሎ። እምበራጦርያውነት፡ ኣብ ባህርያውን
ታሪኻውን ኣመዓባብላ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ዘለዎ ሓድግን ጽልዋን ምስቲ
ኣብ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ዘሎ ክትዕ ንምስምማዕን ብሰፊሑ ተገሊጹ’ሎ።
እምበራጦርያውነት መሰረት ዘመናዊ ሃገርነት ሳልሳይ ዓለም ኮይኑ፡ ዝተፈላለየ
ትርጉም እናተዋህቦ ቀጺሉ’ዩ- ምጉንጻፍ ሉኣላውነት፡ ግዱድ ልሕቀት፡ ሓደ
ካብ ደረጃታት ርእሰማልነትን መግዛእቲን ዝብሉ’ዮም። እምበራጦርያውነት
ቁጠባዊ ኣምር ክኸውን ከሎ፡ መግዛእቲ ግን ማሕበራውን ፖለቲካውን
ኣምር’ዩ። ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ኩለን ግዙኣት ኣይነበራን፡ እንተኾነ ኩለን
ብእምበራጦርያውነት ተጸልየን’የን። ኣመዓባብላ እምበራጦርያውነት፡ ካብ
ቅድመ-ርእሰማልነት ክሳብ ስግግር ካብ ንግዳዊ ር/ማልነት ናብ ኢንዱስትርያዊ
ር/ማልነትን ኣብ 19 ክ/ዘመን ዝተራእየ ምስፍሕፋሕ መግዛእትን ተገሊጹ’ሎ።
ምዕራፍ 2፡ ነቲ ኣብ መንጎ እምበራጦርያውነትን መግዛእትን ዘሎ ፍልልይ፡
ብፍላይ ድማ ናይ 19 ክ/ዘመን ቀንዲ ቁጠባዊ መግለጺታት እምበራጦርያውነትን
ዝተፈላለየ ኤውሮጳዊ መግዛእትን ጽልዋኡ ኣብ ደቀባት ሕ/ሰብን ዘሎ ፍልልይ
ዝገልጽ’ዩ። ንዝተፈላለየ መግዛእታዊ ምትእትታው፡ ንቐጥታውን ተዘዋዋርን
መግዛእታዊ ፖሊሲ፡ ንፍልልያት ዘቤታዊ ኩነታት (ስቡሕ መሬት፡ ቅርጺ
መራኸቢታት፡ ህላዌ ማዕድናት፡ ክሊማዊ ኩነታት፡ ማሕበራዊ ቅርጺ ደቀባት፡
ደረጃ ክትምናን ዓይነታት ፖለቲካዊ ውዳቤታትን) ዘምልክት’ዩ። ከም ሳዕቤኑ
ድማ ዝተፈላለዩ መግዛእታዊ ንጥፈታት ተንጸባሪቖም ኣለዉ።
ኣብ ምዕራፍ 3፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ማሕበራዊ ፍልቀት ዝማዕበለ ክልሰ-ሓሳብ
ዘመናውነት (modernization theory)- መበቆሉ፡ ቀጻልነቱ፡ ገስጋሱ፡ ንሱ
ዝፈጠሮ ስፍሓት ሕልኽልኻትን ውሕልና ኣብ ፍሉይ ሞያውነትን (special-
ization) ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ’ሎ። ቀንዲ ኩርናዓት ክልሰ-ሓሳብ ዘመናውነት
ብሓድሽ-ፍልቀታዊ ኣረኣእያ፡ ኣብ ቁጠባውን ማሕበራውን ክብርታት ዘሎዎም
ዝምድና፡ ናይ ዱርኸይም ጽንሰ-ሓሳብ ፍሉይነትን ውሕልና ኣብ ፖለቲካዊ
ዕዮን፡ ናይ ዌበር ኣምራት ዕልማናውነትን (secularization) ርትዓውነትን፡
ኣብ ባህላዊ ቅርጺ ዘለዉ ለውጥታትን ተገሊጾም ኣለዉ። ክልሰ-ሓሳብ
ዘመናውነት ኣብ ተዛማድነት ፖለቲካ፡ ዓያዪ (functional) ኣገባብ ብምትብባዕ
ንተርእዮ ፖለቲካ ሳልሳይ ዓለም ናብ ሓድሽ ክልሰ-ሓሳባዊ መቓን ክጽንብሮ
