About the book
ግርማይ ዮሃንስ፡ ኣሰናዳኢ እዛ መጽሓፍ፡ ኣብ መስከረም 2001 ደሞክራስያዊ ሕቶታት ብምሕታቶም ናይ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታትን ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ዝሕተማ ናይ ዝነበራ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣሰናዳእቲ፡ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍቲን ታሪኽ ኣብ’ዛ መጽሓፍ ብኸፊል ሰኒዱዎ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብ ዓይኒ ሰብ ዘይተቓልዐ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተጻሕፈ ደብዳበ’ውን ተኻቲቱ ኣሎ። ስድራቤት እሱራት’ውን፡ ንዝኽርታቶም ኣካፊሎም ይርከቡ። ብተወሳኺ፡ ሽወደናውያን መሓዙትን ጋዜጠኛታትን ስምዒታቶም ኣካፊሎም ኣለዉ። ገሊኡ ትሕዝቶታት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራውያን መራኸብታት ተዝተዘርግሑ ክዀኑ ዝኽእሉ’ኳ እንተዀኑ፡ እዛ መጽሓፍ ግን ብጥርኑፍ ናይ’ቶም ኣብ መስከረም 2001፡ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕን ፍርዲን ን25 ዓመታት ዝተኣስሩ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍቲን ንምዝካር ታሪኾም ሰኒዳ ትርከብ። ኵሉ ትሕዝቶታት፡ ብትግርኛን ሽወደንኛን ተዳልዩ ኣሎ።




