About the book

ጭልፋ ንሌላ መጽሓፍ ምጽኦተ ሰይጣን ደራሲ፡ በየነ ሃይለ ብዝሒ ገጽ፡ 273 ብርሃነ ገብረህይወት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንምሕዝነት ሕቶ ምስ መጽኣኒ፡ ስም ናይቲ ኣቐዲመ ኣብ ኣስመራ ዝፈልጦ ደራሲ መጻሕፍቲ፡ ዓቢዱዶ ትብሉዎ፡ ድኳን ትበርህ፡ ትጽቢት ባህጉን ናይ መድረኽ ድራማ ወግዒ ልብን በየነ ሃይለ ዝተጠቕመ ሰብ እዩ ብምባል፡ ክቕበሎ ኣይመረጽኩን። በየነ ሃይለ፡ ኣብርሃም ኣፈወርቂ፡ የማነ ባርያ እናበሉ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይፍልፍሉ ብምንባሮም፡ ንጠለብ ምሕዝነቱ ጐስየ ነዊሕ ተጓዒዘ። ብመንገዲ ንኽልቴና ዘዕልል ሰብ ግን ካልእ ጸሓፊ፡ ቀባኣይን ቀራጽን በየነ ሃይለ ምህላዉ ከረጋግጽ ክኢለን ተራኺብናን። እነሆ እውን ሎሚ ብዛዕባ መጽሓፉ፡ ብዛዕባ ካልእ ደራሲ በየነ ሃይለ እዛረብ። ዝቕባበ ሕቶታት፡ ኣስተንትኖታት፡ ምጕታት፡ ዝተሰኽሰኸት መጽሓፍ ምጽኦተ ሰይጣን፡ ሌጣ ዋሕዚ ዛንታ እኳ እንተ ዘይኰነት፡ ውልቀ ዝኽሪ፡ ከልበትበት፡ ተመኩሮ ህይወት፡ እምነትን ኣረኣእያን ጸሓፊ ዘሰንዩዋ፡ ፍኑው ዋሕዚ ሓሳባት እትኽተል፡ ምትሕሓዝ ወይ ምትእስሳር ኣብ ዘለዎም ሰላሳ ንኡሳን ኣርእስታት ዚተኸፋፈለት መጽሓፍ እያ። ነብሱ ከም ዝሰኣነ ዝገልጽ ጸሓፊ፡ “ግና፡ መን እየ ኣነ? – ኣነ’ኸ መን እየ? ግና፡ እንታይ እየ ኣነ’ኸ? ንምንታይ ከ ከምዚ ይኸውን ኣለኹ? ” ብዝብሉን ካልእ ትርኑዓት ሕቶታትን፡ ንነብሱ ክውጥርን ትርጕማት ከናድን ይረአ። ሕሰምን ከርተትን ስደት ዒቕ ኢሉዎ፡ ብሰንኪ ጸሊም ሕብሩ ኣብ ዓዲ ስደት ዘጋጠሙዎን ዘጋጥሙዎ ዘለዉን ተነጽሎን ኣድልዎን፡ ናብ ውላዱ ከይተረፈ ከም ዝተሰጋገሩ ይገልጽ። ኣብ ዓዲ ስደት ዝተወልደ ጸሊም ህጻን፡ ብጸሊም ሕብሩ ጥራይ ውርሻዊ ኣድልዎ ክወሃቦ ከም ዘይብሉ የስተንትንን ኣብ ጽሑፉ ይማጐትን፡፡ ጓሉ ንምንታይ ብዘይኣበሰቶ ጉዳይ፡ ተወሊዳ ኣብ ዝዓበየትሉ ዓዲ፡ መዛኑኣ ዘይተሓተተቱዎ ቅጥዒ ከተማልእ ትሕተት ምህላዋ ክትብደሆ እንከላ የርእይ። ኣብ ገለ እናሰሓቐ፡ ኣብ ገለ እናተገረመ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ እናኣንጸርጸረ፡ ጸሓፊ፡ ተቓውሞኡ፡ ሓሳቡ፡ ርእይቶኡ፡ መርገሙ፡ ኩነኔኡ የቕርብ። ነዛ መጽሓፍ ብዕምቈት ንምርዳእን