ፈቲኑ’ዩ። ኣብ ተዛማድነት ፖለቲካ ዘለዉ ቀንዲ ክትዓት ዓያይነታዊ ኣረኣእያ
(functionalist perspective- ንፖለቲካ ከም ተምሳሌት ስነ-ሂወታዊ ኣካል/
ቅርጺ ዝገልጽ ስነ-ሓሳብ)- ብፍላይ ጽንሰ-ሓሳባት ዕዮን (function) ‘ቅርጻዊ
ፍሉይነትን’ ኣብ ትግበራ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ቀንዲ ዕላምኡን ዝገጠሞ ነቐፌታን
ቀሪቦም ኣለዉ።
ምዕራፍ 4፡ ንኣረኣእያ ሓድሽ-መግዛእቲ ዝድህስስ ኮይኑ፡ ንእንታይነት እቲ
ኣብ ድሕረ-መግዛእታዊ ሕ/ሰብ ዝተራእየ ወግዓዊ ነጻነት ብዕቱብ ዝትንትን’ዩ።
ቅዋማዊ ነጻነት ማለት ድሕሪ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተመስረቱ መንግስታት ንጓና
ዘይኮነስ ንረብሓ ህዝቦም ዘገልግሉን መንግስታዊ ሉኣላዊ ስልጣን ዘለዎም
ክኾኑን ትጽቢት’ኳ እንተነበረ፡ ብዙሓት መራሕቲ ናይተን ግዙኣት ዝነበራ
ሃገራት ግን ወሰንቲ ክፋላት ጸጋታቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እቶም ቀዳሞት
ገዛእቶም ምዃኑ ኣርእዮም’ዮም። እዚ ድማ ክልሰ-ሓሳብ ጽግዕተኛነት (de-
pendency theory)፡ ቀንዲ ድኹም ጎኒ ክልሰ-ሓሳብ ዘመናውነት ኮይኑ
ኣብ መንጎ ሃገራት ናይ መራሕን ተኸታልን ደረጃ ብምፍጣር ንጽንሰ-ሓሳብ
ፖለቲካ ሳልሳይ ዓለም VII
ሓድሽ-መግዛእቲ ዝወለደ’ዩ። እቶም ቀንዲ ረቛሕቲ ክልሰ-ሓሳብ ጽግዕተኛነት
ዝኾኑ ከም መሓውራት መንግስቲ፡ ትሑት ምዕባለ፡ ኣብ ባህርይ ርእሰማልነት
ዘሎ ኣረኣእያን ጽልዋ ቁጠባዊ ጽግዕተኛነት ኣብ ፖለቲካዊ ቅርጽን ዝብሉ
ድማ ተገሊጾም ኣለዉ።
ምዕራፍ 5፡ ምዕባለነታዊ ኣረኣእያ (developmentalist perspective) ነቶም
ኣብ ሳልሳይ ዓለም ዝርከቡ መንግስታት ወይ ፖለቲካዊ ስርዓታት ምስ ሓድሽ-
ማርክሳዊ ክልሰ-ሓሳብ ብምንጽጻር ከመይ ይሪኦም ንዝብል ዝድህስስ’ዩ፡፡ ብዛዕባ
ዓውለማ ኣብ መንግስታት/ሃገራት ዘለዎ ጽልዋ እንታይ’ዩ ዝብል ኣካታዒ
ኣረኣእያ ተተንቲኑ’ሎ።
ምዕራፍ 6፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ፖለቲካዊ ሰልፍታ ኣብ ፖለቲካ ሳልሳይ ዓለም
ዝገልጽ ኮይኑ፡ ኣብ ደርብታት፡ ኤውሮጳዊ ፖለቲካዊ ሓሳባት፡ ሃይማኖት፡
ብሄራውነትን ህዝባውነትን ከምኡ’ውን ጸበብቲ ኣረኣእያታትን ፖለቲካዊ
ዓሚልነትን (ኣያነት) ዘሎ ስነ-ሓሳባዊ መሰረት ተገሊጹ’ሎ። ከም ቁጠባዊ ዕቤትን
ማሕበራዊ ዕግበትን ዝኣመሰሉ ንቐጻልነት ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣገደቲ ዝኾኑ
ነገራት ብዕምቆት ተገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ሳልሳይ ዓለም፡ ናብ ዲሞክራሲ
ዝግበር ምንቅስቓስ እናዓበየ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ ጊዜ፡ ቀጻልነት ሰልፍታት ከም
ትካላት ዓቢ ቆላሕታ ዘድልዮ’ዩ። ኣብ ኩሎም ፖለቲካዊ ስርዓታት፡ ቢሮክራሲ
ንገዛእ ርእሱ ከም ሓደ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ውዳበ ዝርአ’ዩ፡፡ ክልሰ-ሓሳብ ድሕረ-
መግዛእታዊ ሃገርነት፡ ንጽንሰ-ሓሳብ ቢሮክራሲያዊ ገዛኢ ደርቢ ኣብ ተግባር
ብምውዓል፡ መንግስቲ ኣብ ኢድ ተኸፈልቲ ላዕለዎት መኮንናት ናይ ሓደ
ስርዓት ምዃኑ ብግልጺ ኣርእዩ’ዩ።
ምዕራፍ 7፡ ብዛዕባ ኣብ ሕ/ሰባትን ስርዓታትን ሳልሳይ ዓለም ዘለዉ ዝተፈላለዩ
ጽንሰ-ሓሳባት ቢሮክራሲ ዘሎ ፍልልያት ዝገልጽ’ዩ። ምንጭታት ቢሮክራሲያዊ
ስልጣንን ከም ተርእዮ ሓድሽ ገዛኢ ደርቢ ዝተወስዱ ዓይነታት ቢሮክራስን-
በብምድቦም ተገሊጾም ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ ቢሮክራሲ ነቲ ኣብ ኩነተ ወግዓዊ
ምቕርሐ ውሱን መጠን ዘለዎም ጸጋታት ዘሎ ርትዓውነት ዘመልክት’ውን
ስለዝኾነ፡ እዚ ምዕራፍ ንክልሰ-ሓሳብ ‘ተበጻሕነት’ (accessibility) እውን
ዳህሲስዎ’ሎ።
ምዕራፍ 8፡ ንወተሃደራዊ ምትእትታውን ዕልዋን ዝድህስስ’ዩ። ኣብ ፖለቲካ
ዝግበር ዝተፈላለየ ዓይነታት ወተሃደራዊ ምትእትታውን፡ ጠንቅታትን ገለጽቲ
ረቛሒታትን ናይቲ ዝኸፍአ መልክዕ ምትእትታው ዝኾነ ‘ዕልዋ’ን ተነጺሮም
ኣለዉ። እቶም ኣብ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣቐዲሞም ከም ልሙድ ኣገባብ
ትንተና ክስርሓሎም ዝጸንሐ፡ ምስ ስታቲስቲካዊ ትንተና ጠንቅታት ዝተተሓሓዙ
ሽግራት ተገሊጾም ኣለዉ።
ምዕራፍ 9፡ ነቲ ብብሄር ደረጃ ወይ ብውሑዳን ዝለዓል ሕቶ ነጻነት ዝሕመረቱ
ተርእዮ ምንጻል ዝፍትሽ’ዩ። እዚ ኣብ ፖለቲካ ሳልሳይ ዓለም ገኒኑ ዝርአ
ክስተት’ዩ። ኣብዚ ምዕራፍ’ዚ ‘ፖለቲካዊ ውህደት፡ ውሽጣዊ መግዛእትን
ሚዛናዊ ረብሓን’ ዝብሉ ሰለስተ ክልሰ-ሓሳባት ምንጻል ተፈቲሾም ኣለዉ።
ብሰንኪ’ቲ ኣብ ውሑዳን ሕ/ሰባት ዘሎ ማሕበራዊ ቀጸላታት፡ ብመሪሕነት ንኡስ-
ብርዥዋ ዝተራእየ ኤትኒካዊ ናይ ምንጻል ምንቅስቓሳት፡ እቲ ዓብላሊ ደርቢ
ናይ’ቲ ‘ሕመረት’ ሕ/ሰብ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ምልዕዓላት ዘርኣዮ
ግብረ-መልስን ኣብ ሃገራውነት ዘለዎ ውጽኢትን፡ መግለጺታት ሃገራውነትን
ምንጻልን ከመይ ኢሎም ደርባዊ መልክዕ ክሕዙ ከም ዝኸኣሉ ተፈቲሹ’ሎ።
ምዕራፍ 10፡ ብዛዕባ ክልሰ-ሓሳባዊ ቅድመ-ኩነት ፖለቲካዊ ምርግጋእ
