About the book

ሓዳስ መጽሓፈይ ትንፋስ ሰዂዓ ንበቡኒ ክትብል ጸሓይ ቀትሪ ክትህረም ጀሚራ ኣላ። ------------------------------ ንበዓል ሄዋናትን ፓንዶራን ረኺብኩም ምእንቲ ጽባቐ ሄለን ዝፈሰሰ ደም ምስ ፈለጥኩም ክትድመሙ ኢኹም። ብገበል ንኽወሓጣ ዝውፈያ ጎራዙ ዓድና፡ ኣንስትዮ ዓድና ጋር ነፍሲ ብምዃን ዝወርደን መግደራን ኣቦርጂናውያን ኣንስትን’ውን ጎፍ ክብላኹም እየን- ኣብዛ መጽሓፍ። ደም ቅዱሳንን ንበጃ ዝውፈ ህይወትን ምስ ዓሌትን ሃይማኖትን ኣተሓሒዝኩም ምስ ነበብኩም ከተስተንትኑ ኢኹም። ምስ ጀነራላትን ኮሎኔላትን ተራኺብኩም ብሰንኮም ዝወሓዘ ደም ንጹሃትን ለክም-ተለኻኸምን ከሕዝነኩም እዩ። ኣማኢት ደቂ ቦጎስ ዝበልዐ ጀነራልን ካሕሳ ሓደ ኮሎኔል ዝኾኑ ኣዝማሪኖታትን ተረካብ ዕዳ ዝኾኑ ንጹሃትን ኣብ መጽሓፍ “ተረካብዕዳ” ኣትዮም ካብ ዘለዉ ጽዋታት እዮም። መርገምን ሓይልታት ጸልማትን ኣብ ገሊኡ ከፍርሕኹም ኣብ ገሊኡ ድማ ክትጽየፍዎምን ኢኹም። “ነቢርካ ምማት ዶ ሞይትካ ምንባር፧” ኣብ ዝብል ዛዕባ ምስ ሞትን ምንባርን ዘሎ ናይ ወድ ሰብ ተሓናነቕ ተዓዚብኩም ትርጉም ህይወት ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይና ክትጸንሓኩም እያ። ነዛ መጽሓፍ ምስ ነበብኩም ትስትንከሩ “ብዝተነግረና ዛንታ ንጣፋፋእ ፍጥረት፡” ምዃና ምስ ኣስተብሃልኩም እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ “ሚስቶ” ወይ “በያይነቱ” ዝብል ዓይነት ምግቢ ኣሎ፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ካብ ኩሉን በብዓይነቱን መግቢ ማለት እዩ። እዛ መጽሓፍ ድማ ብዙሕ ጽሑፋት ተወኪሰ ካብ ዝኽረይ ቀዲሐ ዝጸሓፍክዋ ፍልጠትን ፈጠራን ዝተተኽተኽተኸት ግና “ተረካዕዳ ወይ “escapegoat” ዛዕባኣ ገይራ ዝተጻሕፈት እያ። ድሮ ካብ ዝቐርብ ዘሎ ርእይቶ፡ “ቀዳማይ ቅጺ፡ ካልኣይ ቅጺ እናበለት ብዙሕ ቅጽታታ ክትቅጽለላ ትኽእል መጽሓፍ’ያ።” ዝብል እዩ። ኣምላኽ ጥዕናን ግዜን ይሃበና እምበር ክኸውን እዩ። ኣብ መወዳእታ “ኣጆኻ እናበለ ከሕትማ ንዘተባብዓኒ መምህር ባስልዮስ ዘሞ ምስ ነበባ ዝሃቦ ርእይቶ ገዲፈ ነቢብኩም ዋላ ዉሑድ ሓሳብ ክትረኽቡላ እትስፎ። በየነ ሰመረ   ጋዜጠኛን ደራስን በየነ ሰመረ መጽሓፍ ኣብ ምትንታን፡ ምድናቕን ምህያስን ዘለዎ ብቕዓት ኣዝዩ’ዩ ዝምስጠኒ። እዛ “ተረካብዓድዮ” ዝብል ኣርእስቲ ዝሃባ ኣዝያ መሳጢትን መሃሪትን መጽሓፉ ድማ ነቲ ሓያል ናይ ምንባብ፡ ምትእስሳርን ምግንዛብን ዓቕሙ ዘግሃደት መጽሓፍ ኮይና ረኺበያ። ሓይሊ ይኹን ስልጣን ዘለዎም ሰባት ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ጀሚሮም፡ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ንሰባት ግዳያት ኣብ ምግባር ዝነበሮምን ዘለዎምን ክፋእን ተንኰልን ኣጕሊሓ እተርኢ መጽሓፍ እያ። እቲ ዘገርም ድማ እቶም ግዳያት ነቲ ግዳይነቶም ከም ቅቡል ወሲዶም ክርዕምዎን ክጣበቕሉን ኣርእያ፡ ንውሽጥኻን ከባቢኻን ከም እትፍትሽ ትገብረካ። ልዕሊ ዅሉ ከኣ፡ ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ በበይኖም ኵርናዓት ዓለም ንዝተሓልፉ ናይ ተረካብዓድዮ ተሞክሮታት ብምቕራብ፡ ሰፊሕ ግንዛበ እተሕድር ኣዝያ ኣገዳሲት መጽሓፍ እያ። ደራሲ በየነ ድማ እዚ ሓያል ናይ ስነ-ጽሑፍ ዓቕሙ ናብ ዝሰፍሐን ዝሓየለን ደረጃ ኣበሪኹ ብዙሓት መጽሓፍቲ ከበርክተልና እምሕጸኖ።   ጸሓፍን ኣርታዕን ባሲልዮስ ዝሞ