ሕመረት መልእኽቱ ንምቝላብን፡ ፍልስፍናኡን ኣበሃህላኡን ብቐሊል ንምሕቋፍን፡ ህይወት ጸሓፊ ብዕምቈት ምፍላጥ ኣገዳሲ ይመስል። ኣካል እቲ መጽሓፍን ፈጺሙ ዘይንጸልን ብምዃኑ’ዩ እቲ ምኽንያት። ነዚ ኸኣ ካብ መቕድም መጽሓፉ ብቐሊሉ ምርዳእ ይከኣል። “እዚ ጽሑፈይ ልቢ ወለድ ወይ ታሪኽ ዘይኰነስ ካብ ዝረአኹዎን ዝርእዮ ዘለኹን ግሩህ ኣረኣእያይ፡ ኣተሓሳስባይ፡ ነጸብራቕ ህይወተይ፡ ቅርጽን ስእልን ሓሳበይ እዩ።” ክብል ኣነጺሩዎ ኣሎ። ከምቲ ዝብሎ ግሩህ ኣረኣእያ ግን ኣይኰነን ዘለዎ። እቲ “ግሩህ ኣረኣእያይ” ብምባል ዝገልጾ፡ ሓያል ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባኡ ኰይኑ ኣብ መጽሓፉ ተገቲሩ ኣሎ። ንክውንነትን ትዕዝብትታቱን ቀሪጹ’ዩ ሓሳባቱ ዘቐምጥ። ኣነጻጻሪ ቅዲ ይኽተል። ጸሓፊ፡ ኣብ ባይታ ንዝዕዘቦም ክውንነታት ምስ ኣረኣእያታቱን ክኸውን ነይሩዎ ወይ ኣሎዎ ዝብሎን የፋጥጦም። ቅልስ ክውንነታትን ኣተሓሳስባታቱን ዝንጸባረቐላ መጽሓፍ እያ – መጽሓፍ ምጽኦተ ሰይጣን። ኣብ ሓሙሻይ ስደት ምህላዉ ዝሕብር ጸሓፊ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ፡ ኣህጉሩ፡ ዓለሙ፡ ኣሎ ንዝብሎ ዘይምዕሩይነት፡ ዘይፍትሓውነት፡ ኩሉ መዳያዊ ኣድልዎን ጸይቅታት ስልጣነ ቀበዞን፡ መንቀሊኡ ፍርሒ ምዃኑ ገላሊሁ ብምርኣይ፡ ንኽስዕሮ ናይ ሓይሉ ይጠማጠሞ። ኣብ ልዕሊኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሕብረተ ሰቡን ህዝቡን ንዝወረደ፡ ግዜ ዝበልዐ ኣደራዕ ይፍንፍኖን ዕርቃኑ የውጽኦን። ጸሊም ከም ሃካይ፡ ጸሊም ከም ድኹም፡ ጸሊም ከም ቀዳማይ ጥርጡር ወይ ገበነኛ፡ ጸሊም ከም ንዑቕ፡ ጸሊም ከም ሰይጣን፡ ጸሊም ከም ህውከተኛን ዓማጽን ኣምሲሉ ንዝቐርብ ደዋኒ ኣካይዳ ኣትሪሩ ይቃወሞ። ከም ጸሊም ሰብ ንጽህና ዘሎዎ ከም ዘየሎ ድማ ይገልጽ። ጸሊም ሰብ፡ ብንጽህናኡን እምነቱን ግዳይ ይኸውን ከም ዘሎ ይድሕድሕ። “ክሳብ ሕጂ፡ ብጸሊም ሰብ ዝተፈጸመ ወንጀል የልቦን” ብምባል እውን ኣትኪሉ ይጣበቕ። ብኣንጻሩ፡ ጻዕዳ ሰብ ብሓጥያት ዝተበልዐ ምዃኑ ይእውጅ። ይፈርሕን ፍርሑ ይገልጽን። ካብ ፍርሒ ሰጊሩ ራዕዲ ከም ዝፈጥረሉ ኸኣ ይሕብር። ንሕሉፉን ህሉዉን ገምጊሙ ብመጻኢኡ ይፈርሕ። “እንታይ ከ ዘየፍርሕ ኣሎኒ?” ብምባል ይሓትት። ጸኒሑ ግን፡ ፍርሒ ምንጪ ትብዓት ምዃኑ የርእይ። ኣቐዲሙ መግዛእቲ ጻዕዳ ናብ መሬት ጸሊም ኣፍሪቃዊ ክኸይድ እንከሎ፡ ድሒሩ ድማ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ናብ መሬት ጻዕዳ እናተሰደደ ይግዛእን ድከቱ ይሰቲ ምህላውን ሰሓ ስምዒቱ የካፍል። ንኽብርታት ጸሊም ሕብረተ ሰብ ኣፍሪቃ፡ ማሕበርነታዊን ርእሰ ማላዊን ፍልስፍናታት ጻዕዳ ሰብ ከም ዘዕነዉዎ ይገልጽ፡፡ ንጸሊም ኣፍሪቃዊ ነንሓድሕዱ ዘናቝሮ ዘሎ፡ ጻዕዳ ሰብ ምዃኑ የነጽር፡፡ ኣዝዮም ዓበይቲ ነውርታት ጻዕዳ ሰብ የቃልዕ፡፡ ካብ ኲናት ክሳዕ ቀዘፍቲ ሕማማት፡ ኣጽዋራት ጻዕዳ ሰብ ኰይኖም ንጸሊም ሰብ ንምጽናት ከም ዝስረሓሎም ይሕብር። ደራሲ፡ ኣብ ውሽጡ ዝተቐመጠ ዘሳቕዮ ቍስሊ እውን ኣለዎ። ጸሓፊ ምጽኦተ ሰይጣን፡ ኣብቲ ብስደት ዝኣተዎ ዓዲ ጥልያን፡ መሪር ግዳም ሓደርነትን ገልታዕታዕን ድሕሪ ምሕላፍ፡ ተረጋጊኡ ንኽነብር፡ ናብራኡ ንኽቕይር፡ ደቁ ንኸዕብይ፡ ከምህርን ኣብ ዝብጻሕ ከብጽሕን፡ ኣብ ፋብሪካ ጥይት መቕተሊ እንስሳታት ሰሪሑ’ዩ ዝኣቱ። እቲ ልክዕ ቦታ ዕዮኡ ምዃኑ’ዩ። ካብታ ብኲናት ዝሳጸየት ዓዱ ጀሚሩ፡ ምስ ጥይትን ተተኰስትን ካብ ቁልዕነቱ ዝተላለየ፡ ተጋዲሉ እውን፡ ኣሽሓት ጥይት ዝተኮሰ፡ ብኣሽሓት ጠያይት ዝተሳሕተ፡ ኣማኢት ብጾቱ ብጥይት ክወድቁ ዝረኣየ፡ ሕጂ ኣብ ስደቱ ድማ ኣብ መፍረ ጠያይት መቕተሊ እንስሳታት ይዓዪ ምህላዉ፡ ሰላም ይስእነሉ። መጽሓፉ ኸኣ ነጸብራቕ ዘይተቓደወ ሕልምን ጋህድን ህይወቱ ምዃና እያ። ዘይምቅዳው ትጽቢት ስደትን ክውንነትን ግን ኣይኰነን እቲ ጠንቂ። ንስደት ከም ባህርያዊ ወይ ድፍኢታዊ ምንቅስቓስ ከም ቅቡል ወሲዱ፡ ጉዳይ እንጀራ ኰይኑዎ፡ መዓልታዊ ሕልናኡ ንዘይቅበሎ ዕዮ እናኣከናወነ፡ ጠያይት እናኣፍረየ ህይወቱን ህይወት ስድራኡን’ዩ ዝኣሊ። “ጥይት ምስራሕ ማለት ሞት ምስራሕ ማለት’ዩ” ይብል ጸሓፊ በየነ ሃይለ። ስድራኡ ብዝኣልየሉ ፍርያት ስርሑ፡ ካልኦት ህይወታውያን ከም ዝጸንቱሉ ይርደኦን ድቃስ ይኸልኦን። “ከምዚ መዓልታዊ ዘፍርዮ ዘለኹ ዝፈሪ ዘሎ ኣሽሓት ጠያይት ንኽሃልኽ፡ ኣብ መሬት ጸሊም ግድን ኲናት ክፍጠር ኣለዎ። ይፍጠር ድማ ኣሎ።” ይብል ንሱን መሰልቱን ብዝሰርሑዎ ጠያይት ኣእላፍ ህይወት ይረግፍ ምህላዉ ዕረ እናጠዓሞ። እቲ ክውንነት፡ ብልክዕ ከምኡ ምዃኑ እንዕዘቦ ዘለና ሓቂ’ዩ። ደራሲ፡ ምስ ነፍሲ ወከፍ ዘፍርያ ጥይት፡ መዓልታዊ ነብሰ-ስጋኡ ክስቀቕን ክሰሓግን፡ ሕልናኡ ከሳቕዮ ብቐሊሉ ይረኣየካ። ሰራሒ ጥይትን ወናኒ ሰብኣውነታዊ ኣተሓሳስባን ምዃን፡ ንኽልተ ዘይራኸቡ ጫፋት ኣብ ሓደ ርእሲ ኣራኺብካ ኣብ ዘሎ ምንባር፡ ዝህሉ ሓያል ናይ ኣተሓሳስባ ኲናት ምግማቱ ኣየጸግምን። ዕጫ ደራሲ እዛ መጽሓፍ ከኣ እዚ’ዩ። መጽሓፍ ምጽኦተ ሰይጣን’ምበኣር ብንጹህ ልቢ ተጠኒሳ፡ ጥይት ዝሰርሓ ረስሓት ኣእዳው ዘሕረስኣ መጽሓፍ እያ። ደራሲ በየነ ሃይለ ኣብ መጽሓፉ፡ ከም ገጸ ባህሪ፡ ሓታቲ፡ ኣስቈንቋኒ፡ ኣስተንታኒ፡ ተቐንዛዊ፡ ኰናኒ፡ ተጣባቒ ሰብን እንስሳታትን፡ መስተማሰሊ ጥራይ ኣይኰነን። ኤርትራዊ ሓሳቢ፡ ተጸባጻቢ ታሪኽን ተቓላሲ ንኽብሪ ጸለምትን እውን እዩ። ኣንጻር ኣምልኾ ጻዕዳ ሕብርን ጻዕዳ ሓጥያትን ደው ይብል፡፡ ክሳዕ ሎሚ ኤርትራውያን ተቓለስቲ፡ ተመራመርቲ ታሪኽ ይኹኑ ፖለቲከኛታት ዘየልዓሉዎ ኰይኑ ዝስመዓኒ ሕቶታት የልዕል። ንምጥቃስ ዝኣክል፡ “ድሕሪ ዘሕፍር ስዕረት ጥልያን ብኢትዮጵያውያን ኣብ ዓድዋ፡ ኣብ ልዕሊ ምሩኻት ውግእ ኤርትራውያን ምቝራጽ ኣእጋር፡ ምቝራጽ ኣእዳው፡ ምንቋር ኣዒንቲ፡ ዘሕፍር ስጕምቲ እዩ ተወሲዱ። እቲ ኣብ ልዕሊ ምሩኻት ውግእ ዝተፈጸመ ወንጀል ክሳብ ሕጂ ጸብጻብ፡ እቕረ፡ ካሕሳ ኣይተተገበረሉን። ደሙ እናግረምረመ እዩ ዝነብር ዘሎ። ሕራይ ዘይሰልጠነ ደንቆሮ ኣፍሪቃዊ ህዝቢ እዩ ፈጺሙዎ ንበሎ። ምሩኻት ጣልያን ግን ብኽብሪ ከም ዝተታሕዙን ብኽብሪ ንዓዶም ከም ዝተፋነዉን ኢና እንፈልጥ። እቲ ዘሕፍር፡ ጣልያን ድሕሪ እቲ ስዕረት፡ ንዝተፈላለያ በርጌዳቶም፡ ክፍለ ሰራዊቶም፡ ነቶም ንዓሻኽር ኤርትራውያን ኣብ ሓዊ ጠቢሶም ዝሃደሙ መኮነናትን ተራ ወተሃደራትን፡ መዳልያ ወርቂ፡ ነሓስ፡ ብሩር ካልእ መዓርግን ክወሃብ እንከሎ፡ […] እቶም ኣዒንቶም ዝነጠቘ፡ ቀላጽሞም ዝተሰልዐ፡ ኣእጋሮም ዝተቘርጸ ኤርትራውያን ዓሻክር ጥልያን፡ ካብቶም ኮብኲቦም ኣብ ሓዊ ዝጠበሱዎም ጠላይን ካሕሳን ጥሮታን ከይረኸቡ ምስ ቁስሎም ሓሊፎም። ” ብምባል፡ ምስ ታሪኽ ብምምጓት፡ ንኢጣልያውያን ብኸሓዲ ባህርያቶምን ክፉእ ግብሮምን፡ ስለቲ ኣብ ውግእ ዓድዋ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ካልእ ዓውደ ውግኣት እውን ተጠቒሞም ዝደርበዩዎ ኤርትራዊ ሰራዊት፡ ድግድጊት ተዓጢቑ ይሓትቶምን ይኸሶምን። ንቐበርቲ ታሪኽ ኢጣልያውያን ድማ፡ ” … ነዚ ስለ ዝረስዑ፡ ዋላ ንብድሕሪ ሕጂ እውን ሕልናኡ ተበራቢሩ፡ ነዚ ክዝክር ዝበቅዕ ሰብኣዊ ሕልና ክህሉዎ ዝኽእል ትውልዲ ኣይክህልዎምን እዩ ኢልና፡ ንሕና ኤርትራውያን ንዒቕና ንሓልፎም። ነዚ ኢና ድማ ንህዝቢ ጥልያን ከም ህዝቢ ኣጠቓሊልና፡ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዘይስምዖምን ሞራላውን ሕልናውን ዒብ ዘይብሎምን ህዝቢ እዮም ክንብሎም እንደፍር፡፡” ብምባል ይመዓቶም፡፡ ኣብዚ ከይተሓጽረ እውን፡ ብስደት መሬቶም ንዝረገጸ ኤርትራዊ ስደተኛ ዘርእዩዎ ብደዐን ኣተሓሕዛን ይወቕሶም። ካብ ባሕሮም ክመልሱዎን መሬቶም ንዝረገጸ ድማ ክጽየኑዎን ምዕዛቡ የቖጥዖ። ኢጣልያ ከም ገዛኢት ኤርትራ ነበር፡ ሕብረተ ሰብ ጣልያን ምስ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ተዛማዲ ማሕበረ ባህላዊ ምትእስሳር ክህልዎ ከም ዝኽእልን ከም ዝነበሮን ብምዝኽኻር፡ ኣብ ገዛእቲን ተገዛእቲን ኣህዛብ ክህሉ ኣሎዎ ብዝብሎ መምዘኒ፡ ንህሉው ድሕረ መግዛእታዊ ዝምድናታትን ምትሕብባርን እናኣነጻጸረ ይርእዮን ይነቕፎን። ኣብ መጽሓፍ ምጽኦተ ሰይጣይ፡ መሬት ጻዕዳን መሬት ጸሊምን ዝበሃሉ ክልተ ተጻረርቲን ተደጋገምቲን ዓለም ኣለዉ። ጻዕዳ ሓጥያት እናተባህለ ዝግለጽ ኣምር ድማ ኣሎ። ብልምዲ፡ ጻዕዳ ከም ሓደ ንጹህ ነገር ዝሕሰብ፡ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ከም ሓደ መሰረታዊ ባህርያዊ ሕብሪ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብዓይኒ ጸሓፊ ግን ጻዕዳ ሕብሪ፡ ንመቓብር ኩሎም ተንኮላትን ግብርታትን ጻዕዳ ሰብ ወኪሉ ይርከብ። ከም መርኣያ ነድሩ ድማ ጸሓፊ፡ ንኹሉ መዳያዊ መግዛእቲን ኣበሳን ጻዕዳ ሰብ፡ “ጻዕዳ ሓጥያት” ኢሉ ብምጥማቕ ብግህዶ ይቃወሞ። “እዚ ጸሊም ዘርኢ ግን መዓስ’ዩ ካብዚ ጻዕዳ ሓጥያት እዚ ዝገላገል?” ብምባል ገዚፍ ሕቶ የቐምጥ። መጽሓፍ ምጽኦተ ሰይጣን፡ ማዕረ ቃንዛ ጸሓፊኣ ንኣንባቢኣ እውን እተቐንዙ መጽሓፍ’ያ ዝብል እምነት ኣለኒ። ንሰውራ ክብሪ ጸሊም ሰብ እያ እትቕስቅስ። ጸሓፊ፡ ፍርሑ እናገለጸ፡ ብርዑ ተኺሉ እምቢታኡ የስምዕ። ዝያዳ እንክፈልጥ ዝያዳ’ዩ ዝፈርሕ። ጻዕዳ ሰብ ካብ ፍርሒ ተበጊሱ ነዞም ኩሎም ተንኰላት ከም ዝሃንደሶምን ይጥቀመሎም ከም ዘሎን ብምጉላሕ፡ ደራሲ፡ ፍርሑ ዕጥቂ ንቃልሲ ኣተሓሳስባኡን ኣረኣእያኡን ምዃኑ የግህዶ። ተናዒቑን ከም ዘይረብሕ ተነጊሩዎን፡ ስነ ልቦናኡ ተጐዲኡ ደኒኑ ንኽኸይድ፡ ተስፋ ከም ዝቘርጽ ተሰሪሑሉን ይስረሓሉን’ኳ እንተሎ፡ ሓመዱ ነጊፉ ክትስእ ይቃለስ። ክጽለል ካብኡ ሓሊፉ እውን ክዓብድ ድሉው ይኸውን። መቓልስቱ እውን ንኸይወድቁ፡ እንተ ወዲቖም ድማ ንኽትስኡ ይጽውዕን የተባብዕን። ጸሊም ሰብ፡ ብስም ስልጣነ ክብርታቱ ከይሸይጥን ከየድፍርን የጠንቅቕ። ኣብ ኣገባብ ኣጸሓሕፋኡ፡ ይነግር እምበር ኣይጉስጉስን ወይ ኣይምዕድን። ዝመስሎን ዝስመዖን ጥራይ ኣቐሚጡ ይርከብ። ፍልስፍና፡ ፍቕሪ ጥበብን ሓቂን፡ ንህይወትን ተፈጥሮን ብጽባቐ ምቕማጥን ማለት ምስ ዝኸውን፡ ንደራሲ መጽሓፍ ምጽኦተ ሰይጣን ብልክዕ ይብጽሖ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ኩሉ ግዜ ምስ ተገረመ’ዩ፡፡ ዘልዕሎም ሕቶታትን ዘንቅሎም ኣምራትን፡ ዝህቦም መግለጽን ትንተናን፡ ዕምቈት ዘለዎ መልእኽትን ትርጕምን ኣለዎም። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ መጽሓፍ ምጽኦተ ሰይጣን፡ ኣብ ግሉል ህይወት፡ ብንጹህ ልቢ ተጠኒሳ ረስሓት ኣእዳው ሰራሕቲ ጥይት ዘሕረስኣ እያ። ምስዚ ኩሉ ብኸፊል ዝተጠቕሰ ትሕዝቶኣ ኸኣ ናብ ኣንበብቲ ተብል ኣላ። ነዘን ሰራሕቲ ጥይት ዝዀና ረስሓት ኣእዳው፡ ዓቢ ምስጋናን ናእዳን ዝግብአን’ኳ እንተዀነ፡ ንዝቕጽል ሕታማታ፡ ኣብ ኣርትዖትን ቅርጽን ዝያዳ ስራሕ እትጠልብ ምዃና፡ ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልይን። ምስቲ ኹሉ ሓይሊ ሓሳባ፡ ነቐፌታዊ ኣረኣእያኣ፡ ኣነጻጻሪ ኣጠማምታኣን ገበታ ወጠርቲ ሕቶታታን፡ መጻሕፍትና ሓይሊ ብዘለዎም ኣርታዕቲ ክሓልፉ ከም ዘለዎም እተዘኻኽር መጽሓፍ ኰይና ረኺበያ። ደራሲ በየነ ሃይለ፡ ንሓድሽ ሜላ ዘይጐነጻዊ ዓሌታዊ ኣፈላላይን ምዝመዛን፡ ብግቡእ ኣንቢቡ ዝተረደአን ተመኩሮኡ ዘካፍል ዘሎን ጸሓፊ ምዃኑ፡ መጽሓፉ ክትነግረሉ በቒዓ ምህላዋ ክምስክረሉ እደፍር ። ኣብ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ኣብ ሰውራ ሰብኣውነት ዝነኣድ ኣበርክቶ እናበልኩ፡ ንኣንበብቲ፡ ንንባብን ምስትምቓርን፡ ንምስትንታንን ንኹሉ መዳያዊ ቃልሲ ንምሉእ ሓርነት ጸሊም ሰብን ብመገዲ እዛ መጽሓፍ እዕድሞም።