ዝገልጽ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ብደረጃ ድኽነት፡ መጠነ ቁጠባዊ ዕቤት፡ ህንጡይ
ትጽቢታት፡ ግዳማዊ ጽልዋታት፡ ኤትኒካውነት፡ ፖለቲካዊ ባህሊ፡ ዘይምዕሩይነት፡
ቅልውላው ስልጣንን ፖለቲካዊ ትካላውነትን ዝግለጽ’ዩ። ብተወሳኺ፡ ምስ
ጠንቅን ሳዕቤንን ዝተተሓሓዙ ክለሰ-ሓሳባውን ግብራውን ድኽመታት ናይ’ዞም
መደምደምታታት’ውን ተገሊጾም ኣለዉ- እዚ ማለት ኣብ መንጎ ጠንቅን
ሳዕቤንን ዘሎ ዝምድና ኣብ ኩሉ ብማዕረ ዘይሰርሕ ምዃኑ’ዩ። ገለ ድኻታትን
ትሑት ምዕባለ ዘለወንን ሃገራት ብፍላይ መለኽቲ ስርዓታት ዘለወን እንተኾይነን
ዝተረጋግኣ ክኾና ይኽእላ’የን፣ ኣብ ገለ ድማ ፖለቲካዊ ርጉእነት ሃብትን
ቁጠባዊ ዕቤትን ክፈጥር ይኽእል’ዩ፣ ኣብ ገለ ሃገራት ድማ ልዑል መጠነ ዕቤትን
ርግኣትን ብሓባር ዝኽሰተሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። ምስ ጽንሰ-ሓሳብ ‘ፖለቲካዊ
ርግኣት’ ዝተተሓሓዙ ሽግራት ተገሊጾም ኣለዉ- እዚ ድማ ንርጉእነት ወይ
ዘይርጉእነት መዐቀኒ ትሕዝቶታቱ እንታይ’ዮም? ዓይነት ስርዓት ብዘየገድስ
ዝተረጋግአ መንግስቲ ድዩ ዘድሊ ወይስ ርጉእን ዲሞክራሲያውን መንግስቲ?
ከምኡ’ውን ብዛዕባ’ቲ ‘ዘይምርግጋእ’ ዝብል ኣምር ኩሉ ዝሰማማዓሉ ዘዕግብ
ትርጉም ዘይምህላዉ ዝፈጠሮ ምትሕውዋስ ተገሊጾም ኣለዉ።
ፖለቲካ ሳልሳይ ዓለም 9
ምዕራፍ 11፡ ብዛዕባ ዲሞክራሲያዊ ስግግርን ውህደትን ከምኡ’ውን ኣበርክቶ
ቁጠባውን ፖለቲካውን ረቛሒታት ንርጉእ ዲሞክራሲ ዝገልጽ’ዩ፡፡ እዚ ድማ
ሃገራዊ ሃብቲ ምስ’ቲ ኣብ ማዕርነትን ደርባዊ ምዕባለን ዘለዎ ጽልዋ፣ ፖለቲካዊ
ባህልን ሽግራት ዝተፈላለየ ኣንፈት ጠንቅታትን፣ ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ከም
ተቖጻጻሪ ሓይሊ ንመንግስታዊ ስልጣን፣ ኣብ ውሽጢ ዲሞክራሲያ ዘሎ
ሓይሊ ሚዛንን ኣገዳስነት ትካላዊ ምዕባለ ንዲሞክራሲያዊ ምርግጋእን ዝብሉ
ዘጠቓልል’ዩ።
ናይ መወዳእታ ምዕራፍ፡ ንትጽቢታት ዲሞክራሲ ሳልሳይ ዓለም ኣብ ፖለቲካዊ
ለውጢ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ነቲ ምዕባለን ዲሞክራስን ብሓደ ክህልዉ ናይ ግድን
ኣይኮነን ዝብል ኣረኣእያ፡ ብፍላይ ነቲ ገለ መለኽቲ ስርዓታት ንህዝቦም
ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ ከምጽኡ ዝኸኣልሉ ኩርናዕ ዝፍትሽ’ዩ። ይኹን
ድኣምበር ሓደ ስርዓት ዲሞክራስን ምዕባለን ብሓደ ዘጣምር እንተኾይኑ
ድማ ቁጠባዊ ገስጋስ፡ ከም ፖለቲካዊ መሰላት፡ ሓርነትን ሱታፌን ዝኣመሰሉ
ረብሓታት’ውን ስለዘለዎ ዝያዳ ሚዛን ዝወሃቦ ምዃኑ ተመልኪቱ’ሎ።



